እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጻኢ ጕጅለ ቫግነር እንታይ ክኸውን ይኽእል?
መንግስቲ ሩስያ ድሕሪ ሕጂ ንዕሱብ ሓይሊ ቫግነር ዝብትኖ’ዩ ዝመስል።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር እቲ ጕጅለ ከበድቲ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውትን ከረክብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ዅሉ መራሒ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ተዋጋእቲ ኣሰሊፉ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ዝገበሮ ገስጋስ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፑቲን ዝዓመጸ ሓይሊ ግን ካብታ ርእሰ ከተማ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቝ እንከሎ ደው ክብል ተገይሩ።
ንምዃኑ፡ ጕጅለ ቫግነር እንታይ’ዩ? ክሳብ ክንደይ ዓብይ’ዩ?
ሃለዋት ጕጅለ ቫግነር፡ 2014 [ኣ.ኣ] ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከቡ ተገንጸልቲ ሓይልታትን ደገፍቲ ሩስያን ክድግፍ ክጅምር እንከሎ እዩ ተፈሊጡ።
ዕሱባት ወተሃደራት እዚ ጕጅለ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን’ውን ኣለው።
ኲናት ዩክረይን ቅድሚ ምጅማሩ ቫግነር መብዛሕትኦም ገዳይም ረጅመንታትን ፍሉይ ሓይልን ሩስያ ዝነበሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ተዋጋእቲ ከም ዝነበርዎ ይእመን።
ይዅን’ምበር ካብኡ ንደሓር እቲ ቝጽሪ ከም ዝወሰኸ ይግመት።
የቭገኒ ፕሪጎዢን “ወፍሪ ፍትሒ” የካይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ ናብ ሞስኮ ክግስግስ እንከሎ፡ 25 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝእዝዝ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ሩስያ፡ ዕሱባት ወተሃደራት ዘይሕጋዊ'ኳ እንተዀኑ ቫግነር ግን ኣብ ታሕሳስ 2022 ከም ሓደ ኩባኒያ ኰይኑ ተመዝጊቡ።
ኣሜሪካ ኣብ ጥሪ እዚ ዓመት፡ ነዚ ጕጅለ “ስግረ-ሃገራዊ ገበናዊ ትካል" ኢላ ክትምዝግቦ ምዃና ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ዩክረይን እንታይ ገይሩ?
ቫግነር፡ ብፍላይ ከተማ ምብራቕ ዩክረይን ዝዀነት ባክሙት ብሩስያ ንክትትሓዝ ዓብይ ተሳትፎ ነይርዎ።
ወተሃደራት ዩክረይን ብብዝሒ ናብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተላእኩን፡ እዚ ድማ ሞት ብዙሓት ከም ዘስዓበን ይገልጹ።
መጀመርታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ቫግነር ኣብ ዩክረይን ይዋጋእ ከም ዘሎ ኣይተኣመነን ነይሩ።
እዚ ግን፡ ፕሪጎዢን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሰራዊት ሩስያ ቅሬታ ከልዕል ምኽንያት ኰይኑ።
ነዚ ስዒቡ፡ መራሒ ቫግነር ወተሃደራቱ ዕጥቂ ከይረኽቡ ከም ዝተገብረ ብምግላጽ ካብ ባክሙት ክስሕቦም እየ ኢሉ።
ቅድሚ ወራር ሩስያ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ቫግነር ክሬምሊን ወራር ንክፍጽም መበገሲ ዝዀኖ ምኽንያት ንምሃብ "ናይ ሓሶት ባንዴራ" ዝበሃል መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ይግመት።
እዚ ቃል ብሓደ ወገን ዝፍጸም ግን ከኣ እቲ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ክውዕል ዝግበረሉ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ተግባራት የመልክት።
ቫግነር ዝብል ሽም ብኸመይ ተዋሂቡ?
የቭገኒ፡ እቲ ጕጅለ ብ2014 ከም ዝመስረቶ ይዛረብ።
ንሱ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክሬምሊን ኣሳሳዪ ስለ ዝነበረ፡ “ከሻኒ ፑቲን” ብዝብል ቅጽል ሽሙ ዝፍለጥ ሃብታም ነጋዳይን ገበነኛን እዩ ነይሩ።
ቢቢሲ ብ2021 ዘካየዶ መርመራ፡ መኮነን ሰራዊት ሩስያ ነበር ዲሚትሪ ኡትኪን ተሳትፎ ከም ዘለዎ ኣጉሊሑ።
ሩስያ ኣብ ቺቺንያ ኣብ ዘካየደቶም ኲናታት ተሳትፎ ዝነበሮ ዲሚትሪ ናይ መጀመርታ ኣዛዚ ቫግነር ከም ዝነበረን፡ ነቲ ጕጅለ ድማ ብስም ናይ ቀደም ምልክት ጻውዒት ራድዮኡ ከም ዝሰመዮን ይግመት።
ፕሪጎዥን ኣብ 2022 ሩስያውያን እሱራት ብምምልማል ቍጽሪ ቫግነር ክዓቢ ገይሩ።
ኣስታት 80 ሚእታዊት ኣብ ዩክረይን ዝተዋፈሩ ወተሃደራቱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝመጽኡ ምዃኖም ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ይገልጽ።
ምስ ኮማንደራት ሰራዊት ሩስያ ብኸመይ ተጓኒጹ?
