ሽወደን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ስራሕ የቋርጻ ኣለዋ?

ቪልማ ላርሰን

ምንጪ ስእሊ, Vilma Larsson

ሽወደን ንጾታዊ ማዕርነት ብምትብባዕ ዓለማዊ ዝና ኣለዋ፤ እሞ ደኣ ንምንታይ እየን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ምቁራጽ ዘተባብዕ ትሕዝቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘብዝሓ ዘለዋ?

ጓል 25 ዓመት ቪልማ ላርሰን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መኽዘን፣ መዕበዪ ህጻናትን ፋብሪካን ትሰርሕ ነይራ። ግን ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ስራሕ ኣቋሪጻ ኣብ ገዛ ኮፍ እትብል ኣፍቃሪት ክትከውን ከምዝመረጸትን ካብዚ ንላዕሊ ሕጉስቲ ኮይና ከም ዘይትፈልጥን ትዛረብ።

“ህይወተይ ፉዅስ ዝበለ ኰይኑ’ሎ። ኣይጨናነቕን ዘለኹ። ብዙሕ ውጥረት የብለይን” ትብል።

ኣፍቃሪኣ ምስ ፋይናንስ ብዝተሓሓዝ ዝሰርሖ ስራሕ ካብ ገዝኡ ኮይኑ እዩ ዘካይዶ። ንሱ ላፕቶፑ ሒዙ ስርሑ ክሰርሕ ከሎ፡ ንሳ ናብ ጂምናዝየም ትኸይድ፤ ቡን ክትሰቲ ትወጽእ ወይ ኣብ ገዛ ምግቢ ትሰርሕ።

እዞም መጻምድቲ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ዝዓበዩ ኮይኖም፡ ሕጂ ድማ ዕረፍቶም ኣብ ቆጵሮስ (Cyprus) የሕልፍዎ ኣለዉ።

“ወርሓዊ ካብቲ ዝሰርሖ ገንዘቡ ደሞዝ ይህበኒ። ተወሳኺ እንተድኣ ኣድልዩኒ ይሓቶ። ብዙሕ ወጻእታት እንተዘይገይረ ከኣ ነቲ ዝተረፈኒ ይእክቦ” ትብል ላርሰን።

ኩነታት መነባብሮኣ ኣብ ኢንስታግራም፣ ዩቱብን ቲክቶክን ተካፍል። በዚ ድማ 11 ሽሕ ሰዓብቲ ኣፍርያ ኣላ። ገለ ካብ ዝጠቀዐቶም ትሕዝቶታት ዳርጋ 400 ሽሕ ላይክ ረኺቡ’ሎ። ዋላ’ኳ ካብ ትሕዝቶኣ ኣታዊ ከምዘይትረክብ እንተገለጸት።

ኣብ እትካይዶ ጎስጓስ ማህበራዊ መራኸብታት ንነብሳ “ዘይትጨናነቕ ጓል” [‘ሶፍት ገርል’] ኢላ ትገልጽ። እዚ መንነት እዚ ኣብ ክንዲ ብስራሕ/ሞያ ምጭንናቕ፡ ፉዅስ ንዝበለ ዝያዳ ኣንስታዊ ኣገባብ ኣነባብራ ዘተባብዕ እዩ።

ኣነባብራ ‘ዘይትጨናነቕ ጓል’ ካብ መወዳእታ 2010ታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውቱር ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብታ ድርብ እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ንምብዛሕ ዝተዳለወ ንሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲታት ዘለዋ ሽወደን ግን እቲ ሓዲሽ ልምዲ ምግራምን ናይ ሓሳብ ምፍልላይን ኣበጊሱ’ሎ።

ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ዓመታዊ መጽናዕቲ መንእሰያት፡ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ዜጋታት እታ ሃገር በቲ ‘ዘይትጨናነቕ ጓል’ ዝብል ኣተሓሳስባ ይሰሓቡ ምህላዎም ሃገራዊ ትኹረት ሂቡዎ።

ኣብ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድሚአን መናእሰያት፡ ኣብ 2024 ብዛዕባ ዝህሉ ኣንፈታት ክግምታ ምስ ተሓተታ ቀዳማይ ምርጫአን ንሱ ኮይኑ።

ቪልማ ላርሰን

ምንጪ ስእሊ, Vilma Larsson

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ዝተዘርግሐ መጽናዕቲ’ውን ኣብ ንኣሽቱ ኣዋልድ ተማሃሮ ከይተረፈ ባህጊ ይኸውን ከምዘሎን የመልክት። ካብ ሸውዓተ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚአን 14 ምእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ‘ዘይጨናነቓ ኣዋልድ’ [‘ሶፍት ገርልስ’] ምዃነን ኣመልኪተን።

