ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ብቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ካብ ኣስመራ ከም ዝነቐለ ብማዕከናት ዜና ኤርትራ ተቓሊሑ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣፍሪቃን ዘሎ ምሕዝነትን ሽርክነትን ንምሕያል ዕላማ ገይሩ ኣብ 2000 ዝተጀመረ መድረኽ፡ ኣብ መንጐ እታ ሃገርን ኣህጉርን ሓባራዊ ልምዓታዊ ምትሕብባር ኣብ ምዕባይ ዘተኰረ እዩ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝተሰነየ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ዋዕላ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ርክባት ከካይድ ትጽቢት ይግበር።

ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ ዕደና፡ ህንጻ፡ ትሕተ-ቅርጺን ካልእ ጽላታትን ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ዝጸንሐን ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናብ ቻይና ዑደት ብምግባር ምስ ፕረዚደንት ሺ ንፈለማ ግዜ ርክብ ኣካይዱ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ሽዑ ርክቦም ፕረዚደንት ቻይና፡ “ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ብመንገዲ፡ ከም ቻይናዊ ተበግሶ ’በልት ኤንድ ሮድ’ [Belt and Road]፡ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ፎረም፡ ከምኡ'ውን ጠመተ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቻይና ምስ ኤርትራ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ፡” ክብል ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ጕጅለታት ሕክምናን ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ከምእትቕጽል ብምግላጽ፡ ፕረዚደንት ሺ፡ ቻይና ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ፡ ቴለኮሙኒኬሽን፡ ሕርሻ፡ ዕደናን ሃብቲ ዓሳን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ድልውቲ ከምዘላ’ውን ገሊጹ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንቻይና ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ርትዒን ፍትሕን ብምምጻእ ኣብ ምዕባለን ገስጋስን ሰብ ዓቢ ኣበርክቶ ክምትገብርን ትጽቢቱ ገሊጹ ነይሩ።

“ቻይና ዓባይ ሃገር እያ፡” ብምባል ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ዓለም ገጢምዋ ንዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ዘኽእል ቻይናዊ መፍትሒ እማመታት” ከተቕርብ ምጽንሓ ንኢዱ።

ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት፡ “ሃገራት ኣፍሪቃ ገና፡ ንዕብለላ፡ ንዘይርትዓውን ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ቅሉዓት ኣለዋ፡” ኢሉ።

ታሽዓይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን፡ ካብ 4 ክሳብ 8 መስከረም ዝካየድ ኰይኑ፡ እዚ መድረኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣፍሪቃን እናተቐያየረ ከምዝእከብ ይፍለጥ።