ሽማ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዝሰፈረ ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ እንታይ ትብል?

ትእግስት ኣሰፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያዊት ኣትለት ትእግስት ኣሰፋ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብ2፡11፡53 ብምውዳእ ብዘመዝገበቶ ክብረወሰን ሽማ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም (ጊነስ ቡክ ኦፍ ዎርልድ ሬከርድስ) ተመዝጊቡ።

መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ምስ ቢኤም ደብሊው ማራቶን ብምትሕብባር ብ2023 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተዳለው ውድድራት ክብረወሰን ንዘመሓየሹ ስፖርተኛታት ሽልማት ምስክር ወረቐት ሂቡ።

ብ2013 ኣብ ጀርመን በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን 11 ክብረወሰናት ንምምሕያሽ መደብ ነይሩ፤ ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ከም ዝተዓወቱ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም የመልክት።

ኣትሌት ትእግስት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሐትት፡ “በቲ ሽልማትን ኣፍልጦን ሕጕስቲ እየ” ብምባል ናይ ባዕላ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ድልየት ከም ዘለዋ ተዛሪባ።

“ድሕሪ ሕጂ ነዚ ሬከርድ ብዝዛየደ ከመሓይሾ እየ ዝደሊ፤ ዓቕምን ክእለትን ኣለኒ’ዩ። ስለዚ ክእለተይ ኣዕብየ ዝሓሸ ሰዓት ክጐዪ’የ”።

ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነት ትእግስት ኣሰፋ፡ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ብ2፡22፡58 ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ሜዳልያ ብሩር ከም ዝተዓወተት ይዝከር።

ቅድሚ 14 ዓመታት ናብ ጕያ ዓለም ዝኣተወት ትእግስት፡ ብ13 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መበል 48 ውድድር ማራቶን ክብረወሰን ዓለም ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ ብምምሕያሽ ብ2፡11፡53 ክትኣቱ ክኢላ ነይራ።

እዚ ኣብ ውድድር ማራቶን ዘይተለመደ ብምዃኑ ልዑል ናእዳ ረኺባትሉ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ድማ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ጓል 29 ዓመት ትእግስት ብ2019 ዓ.ም ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ብኬንያዊት ኣትለት ብሪጊድ ኮስጌ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን 2፡14፡04 እያ ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ ኣመሓይሻቶ።

ነዚ ክብረወሰን ምስ ኣመዝገበት ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስክር ወረቐት መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ተበርኪቱላ ኣሎ።

“ብሓቂ፡ ልዑል ሓጐስ’ዩ ተሰሚዑኒ። ከም ኣትሌት ማራቶን’ውን ዝፈጠረለይ ሓጐስ ኣመና ልዑል’ዩ” ትብል።

ንነዊሕ ግዜ ኣብ ውድድራት 800ን 400ን ሜትሮ ክትሳተፍ ዝጸንሐት ኰይና፡ ቅድም ኢሉ ወድድራት ፍርቂ ማራቶን ተዓዊታ ነይራ።

ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝለዓለ ዝበሃል ደረጃ ፕላቲንየም ዘለዎ ማራቶን በርሊን፡ ብ1947 ክጅምር እንከሎ፡ ብርክት ዝበሉ ህቡባት ተወዳደርቲ ዝሳተፍሉ ውድድር እዩ።

እዚ ኣብ በርሊን ዝካየድ ውድድር፡ ኣብ ዓለም ዝቐልጠፈ ሰዓት ካብ መንጐ ዝምዝገበሎም ውድድራት ማራቶን እዩ።

ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ኣብዚ ውድድር ክዕወቱ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ፤ ሃይለ ገብረስላሴን ቀነኒሳ በቀለን ድማ ብቐዳምነት ይጽርሑ።

ብደቂ ኣንስትዮ ጌጤ ዋሚ ነቲ ውድድር ክትዕወተሉ ዝኽኣለት ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ኣትለት ኰይና ብ2006ን 2007ን ብተኸታታሊ ተዓዊታ ነይራ።

ኣጸደ ሃብታሙ፡ ኣበሩ ከበደ፡ ትርፌ ጸጋዬ፡ እሸተ በከሬን ጎይተቶም ገብረስላሴን’ውን ነዚ ውድድር ክዕወታሉ ዝኽኣላ ኢትዮጵያውያውያን ኣትለታት እየን።

እዚ ውድድር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብ2020 ከም ዘይተኻየደ ይዝከር።

ኣብ 2023 ድማ፡ ካብ 120 ሃገራት ዝመጽኡ ኣስታት 55 ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም።

ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነዚ ውድድር ተዓዲሞም ነይሮም።