ቁጽሪ ናይተን ጠቕሊለን ስራሕ ገዲፈን ከም በዓል ላርሰን ብመጻምድተን ዝናበራ መንእሰያት "ዘይጨናነቓ ኣዋልድ" ዝምልከት ወግዓዊ መረዳእታ የለን። ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየደ ትካል እትሰርሕ ተመራማሪት ጆኣና ጎራንሰን ግን ብዝሒ ክህልወን ከምዝኽእል ትዛረብ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ሽወደን፡ ካብ ጋዜጣታት ክሳብ ፖለቲካዊ መድረኻት ከምኡ’ውን ኣብ ተለቪዥን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ሓባራዊት መስራቲትን መራሒት ሽወደን ፈሚኒስት ሰልፊ ‘Feminististt initiativ’ ነበርን ጉድሩን ሽማን - ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ክትዓት ከምዝተሳተፈት ትዛረብ። ደቂ ኣንስትዮ ብሃብቲ መጻምድተን ክናበራ ምኽኣለን "ኣዝዩ ሓደገኛ" ምዃኑን፡ ንጾታዊ ማዕርነት ድማ "ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ከምዝጎትትን" ትኣምን።

ብካልእ ጫፍ ፖለቲካዊ ድማ ሰልፊ ሽወደን ዲሞክራትስ ኣብቲ ‘ዘይጨናነቓ ኣዋልድ’ ዝብል ኣምር ዘለዎ ኣራኣእያ ኣወንታዊ ኮይኑ ኣሎ።

ንመእሰያት እትውክል ኣባል ናይቲ ሰልፊ ደኒስ ዌስተርበርግ፡ “ሰባት ኣብ ልዕሊ ህይወቶም ክውስኑ ኣለዎም ዝብል ግምት ኣለኒ። ከምኡ ክትገብር [ብእቶት መጻምድቲ ክትናበር] ቁጠባዊ ተኽእሎ እንተሃልዩካ ሽግር የብሉን” ትብል።

እቲ ብትካል መጽናዕቲ ‘ኣንግዶምስባሮማተርን’ ዝተገበረ ዳህሳስ፡ ደረጃ ጸቕጢ መናእሰይ ኣብ ስራሕ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብር። ሚስ ጎራንሰን ድማ ዝንባለ ዘይጨናነቓ ኣዋልድ [‘ሶፍት ገርልስ’] መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረአ ዘሎ ዓለማዊ ዝንባለታት “ምቁራጽ” ስራሕ ክኸውን ከምዝኽእል ትኣምን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጕጅለ ዕድመ ‘ጀነሬሽን ዜድ’ (ኣብ መንጎ 1997ን 2012ን ዝተወልዱ)፡ ኣብ ክንዲ ብስራሕ እትጽመድ እናተፈሳህካ እተሕልፎ ግዜ ክትመርጽ ብዝጉስጉሱ መልእኽትታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጽለዉ ኣለዉ።

“ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ ኣነባብራ እንተርኢኻዮ ስራሕ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ኣገዳሲ ኰይኑ ኣይርአን እዩ። እቲ ኣዝዩ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዛዕባ ምንቅስቓስ ኣካላትን ጥዕናን እዩ”” ትብል ሚስ ጎራንሰን።

መንእሰያት ምናልባት ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ከሕልፉ ምርጫኦም ከምዘይከውን እውን ትገልጽ።

ሽወደን ልክዕ ከም ስሎቨንያ ኣብ ኤውሮጳ ዝለዓለ ብዝሒ ዝሰርሓ ኣዴታት ኣለውኣ። ስታቲስቲክስ መንግስቲ ከም ዝሕብሮ’ውን ኣብ መንጎ መጻምድቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝዓበየ ብጽሒት ስራሕ ገዛን ክንክን ህጻናትን ኣለወን።

ኣብ መጻኢ ቆልዑ ክትወልድ እትደሊ ላርሰን፡ ኣብ ገዛኣ እትውዕል ኣፍቃሪት (መጻምድቲ) ክትከውን ዝወሰነቶ ውሳነ መንቀሊኡ፡ ብኸፊል ዓበይዲ ደቂ ኣንስትዮ ሞያን ናብራ ገዛን ንምክእኣል ክቃለሳ ብምዕዛባ ምዃኑ ትዛረብ።

ኣብ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ትካላት ጡሮታ ሽወደን ክኢላ ስነ-ቑጠባ ዝኾነት ሾካ ኦርማን፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ጽልዋ ከሕድር ብዝኽእል ደረጃ እኹላት ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ መጻምድቲ ወይ ኣንስቲ ስራሕ ክገድፋ እየን ዝብል እምነት ከምዘይብላ ትዛረብ።

ይኹን እምበር፡ ካብ ስራሕ ምውጻእ ኣብ ውልቃዊ ፋይናንሰን ከምኡ’ውን ካብ ጡሮታን ክሳብ ደረጃ ደሞዝ ክጸልወን ከም ዝኽእል ንቕሓት ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ንምዕባይ ትሰርሕ ኣላ።