ሱዳን፡ ኣብ ርእሲ ኲናት ብጥሜት ትሳቐ ዘላ ብሰንኪ 'ዓሌታዊ ኣድልዎ' እዩ

ኣብታ ብኲናት ኣመና ዝተሃሰየት ሱዳን ጥምየት “ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት እዩ ዘሎ” ክብል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ናብታ ሃገር ዑደት ድሕሪ ምግባሩ ቢቢሲ ገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ኵነታት ሱዳን ኣመና ዘሰክፍ'ዩ፣ ሰፊሕ ምፍንቓል ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ'ዩ፡ ብርግጽ እቲ ዝኸፍአ ድማ ጥሜት'ዩ” ኢሉ።

ድሮ 12 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ንሱዳን ዝተዋህበ ትዅረት “ብሓቂ ትሑት እዩ” ክብል ብምንቃፍ፡ ጠንቂ ናይዚ ድማ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምዃኑ ብግልጺ ኣቐሚጡ።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሕሰብዎ! ዕንወት፡ ምምዝባል፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ሕማማት፡ ሕጂ ድማ ዝበኣሰ ጥሜት ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሱዳን ብምኻድ፡ ተፈናቐልቲ ናብ ዝርከብዎ መዓስከራትን ሓደ ሆስፒታልን ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

“ኣብኡ፡ ማሲኖም ቈርበትን ኣዕጽምትን ጥራይ ዝተረፎም ዝደኸሙ ህጻናት ኢኻ ትርኢ።”

ኣብታ ሃገር 25 ሚልዮን ዝገማገም ህዝቢ - ፍርቂ ካብ ህዝቢ ሱዳን - “ደገፍ የድልዮ” ክብል ዶክተር ቴድሮስ ገሊጹ።

ሱዳን፡ “ዝግብኣ ኣቓልቦ ኣይትረክብን ዘላ” ዝብል ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብ ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእዩ ግጭታት እውን ብተመሳሳሊ ዝግባእ ተገዳስነት ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘይረኸቡ ኣስሚሩሉ።

“ኣብዚ ዓሌት ወሳኒ ረቛሒ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ ሕጂ ድማ እቲ ኣካይዳ ብግልጺ ንርእዮ ኣለና፡” ኢሉ።

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “እቲ ዘሕዝን እዚ እዩ፤ ኣብ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነስ ከምዚ ዓይነት ትሑት ትዅረት ብተደጋጋሚ ዝርአ እዩ” ክብል ብሓፈሻ ንኣፍሪቃን ኣብታ ኣህጉር ዝወሃብ ትሑት ግምትን ዘለዎ ቅሬታ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት እናረኣየ ኣብ ኲናት ዝዓበየ ቴድሮስ፡ “ጨና ኲናት፡ ምስሊ ኲናት፡ ድምጺ ኲናት እፈልጥ እየ” ኢሉ።

“እዚ ድማ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ክርድኣኒ ይኽእል'ዩ፤ ኣደይ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ክተርፍ ክትጽሊ እዝክር፤ ኣብቲ እዋን ንሓንቲ መዓልቲ ምትራፍ ማለት ዓቢ ነገር እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ከምዚ ሕጂ ኣብ ሱዳንን ቓዛን ብተመሳሳሊ ዝርእዮ ዘለኹ እዩ።”

ድሕሪ ወራር ሩስያ ንዩክረይን ኣብ 2022፡ ዶክተር ቴድሮስ፡ ዓለም “ንህይወት ጸለምትን ጸዓዱን ማዕረ ኣቓልቦ ከምዘይትህብ” ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ውሑድ ክፋል ናይቲ ንዩክረይን ዝተዋህበ ሓገዝ ጥራይ ንኻልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዝተዋህበ ብምግላጽ፣ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ካልኦትን ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ከምዘይረኸባ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ንሱዳን ዝያዳ ኣቓልቦ ክህባን ነቲ “ትራጀዲ” ክብል ዝገለጾ ኵነታት ከቃልሓን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ነሓሰ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኮሚተ ክኢላታት፡ ኣብ ዝተኸበበት ከተማ ኤል-ፋሸር - በቲ ግጭት ኣዝዩ ኣብ ዝተሃስየ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ከተማ - ኣስታት 500 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ዝነብረሉ መዓስከር ሓደጋ ጥሜት ከምዘሎ ኣዊጁ ነይሩ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ -ሕሜቲ - ኣብ 2021 ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪኡ ግን ተመሊሶም ብሓባር ነታ ሃገር ናብ ዓዘቕቲ ሓድሕድ ኲናት ኣእትዮምዋ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ሕሜቲ ብምድጋፍ ትኽሰስ፤ እታ ሃገር ግን ነዚ ትኽሕዶ። ስዑዲ ዓረብ ድማ ምስ መንግስቲ ሱዳን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዋ ይንገር።

ብመንጐኝነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ጻዕሪታት ሽምግልና ዛጊት መፍትሒ ከምጽእ ኣይከኣለን።