ሚልዮናት ዶላራት ዝግመቱ ፕሮጀክታት ህንጻ ሶማልያ ተቘጻጺረን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Anthony Irungu / BBC
ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ፡ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ጽላት ህንጸት እዩ ዘሎ።
እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ጐንጺ ባይታ ዘቢጡ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንኸም ፋቲ መሓመድ ዓብዲን ሳድያ ኣሕመድ ዑመርን ዝበላ ደቀንስትዮ ትጽቢት ዘይተገብሩ ዕድላት ፈጢሩ ይርከብ።
እተን ክልተ መንእሰያት መሃንድሳት፡ ኣብ ዞባ ሆዳን ከተማ ታሌህ፡ህንጸት ዓሰርተ ደርቢ ዘለዎ ኣፓርታማታት ክከታተላ ጸኒሐን።
እዘን መሃንድሳት ኣብቶም ናይ ህንጸት ቦታታት ንዝርከቡ ጕጅለ ሰራሕተኛታት መምርሒ ክህባን ንጥፈታቶም ክከታተላን ትዕዘበን - ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
"ኣነ ክጅምር ከለኹ ሰባት ይጠራጠሩኒ ነይሮም" ትብል ጓል 24 ዓመት ፋቲ መሓመድ ዓብዲ።
ንሳ፡ ኣብ ኵባንያ ህንጻ ኣርካን ኢንጂነሪን ሰርቪስስ ሓላፊት ሰራሕተኛታት እያ።
"ሰባት 'ብሰበይቲ ዝተሃንጸ ገዛ ከመይ ጌርና ክንኣምኖ ንኽእል? ምስ ሓንቲ መንእሰይ ጓለንስተይቲ መሃንድስ ከመይ ገይረ ገንዘበይን ንብረተይን ክኣምኖ ይኽእል?' ይብሉ'ዮም፡" ትብል።
ንሳን መሳርሕታን ሳድያ ኣሕመድ ዑመርን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ክሰርሓ ጸኒሐን ኣለዋ።
"ንሞቓድሾ ነድልያ ኢና" እትብል ጓል 24 ዓመት ሳድያ ዑመር፡"ንእሽቶ ከለኹ እዛ ከተማ ትንዓብ'ያ ነይራ፤ሕጂ፡ ኣካል ናይቲ ዳግመ ህንጸታ ኢና" ትብል።
ግዝኣት ጥልያን ዝነበረት ሶማልያ፡ መንግስቲ ሲያድ ባረ ኣብ ጥሪ 1991 [ኣ.ኤ] ድሕሪ ምውዳቑ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዳ ጸኒሓ።
ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ በሰላታት ናይቲ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ኲናት ገና ይርአ ኣሎ።
ኣብ ማእከላይ ኣውራጃ ሻንጋኒ ብቦምባታት ዝዓነዩ ህንጻታት ኣለዉ።
እቲ ዑናታት ግን ብነዋሕቲ ህንጻታት ኣብያተ ጽሕፈትን መንበሪ ኣባይቲን ይሽፈኑ ኣለው።
ክልቲአን መንእሰያት ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተወልዳ ኰይነን ሃገረን ክትበታተን እናረኣያ እየን ዓብየን።
ብዙሓት ሶማላውያን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ክመርጹ እንከለው፡ ንሳተን ንዳግመ ህንጸት ብዝነበረን ኒሕ ኣብ ሃገረን ክጸንሓ መሪጸን።
ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ግን ሕጂ'ውን ደው ኣይበሉን።
"ደቀንስትዮ ኣብዚ ዓውዲ ዝያዳ ዕድላት ዝረኽባሉ ምኽንያት ሓደ ብዙሕ ስራሕ ስለ ዘሎ፡ ከምኡ'ውን እኹል ሰብ ሞያ ስለ ዘይህሉ'ዩ ዝመስለኒ። እዚ ድማ ቦታ ይፈጥረልና ኣሎ፡" ትብል ሳድያ ዑመር።

ምንጪ ስእሊ, Mohamud Abdisamad / BBC
ወዲ 34 ዓመት ኣቦ መንበር ማሕበር መሃንዲሳት ሶማልያ ኢብራሂም ዓብዲ ሄይለ፡ሕብረተሰብ ሶማልያ ብባህሊ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል'ኳ እንተዀነ፡ ንክኢላታት ልዑል ጠለብ ምህላው ናብ ለውጢ ይመርሕ ከም ዘሎ ይሰማማዕ።
