እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወርቂ ክኣርዩ - ዝእረዩ ዘለዉ መንእሰያት
ኣብዛ ቍሸት፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ክልተ ብጻዕዳ ጨርቂ ዝተጠቕለሉ ሬሳታት ክበኽዩ ከለዉ ናይ ዘይምእማን ስምዒት ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ወዲ 16 ዓመት መሓመድ ባንጉራን ወዲ 17 ዓመት ያያ ጀነህን፡ ንስድራቤቶም ቍሩብ ተወሳኺ ገንዘብ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር፡ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሰራልዮን - ንዪምባዱ ወጺኦም ነይሮም።
ወርቂ ክኣርዩ ከይዶም እኳ እንተ ነበሩ ኣይተመልሱን። እቲ ዝዅዕትሉ ዝነበሩ ጕድጓድ ኣብ ልዕሊኦም ፈረሰ።
እዚ ፍጻመ ኣብዚ ክልል፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሳልሳይ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ኰይኑ፡ ብድምር ብውሕዱ ሓሙሽተ ቈልዑ ሞይቶም።
መሓመድን ያያህን፡ ነቲ ክቡር ማዕድን፡ ኣብ ሓደገኛ ጕድጓድ ንምፍሓር፡ ትምህርቶም ገዲፎም ከም ዝኸዱ ርእሰ መምህራንን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበረሰብን ይገልጹ።
እቲ ምብራቓዊ ግዝኣት፡ ብታሪኽ ብዕደና ኣልማዝ እዩ ዝፍለጥ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን እቲ ዕቑር ኣልማዝ እናኣንቈልቈለ ምስ ከደ፡ ዘይስሩዕ ዕደና ወርቂ ተስፋሕፊሑ ይርከብ።
ኣብዚ ሃብታም መሬት - ኣብ ሕርሻ፡ ኣብ መካነ መቓብር ነበርን ኣብ ጐድኒ ሩባታትን - ደቂ ዓዲ ኣብ ዝረኽብሉ ቦታታት ባህላዊ ዕደና የካይዱ።
ኣብዚ ውሑዳት ሕጋውያን ኩባንያታት ዕደና ኣለዋ፣ ኣብ ገለ ግን እቲ ከባቢ በዞም ክሳብ 4 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎም ጐዳጕዲ ዝተፈሓሓረ እዩ።
እዚ ባህላዊ ዕደና'ዚ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣዘራረቢ እናዀነ ዝመጽአ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓዊስካ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ልሙድ'ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሞት ዘስዕብ ሓደገኛ ምፍራስ ከም ዘጋጥም ጸብጻባት የመልክቱ።
መብዛሕትአን ስድራቤታት ኒምባዱ ንመነባብሮአን ኣብ ንኣሽቱ ሕርሻታትን ንግድን እየን ዝምርኰሳ።
ኣማራጺ ስራሕ ዳርጋ ስለ ዘየሎ፡ ገለ ተወሳኺ ገንዘብ ናይ ምርካብ ዕድል ኣዝዩ ትሑት እዩ።
እቶም ንቐብሪ ዝመፅኡ ግን፡ እቲ ስራሕ ዋጋ ከም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም።
ኣደ ያያ ናሚና ጀነህ መበለት እያ፣ ምስቲ ንእሽቶ ወዳ ኰይና ንኻልኦት ሓሙሽተ ደቃ ከተዕቢ ጸኒሓ።
ከም ሓንቲ ባዕላ ኣብቲ ጕድጓድ እትሰርሕ ዝነበረት ሰብ መጠን፡ ንያያ ምስ ዕደና ከም ዘላለየቶ ትኣምን።
"ናብቲ ቦታ ከም ዝኸይድ ግን ኣይነገረንን፤ እንተ ዝፈልጥ ደው መበልኩዎ ነይረ፡" ትብል።
ብዛዕባ እቲ ምፍራስ ምስ ሰምዐት፡ ንመራሒ መኪና ኳዕቲ ደዊላ ከም ዝለመነት ትዛረብ።
ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ነቲ ነቶም ቈልዑ ዝደበየ ፍርስራስ ኣጽሪዩዎ።ንምድሓኖም ግን ደንጕዩ ነበረ።
ወይዘሪት ጀነህ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኰይና እያ ትዛረብ።
ኣብታ ዝተሰንጠቐ ስክሪን ዘለዋ ሞባይል፡ ሓደ ድሙቕ ኣዕይንቲ ዘለዎ ወዲ፡ ዝድግፋ ዝነበረ ስእሊ ወዳ ትርኢ ነይራ።
ሰማዒ ዝሰኣነ መጠንቀቕታ
ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ንቘልዑ ዝሕለቕ ሳህር ኣንሱማና፡ "ንገለ ወለዲ እንተ ሓቲትካዮም ካልእ ኣማራጺ ከም ዘየሎ እዮም ዝነግሩኻ። ድኻታት እዮም፡ መበለታት እየን፤ ገሊኦም ዝተፋትሑ እዮም፡" ይብል።
