ብዘማሪ ወንጌል ርእሳ ዝተቘርጸት መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Salome Adaidu / Facebook
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝነጥፉ ናይጀርያውያን ኣብ ግዝኣት ናሳራዋ ብኣፍቃሪኣ ርእሳ ከምእተቘርጸት ብዝነግር ዜና መሪር ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።
ፖሊስ፡ እቲ ቲሚለይን ኣጃይ፡ ዝተባህለ ዘማሪ ወንጌል፡ ትማሊ ሰንበት ምስ ዝተቘርጸ ርእሲ ናይታ ጓል 24 ዓመት ሳሎሜ ኣዳይዱ ኣብ ጥቓ ቤተክርስትያን እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ አእትዩዎ ኣሎ።
ንሱ፡ ነቲ ዝተቘረጸ ርእሲ ኣብ ሓደ ቦርሳ ሒዝዎ ከምዝጸንሐን ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው ኣቓልቦ ናይ ካልኦት ሰባት ከምዝሰሓበ ተሓቢሩ።
ጸኒሑ፡ እቲ ካልእ ክፍልታት ኣካላት ናይታ መዋቲት፡ ኣብ ገዛኡ ተበታቲኑ ከምዝተረኸበ ይግለጽ።
ሚስተር ኣጃይ ብዛዕባ እቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ገና ርእይቶ ኣይሃበን።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቲ ጥርጡር ዝተቘርጸ ርእሲ ሰብ ሒዙ እዩ ተረኺቡ፤ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ድማ ካብ ዕስለ መጥቃዕቲ ኣድሒንናዮ" ኢሉ።
እታ ብጭካነ ዝተቐትለት መንእሰይ፡ ኣባል እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ዘገልግሉ መንእሰያት ምንባራ ተፈሊጡ። ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝካየድ መርመራታት ይቕጽል ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ።
ስድራ ቤት ወ/ሮ ኣዳይዱ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ፍጻመ ብዕምቈት ክምርምርን ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛን ጥርጡራትን ክሲ ክምስርቱ ኣተሓሳሲቦም ኣለው።
መሓዛ እታ መዋቲት ኣቢ ሳይሞን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ፡ ኣደ እታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ወ/ሮ ኣዳይዱ በዓል ቤታ ከምዝሰኣነትን ሓቢራ። ኣብዚ እዋን እታ ኣደ መዋቲት ብስንባደ ቀልባ ስሒታ ከምዘላ ከኣ ገሊጻ።
ብተወሳኺ እታ መዋቲት ምስቲ ጥርጡር ርክብ ከምዘይነበራ ገሊጻ።
"ብኸምዚ ክመውት ዝግብኦ ሰብ የለን። ዋላ ኣፍቃሪቱ እንተ ትኸውን እውን በዚ ኣገባብ'ዚ ክትመውት ኣይግብኣን እዩ ነይሩ" ትብል።
ሓፍቲ እታ መዋቲት ፐሸንስ ኣዳይዱ፡ ንማዕከን ተሌቪዥን እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ ጉዳይ ብዘለዎም ኣተሓሕዛ ተስፋ ከምዝቘረጸትን ካብ ናይጀርያውያን ሓገዝ ከምዝጸውዐትን ገሊጻ።
"ፖሊስ ብዛዕባ ሓፍተይ ዝዀነ ሓበሬታ ኣይሃቡናን... ንሕቶታትና ኣይመለሱልናን... ፍትሒ ንሓትት ኣሎና፡ ካብ ናይጀርያውያን ሓገዝ የድልየና ኣሎ" ኢላ።
ናይጀርያውያን፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መልእኽቲ ደገፍ ክሰዱ ጀሚሮም ኣለው።
"ብሰላም ዕረፊ ሳሎሜ ኣዳይዱ፤ ቀታሊኺ ድሕሪ ሞት'ውን ዕረፍቲ ኣይክረክብን'ዩ" ትብል ኣቭኒ ጀምስ።
ኣማራ ጆሴፊን፡ ኣብ ኤክስ "እቲ ዘስካሕክሕ ምስሊ ናይታ መንእሰይ ንልበይ ኣሕዚንዎ። ንስለ ስድራ ቤታ ከኣ እጽሊ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