"ብዙሓት ቀጻሊ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት፡ ጸዓትን ቴክኖሎጅን ብምህላዎም፡ ጻዕቂ ስራሕ ብዓቢኡ ወሲኹ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ማሕበር ዝያዳ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝያዳ የተባብዕ፡ ተቐባልነት ከም ዝረኽባ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓይሊ ስራሕ ወሳኒ ክፍተታት ኣብ ምምላእ እውን ኣገደስቲ ምዃነን የጕልሕ፡" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ "እቲ ማሕበር፡ ደቀንስትዮ ኣብ ምህንድስና ምሕያል ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ንምምላእ ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ኢንዱስትሪ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ፈጠራዊ መፍትሒታትን ከም ዘምጽእ ይኣምን፡" ይብል።
ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሞቓድሾ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ህንጻታት ከም ዝተሃንጹን፡ እዚ ድማ ኣብ መልክዕ መሬት እታ ከተማ ርኡይ ለውጢ ከም ዘምጽአን ይሕብር።
ወሃቢ ቃል እቲ ከንቲባ ሳላሕ ሓሰን ዑመር፡ "ድሕነት ሞቓድሾ ተመሓይሹ'ዩ፡ እዚ ድማ ህንጸት ኣባይቲ ክውስኽ ገይሩ፡" ኢሉ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ፋቲ መሓመድ ዓብዲን ሳድያ ኣሕመድ ዑመርን ዝሓለፍኦ መገዲ ቀሊል ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ሓሙሽተ ሚእታዊት መሃንድሳት ጥራይ ደቀንስትዮ ስለ ዝዀና - መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ መሪሕነት ዝረኽብኦ ዕድላት ውሑድ'ዩ።
"ሞያዊ ልምዲ ንምርካብ (ንኢንተርንሺፕ) ክሓትት ከለኹ፡ መብዛሕትኦም ኩባንያታት ኣይተቐበሉንን። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ኣካላዊ ጠለባት ምህንድስና ክትጻወሮ እትኽእል ኣይመስሎምን ነይሩ። ንሰለስተ ኣዋርሕ ደልየ፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ሰብ ዕድል ሂቡኒ፡" ትብል ሳዲያ።
ሎሚ ክልቲአን ኣብ ሞቓድሾ ፍሉጣት መሃንድሳት ኰይነን፡ ልዕሊ 30 ብሚልዮናት ዶላራት ዝዋጋኡ ፕሮጀክትታት ተቘጻጺረን ይርከባ።
"እታ ከተማ ሕጂ ነዋሕቲ ህንጻታትን ዘመናዊ ትሕተ ቅርጽን ኣለዋ፤ እዚ ምስቲ ናይ ቀደም ሞቃድሾ ኣዝዩ ዝተፈላለየ'ዩ" ትብል ሳዲያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP / Getting Images
እንተዀነ፡ ኵሉ ሰብ በቲ ኣብታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ሕጕስ ኣይኰነን።
ገዲም ክኢላ ስነ ህንጻ ሲዶው ካብዱል ቡላይ፡ ታሪኻዊ ባህሪ እታ ከተማ ይሃስስ ኣሎ ይብል።
"ቅድሚ ኲናት ኣብ ሓደ እዋን ንሶማልያ መልክዓ ዝነበሩ ህንጻታት ጽቡቓት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ በቲ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሳሕቲ ዝረአ ዝነበረ ናይ ጣልያን ቅዲ ስነ-ህንጻኦም'ውን ኣቓልቦ ዝስሕቡ'ዮም ነይሮም፡" ኢሉ።