"ደቆም ከዕብዩ ኣለዎም። ንሳቶም ባዕሎም ነቶም ቈልዑ ናብቲ ዕደና ክኸዱ የተባብዕዎም። ንሕና ንቃለስ ኣለና፣ ሓገዝ ድማ የድልየና። ዘተሓሳስብን ካብ ቍጽጽርና ወጻእን እዩ ዝኸውን ዘሎ።"
እቲ መጠንቀቕታ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን፤ ሞት ያያን መሓመድን ነቲ ጕድጓድ ባዶ ኣይገበሮን።
ድሕሪ ቀብሮም፡ ቈልዑ ዝርከቡዎም ዓደንቲ ናብ ስራሕ ተመሊሶም። ኣእዳዎም ኣብ ጥቓ ሩባ ሑጻ እናሸፈኑ ወይ ድማ ነቲ ብኢዶም ዝተዃዕተ መሬት ንጣብ ወርቂ ንምድላይ ይፍትሹ።
ኣብ ሓደ ዝዕደነሉ ቦታ፡ ወዲ 17 ዓመት ኮምባ ሰሳይ ረኺብና።
ኮምባ፡ ጠበቓ ክኸውን እዩ ዝደሊ፣ ንኣዲኡ ንምድጋፍ ግን ንሰዓታት ኣብኡ የሕልፍ።
"ገንዘብ የሎን። ንዓኡ ኢና ክንረኽቦ ንፍትን ዘለና። ክምዝገብን ናይ [ካልኣይ ደረጃ] ፈተና ክሓልፍን እየ ዝሰርሕ ዘለኹ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ እየ ዝደሊ። ኣብዚ ሕጉስ ኣይኰንኩን።"
ኣታዊታት ኮምባ ትሑት እዩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ሰሙናት ኣስታት $3.50 ይረክብ፣ ትሕቲ ፍርቂ ዝተሓተ ደሞዝ እታ ሃገር እዩ።
ንሱ ግን ሃብታም ክኸውን ተስፋ ይገብር።
ኣብ ገለ፡ ኣዝዩ ሳሕቲ፡ ጽቡቕ መዓልታት እኹል ማዕድን ይረክብ፡ ክሳብ 35 ዶላር።
ብርግጽ እቲ ስራሕ ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኮምባ ብሰንኪ ምፍራስ ጕድጓድ ዝተጐድኡ ኣዕሩኽ ኣለዉዎ። እንተዀነ፡ ዕደና እቲ እንኮ ገለ ገንዘብ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ።
ካብ ቤት ትምህርቲ ዝወጽኡ ድማ ተማሃሮ ጥራይ ኣይኰኑን።
ኣብ ኒምባዱ ዝርከብ ጁንየርን ካልኣይ ደረጃን ቤት ትምህርቲ ግቦግቦኣፈ ኣላዱራ ርእሰ መምህር ሩዝቨልት ቡንዶ፡ "መምህራን'ውን ክፍሊ ገዲፎም ናብቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታታት ይኸዱ፣ ምስቶም ተምሃሮ ብሓባር ይዕድኑ፡" ይብል።
መንግስታዊ ደሞዞም ምስቲ ካብ ዕደና ወርቂ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ክወዳደር ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ዙርያ እቶም ማእከላት ዕደና እውን ዝሰፍሐ ምልክታት ለውጢ ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ንኣሽቱ መዓስከራት ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ናብ ከተማታት ዓብዮም ኣለዉ።
መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ይርእዮ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ምኒስተር ዜና ቸርኖር ባህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ንትምህርቲ ተወፋይነት ከም ዘለዎ እኳ እንተ ገለጸ፡ ሰባት ንዘጋጥሞም ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘስተውዕል ይዛረብ።
"ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገርና ኣስታት 8.9% ኣብ ትምህርቲ ነውዕሎ፡" ይብል።
እቲ ገንዘብ ናብ መምህራን፡ መደባት ምምጋብ ቤት ትምህርትን ቈልዑ ኣብ ክፍሊ ንኽጸንሑ ዝዓለመ ድጎማን ከም ዝኸይድ ይዛረብ።
ኣብ መሬት ግን ክውንነት የሎን።
ትካላት ግብረ ሰናይን ደለይቲ ፍትሒ እቲ ከባቢን ንቘልዑ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጺኦም ናብ ቤት ትምህርቲ ንምምላስ ይጽዕሩ፣ እንተዀነ እሙን ኣማራጺታት ኣታዊ እንተ ዘይሃልዩ፡ እቶም ጐዳጕዲ ኣዝዮም ሰሓብቲ እዮም።
ስድራቤት እቶም ክልተ ዝሞቱ ኣወዳት ደኺሞምን ባዶ ዝተረፉን ይመስሉ።
እቲ ክሳራ ናይ ክልተ መንእሰያት ህይወት ጥራይ ኣይኰነን። ንሓደ ወለዶ ዝኸውን ቀጻሊ ምሕራር ተኽእሎ እዩ።
"ሓገዝ የድልየና ኣሎ፡" ይብል እቲ ነጣፊ ሚስተር ኣንሱማና። "ጸሎት ኣይኰነን፣ መብጽዓ ኣይኰነን። ሓገዝ።"