ፕሪጎዥን ብተደጋጋሚ ንሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾጊን ኣብ ዩክረይን ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታት ቫለሪ ጀራሲሞቭን ብቕዓት የብሎምን እናበለ ክኸሶም ጸኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ ቫግነር ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዘእትዎ ውዕል ክፍርም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ነጺግዎ።
ፕሪጎዢን ብ23 ሰነ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዩክረን ዝርከቡ ወተሃደራት ቫግነር ቦምባ ከም ዝደርበዩ ገሊጹ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ሰራዊቱ ንደቡባዊት ከተማ ሩስያ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ተቘጻጺሮም ናብ ሞስኮ ጕዕዞኦም ጀሚሮም።
ናይዚ ዕላማ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ንምእላይ ምዃኑ ገሊጾም።
ይዅን’ምበር ብሸምጋልነት ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ እቲ ናብ ሞስኮ ዝገብሮ ዝነበረ ገስጋስ ጠጠው ኢሉ።
ወተሃደራቱ ሒዙ ናብ ቤላሩስ ክኸይድ ድማ ተሰማሚዑ።
ካልኦት ኣብ ሩስያ ክጸንሑ ዝመረጹ ኣባላት እቲ ጕጅለ ድማ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ክጽንበሩ ምዃኖም ይንገር።
ኣብ ልዕሊኦም ቀሪቡ ዝነበረ ገበናዊ ክስታት ክኣ ከም ዝተላዕለ መንግስቲ ሩስያ ገሊጹ ኣሎ።
ካብዚ ወጻኢ ኣበይ ይንቀሳቐስ?
ካብ 2015 ጀሚሩ ዕሱባት ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስቲ ኰይኖም ክዋግኡን ናይ ነዳዲ ቦታታት ክሕልውን ጸኒሖም።
ኣብ ሊብያ’ውን ንሓይልታት ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ዝሕግዙ ወተሃደራት ኣለውዎ።
ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ (CAR) ድማ ዕደና ዳያመንድ ብቫግነር ክሕሎ እያ ገይራ።
ብተወሳኺ እዚ ጕጅለ ዕደና ወርቂ ሱዳን ከም ዝሕሉ ይግመት።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - መንግስቲ ማሊ - ኣንጻር እስላማዊ ሚሊሻታት ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ንኣባላት እዚ ጉጅለ ይጥቀም።
ሕጂ ግን፡ እዞም ወተሃደራት ዝእዝዞም መን ምዃኑ ዛጊት ኣይተነጸረን።
ገንዘብከ ብኸመይ ይረክብ?
ሩስያ፡ ሰራዊት ፕሪጎዚን ኣብ ዩክረይን ንኽዋግኡ ገንዘብ ከም ዝኸፈለት ኣብ ለንደን ኪንግስ ኮሌጅ ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ዶክተር ማሪና ሚሮን ትዛረብ።
"(ፕሪጎዢን) ሓደ ካብቶም ናይ ብሕቲ ዕሱባት ወተሃደራት ዝውንኑ ሓያሎ ሃብታማት ሩስያ'ዩ። ሚኒስተር ምክልኻል እንከይተረፈ ዋና ዕሱባት ወተሃደራት’ዩ” ኢላ።
ብመሰረት ፕረዚደንት ፑቲን፡ ቫግነር ደሞዝ ንምኽፋል ካብ ግንቦት 2022 ክሳብ ግንቦት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ባጀት ሚኒስትሪ ምክልኻልን እታ ሃገር 86.26 ቢልዮን ሩብል (1 ቢልዮን ዶላር) ተዋሂብዎ’ዩ።
ንሱ፡ ሰብመዚ እቲ ንቫግነር ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለ ክምርምሩ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።
ፕሪጎዚን ካብ ህላወ ቫግነር ኣብ ካልኦት ሃገራት ወጻኢ ገንዘብ እውን ከም ዝረኸበ ትሬዠሪ ኣሜሪካ ይሕብር።
ኩባንያታቱ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ሱዳንን ካብ ዝነበረ ዕደና ወርቅን ኣልማዝን መኽሰብ ከም ዝረኸባ ይንገር።
ሰበ መዚ ኣሜሪካ ብተወሳኺ ምስ ፕሪጎዢን ዝተኣሳሰር ኩባንያ ጸዓት ኣብ ሶርያ ካብ ቍጽጽር ኣይኤስ ኣብ ዘምለሶ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ናይ ነዳዲ ቦታታት 25% ብጽሒት ክወስድ ጠለብ ከም ዝተቐረበሉ ይገልጹ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኩባንያታቱ እገዳ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።
ወተሃደራት ቫግነር ዝኽሰሱሎም ገበናት
ኣኽበርቲ ሕጊ ዩክረይን ከም ዝበልዎ ሰለስተ ዕሱባት ቫግነር ኣብ ሚያዝያ 2022 ኣብ ከባቢ ኪቭ ምስ ስሩዓት ወተሃደራት ሩስያ ብምዃን ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን ከም ዘሳቐዩን ይኸሱ።
ስለያ ጀርመን፡ ወተሃደራት ቫግነር ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ ቡቻ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጪፎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ የመልክት።
ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ፈረንሳን ብወገኖም፡ ሰራዊት ቫግነር ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንሰላማውያን ሰባት ይዕምጹን ይዘምቱን ነይሮም ክብሉ ከሲሶም።
ኣብ 2020 ሰራዊት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊን ከባቢኣን ነተጕትን ካልኦት ተተኰስቲ ነገራትን ቀቢሮም ክብል ከሲሱ ነይሩ።