ንሱ፡ ስክፍታታት ድሕነት'ውን ኣለዎ።
"ኣብ ህንጻታት ሞቓድሾ ዝጥቀሙሉ ሑጻ ጨዋም ስለ ዝዀነ፡ ንኣድማዕነቱ ይጸልዎ'ዩ።"
ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝመጽእ ሑጻ መብዛሕትኡ ግዜ ስሚንቶ ንምስራሕ ይውዕል።
እዚ ግን ብዙሕ ኣይምከርን፤ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ብዓለምለኻዊ ደረጃታት ህንጻ ዝተኸልከለ'ዩ። ናይዚ ምኽንያት፡ እቲ ልዑል ትሕዝቶ ጨው ንሓጺን ክበልዖ ስለ ዝኽእል'ዩ።
"እዞም ነዋሕቲ ህንጻታት ባርዕ ወይ ብርቱዕ ዝናብ ክጻወሩ ተገይሮም ዝስርሑ ዘለው ኣይኰኑን፤ ኣብ እዋን ልምዓት ድማ ድሕነት ተኻረይቲ ኣብ ግምት ኣይኣቱን። መብዛሕትኦም እዞም ህንጻታት መጥፍኢ ሓዊን ግቡእ ምትካል ኤሌክትሪክን የብሎምን፡" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ፡ ህንጻታት ዝህነጹሉ ዘለው ናህሪ ከም ዘስግኦን ብቕዓት ህንጸት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ከም ዝዀነ ይኣምን።
ንዓመታት፡ መምርሒታት ህንጸት ስለ ዘይነበረ ድማ እዞም ስክፍታታት ክለዓሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ከንቲባ ሳላሕ ሓሰን ዑመር፡ ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እቲ ኣሰራርሓ ከምኡ ከም ዝነበተ ብምግላጽ ብዛዕባ እቶም ህንጻታት ድማ ዝዀነ ነገር ክግበር ከም ዘይክእል ይዛረብ።
ሕጂ ግን "ምቍጽጻር ጽሬት ከም ዘሎን ብዘይ ብእኡ ህንጻ ዝሃንጽ ሰብ ከም ዘየለን" ሓቢሩ።
"[ብተወሳኺ] ሓደስቲ ሕጊታት ነዳሉ ኣለና፡ እዚ ድማ ኣበይ ልዑል ህንጻታት ክህነጽ ከም ዝኽእልን መንበሪ ገዛውቲ ጥራይ ክህነጽ ከም ዘለዎን ብንጹር ዝገልጽ እዩ።"
እዚ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ፍጥነት ዕብየት እቲ ዓውዲ ምጽራይ የለን ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Mohamud Abdisamad / BBC
ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ፕላዝማ ዝዀና መሃንድሳት ፋቲ መሓመድ ዓብዲን ሳድያ ኣሕመድ ዑመርን፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዝስርሑ ዘለው ፕሮጀክታት ኵሎም ብሰበስልጣን እቲ ከባቢ ፍቓድ ዝተዋህቦም ምዃኖም ይዛረባ።
ቅልጡፍ ዕብየት ፕሮጀክትታት ህንጸት ምስ ወፍሪ ዲያስፖራ ከምኡ'ውን ምምሕያሽ ጸጥታ ስዒቡ ዝመጽአ ከም ዝዀነ ይግለጽ - ዋላ'ኳ ሰፊሕ ክፋል ደቡባዊ ሶማልያ ዝቈጻጸሩ እስላማውያን ዕጡቓት ገና ነታ ከተማ ዒላማ እንተገበሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ኣብ 2022 ሓዋላ ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር (GDP) 16.7 ሚእታዊት ዝሕዝ ነይሩ - እዚ ድማ ንኣርኪተክተራትን መሃንድሳትን ዕድል ዝሃበ'ዩ።
እቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ከተማታት ግን ንሞቃድሾ ንብድሆታት ትሕተ ቅርጺ'ውን ኣቃሊዕዋ'ዩ - ግቡእ ስርዓተ መእለዪ ርስሓት ስለ ዘይብላን ምቍጽጻር ዘይብሉ ምኹዓት ጐዳጕዲ ምህላውን ዕቝር ማይ ትሕተ-ምድሪ ንሓደጋ ክቃላዕ ገይሩ ኣሎ።
