ብሪጣንያ፡ ጀላቡ ስደተኛታት ብኢንተርነት ንዘወዓውዑ ብገበን ክትሓትት እያ

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝሳገሩሎም መገዲታት ብኢንተርነት ዘላልዩ ሰባት፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ሕጊ፡ ማእሰርቲ ኣስታት 15 ዓመታት ክቕጽዑ ይኽእሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ዘውጽኦ ሕጊ፡ ድሕነት ዶባት፡ ዕቍባን ኢሚግሬሽንን ኣካል እቲ ብዝሒ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ እንግሊዝ ዝመጽኡ ስደኛታት ንምቍጽጻር ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ እዩ።

ናብታ ሃገር ዝግበር ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ስደት ምሕጋዝ ድማ ገበን'ዩ። እንተዀነ፡ ሰብ መዚ ፖሊስን ካልኦት ኤጀንሲታትን ጕጅለታት ገበን ንምዕጋት ዝያዳ ስልጣን ክህቦም'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽኡ ሓበሬታታት፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ኢንግሊዝ ምእታዎም የመልክቱ።

እቲ ሕጂ ዝወጽአ ሓድሽ ሕጊ ድማ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም ስኑዕ ፓስፖርታት ወይ ቪዛታት ምውዕዋዕ ወይ ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ዕድላት ስራሕ ምምብጻዕ ዘካትት ኰይኑ፡ ካብ ማእሰርቲ ዝዛየደ ካልእ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣቱ ዝዀነ ሰብ፡ ዜግነት ብሪጣንያ ንኸይረክብ ንምኽልካል መንግስቲ ሕጋጋት የጽንዕ'ዩ ዘሎ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ኸኣ፡ ብኢንተርነት ዝሕተሙ ትሕዝቶታት ምፍጣር ገበን ክገብሮ እዩ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ሕጊ ኢምግሬሽን ብሪጣንያ ንኽጠሓስ ዘመቻችኡ ኣገልግሎታት ዘላልዩ ወይ ዘቕርቡ ውልሰባትን ኵባንያታትን ዒላማ ክዀኑ እዮም።

ምኒስትሪ ፖሊስ ዲያና ጆንሰን፡ እቲ ሕጊ "ካብ ሃገር ወጻእ ንዘለዉ'ውን ዝጥምት'ዩ፡" ኢላ።

እዚ ማለት፡ እቲ መወዓውዒ ኣብ ካልእ ሃገር ተሰሪሑ እቲ ገበነኛ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተጕዓዘ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዘለው ሰብ መዚ "ጕዳዩ ብመሰረት እዚ ሕጊ ዝርእዩዎ፡" ክኸውን እዩ ማለት እዩ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ከምቲ ንብዙሓት ኣዋርሕ ዝገበርናዮ፡ ምስ ሰብ መዚ ካልኦት ሃገራት ብምዃን እዞም ሰባት ተሓተትቲ ንምግባር፡ እቶም ጕጅለታት ገበን ንምዕጋትን እዚ ንግዲ ደው ንምባልን ክንሰርሕ ኢና፡" ትብል።

ብመሰረት ትንታነ ቤት ጽሕፈት ዘቤታዊ ጕዳያት፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብቶም ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ጕዕዞኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተጠቐሙን፡ ምስቶም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝዛመዱ ጕጅለታት ዝተኣሳሰሩ ወከልቲ ርክብ ከም ዝገብሩን ንሰበስልጣን ተዛሪቦም'ዮም።

ጸሓፊት ዘቤታዊ ጕዳያት ኢቨት ኩፐር፡ "ብቐሊሉ ገንዘብ ንምርካብ ብዝብል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ጕዕዞን ኣብዛ ሃገር ዘሎ ህይወት ዘተኣማምን'ዩ ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሻጥ፡ ብኢንተርነት ኰነ ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ስነ ምግባራዊ ኣይኰነን፡" ኢላ።

"እዞም ገበነኛታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግጕያት ሜላታት ተጠቒሞም ስደተኛታት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ናብ ዘእቱ ኵነታት ክመርሑዎም እንከለው ግዲ የብሎምን። ነዚኦም ደው ንምባል ድማ ተላዒልና ኣለና፡" ትብል።

ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበን (NCA) ድሮ ምስ ኵባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምትሕብባር ንዝተወደበ ገበን ኢሚግሬሽን ዘተባብዑ ናይ ኦንላይን ጽሑፋት ዒላማ ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣብ 2024 ልዕሊ 8,000 ጽሑፋት ክወርዱ ገይሩ'ዩ።

እቲ ኤጀንሲ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም መሳገሪ መገድታት ንዘወዓውዑ ብርክት ዝበሉ ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት'ውን ስጕምቲ ወሲዱ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ብመትረብ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ምስ ፈረንሳ ዝያዳ ምትሕብባር ብምግባር ነቲ መሳገሪታት ክዓጹ ክሰርሕ ይደሊ።

ኣብ መጀመርታ ሓምለ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ገለ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ንምምላስ ስምምዕ ተገይሩ ነይሩ።

ንነፍሲ ወከፍ ዝተመልሰ ስደተኛ፡ ፈረንሳ ሓታቲ ዑቕባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትሰድድ እያ - እዚ ምስ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ስድራቤት ርክብ ክህልዎ ዝኽእል እንተዀይኑ'ዩ።

ነቐፍቲ ግን እዚ ንውሑድ ክፋል ናይቶም ኣብዚ እዋን ዝሰግሩ ዘለዉ ከ ምዘጠቓልል ብምሕባር፡ እቲ ውጥን ንስደተኛታት ከደናጉዮም ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

መንግስቲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣቱ ሰብ ዜጋ ብሪጣንያ ክኸውን ዳርጋ ዘይከኣል ንምግባር እውን ሕግታት ኣትሪሩ ኣሎ።