ኣማኻሪ ድሕነት ክሊማን ከባብን ሕቡራት ሃገራት ክሪስቶፍ ሆደር፡ ቍጽጽር ዘይብሉ ዕብየት ህንጻ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤናት ከባቢ ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
"ኣብ ምሕደራ ማይ ዝተዋደደ ኣገባብ የድልየና'ዩ፡ እንተዘይኰይኑ ኣብ መጻኢ ቅልውላው ከጋጥም ይኽእል። ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ህንጻ ናይ ገዛእ ርእሱ ጕድጓድ ማይ ይዅዕት ኣሎ፣ ኣብ ንእሽቶ ቦታ፡ 10 ወይ 20 ጐዳጕዲ ክህሉ ይኽእል'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ሓድሽ ስርዓተ መወገዲ ረሳሕ ፈሳሲ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣተገባብራኡ ግን ነቶም ዝነበሩ ህንጻታት ምፍራስ ከድሊ ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ ነበርትን ትካላት ንግድን ከመዛብል ዝኽእል ኣካታዒ ስጕምቲ'ዩ።
ክሪስቶፍ ሆደር ወሲኹ፡ ኣብ ሞቓድሾ ልዑል ጻዕቒ ህዝቢ ከም ዘሎ ይዛረብ።
ኣብታ ሃገር ዝኽሰቱ ጸገማት ደርቅን ግጭትን ሰባት ብብዝሒ ናብታ ከተማ ክኸዱ ክድርኹ ጸኒሖም ኣለው።
ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ከተማታት፡ ብፍላይ ኣብ ድኻ ከባቢታት፡ ድኽነትን ማሕበራዊ ፍልልያትን ዝያዳ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ኣብ ክሊ እዞም ብድሆታት መጻኢ ዕድል ሞቓድሾ ተስፋ ዘለዎ ይመስል።
ደንቢ ልምዓት ከተማታት ንምትግባር፣ መሰረተ ልምዓት ንምምሕያሽን ዘላቒ ዕብየት ንምርግጋጽን ጻዕሪ ትገብር ኣላ።
ዋላ'ውን እቲ ብእስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት - ዕጡቓት ኣልሸባብ መብዛሕትኡ ግዜ ብፖለቲከኛታት ዝትሓዙ ፍሉጣት ሆቴላት ዒላማ ክገብሩ እዮም ዝፍትኑ - ንኒሕ ማሕበር መሃንድሳት ሶማልያ ኣይዓገቶን።

ምንጪ ስእሊ, Mohamud Abdisamad / BBC
"ብዙሕ ፍንጀራታት ኣጋጢሙ፤ ሕልምታትና በዚ ደው ኣይበለን። ሎሚ ነቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝፈረሰ ሞያ ምህንድስና ዳግማይ ነተንስኦ ኣለና። እዚ ማለት ተስፋ ኣሎ ማለት እዩ፡" ይብል ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት እታ ከተማ።
እቲ ህርፋን ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ሞቓድሾ ዘመናዊት ከተማ ጥራይ ዘይኰነትስ መርኣያ ድሕሪ ግጭት ዝህሉ ዳግመ ህንጸት ክትከውን እዩ።
"ሞቓድሾ ምስ 1990ታት ክነጻጸር ከሎ ዝተፈለየት ከተማ እያ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ እታ ከተማ ናብ ሓድሽ ቅዲ ተቐይራ ኣላ፡ ምዕባለ ሞቓድሾ ድማ ምስ ሓዳስ ዓለም ዝሰማማዕ'ዩ፡" ትብል ሳዲያ ዑመር።
"ኣብ ጐደናታት እናተዛወርኩ ኣብ ምህናጽ ዝሓገዝክዎም ህንጻታት ክርኢ ከለኹ፡ ሓበን ይስምዓኒ። ህንጻታት ጥራይ ኣይኰናን ንሃንጽ ዘለና፤ ተስፋ'ዉን ንሃንጽ ዘለና።"
ፋቲ ዓብዲ በዚ ትሰማማዕ።
"ደቀንስትዮ ህንጻታት ዲዛይን ክገብራ ጥራይ ዘይኰነ ፕሮጀክትታት ክመርሓን ነታ ከተማ ክቐርጻን ከም ዝኽእላ ነረጋግጽ ኣለና" ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







