ከም ሰብ መሰል ዝተዋህቦ ኒውዝላንዳዊ እምባ

ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ሕጋዊ ክርክር ኣብ ኒውዝላንድ ዝርከብ እምባ ታራናኪ ከም ሰብ ምሉእ መሰል ክወሃቦ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣጽዲቑ።

በዚ ሓዲሽ ዝጸደቐ ሕጊ፡ እምባ ታራናኪ [እምባ ማውንጋ እናተበሃለ'ውን ይጽዋዕ'ዩ] ብመንገዲ እቶም ንዕኡ ዝውክሉ ካብ ቀቢላ ማሪ ከምኡ`ው ካብ ሰብመዚ እታ ሃገር ኵሉ መሰላቱ ክሕሎ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እምባ ታራናኪ ዝወረደ ብርሰት ኣግራብ፡ ፍግረ መሬትን ምግባት መሬትን ምሉእ ካሕሳ ክኽፈለሉን ኣብ ምሕዳሱ ክውዕልን ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም እምባ ታራናኪ ከም ሰብ መሰል ንኽህልዎ ክማጐት ዝጸንሐ ኒውዝላናዳዊ ምኒስተር ፓውል ጎልድስሚዝ "መጀመርታ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈጸመ ጌጋታት ኣብ ልዕሊ እምባ ታራናኪ ዝወረደ ዕንወት ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ፣ በዚ መሰረት፡ ነቶም ነቲ እምባ ከም ቅዱስ ቦታ ዝሓስብዎ ቀቢላታት ማሪ'ውን ንኽከሓሱ ክሕግዞም'ዩ፡" ኢሉ።

እማባ ታራናኪ ሓደ ካብቶም እኩባት እምባታት ማውንጋ ኰይኑ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ባይቶ እታ ሃገር'ውን ትማሊ ሓሙስ ኣጽዲቑዎ'ሎ።

በዚ መሰረት፡ እምባ ታራናኪ ልክዕ ከም ሰብ ምሉእ መሰላት ሃልይዎ ንገዛእ ርእሱን ከባቢኡን ናይ ምዕቃብ ምሉእ መሰል ክህልዎ'ዩ።

ከምኡ'ውን እቲ እምባ ልክዕ ከም ህይወታዊ ተሓሲቡ ክጽዋዕን መሰላት ክህልዎን እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

እቲ እምባ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኒውዝላንድ ዝርከብ ኰይኑ፡ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ንምስማዕ ኣማኢት ኣባላት ቀቢላ ማሪ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ነይሮም።

እቶም ኣባላት ናይቲ ቀቢላ፡ ድሕሪ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ውሳነ ንኸጽድቖ ጸቕጢ ንምግባር'ውን ናብ ቀጽሪ ባይቶ እታ ሃገር ብምኻድ፡ ንውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ብኣካል ተረኺቦም ሰሚዐሞ።

ነቲ ውሳነ ባይቶ ምስ ሰምዑ ከኣ ብመሰረት ባህሊ እቲ ቀቢላ፡ ሓጎሶም ብፍሉይ ኣብ ዓበይቲ ጽንባልት ጥራይ ብዝዝውተር ዓይነት ሳዕስዒት ደስታኦም ጸንቢሎም።

እቲ እምባ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን፡ ጀምስ ኩክ ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ዳህሳሲ ቦታታት እምባ ኢግሞንት ኢሉ'ዩ ኣጠሚቕዎ ነይሩ።

ሕጂ ግን እቲ እምባ ደቀ'ባት ብዝጽውዕዎ እማባ ታራናኪ ተባሂሉ ጥራይ ክጽዋዕን እቲ ብባዕዳዊ [ጀምስ ኩክ] ዝተዋህቦ ስም ጠሪሱ ከይጽውዓሉን ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ሓንቲ ካብ ቀቢላ ማሪ ዝዀነትን ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብኣካል ኰይና ዝተኸታተለቶ ኣይሻ ካምፕቤል ዝተባሃለት ውልቀሰብ ንማዕከን ዜና 1 ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ነቲ ውሳነ ብኣካል ምዕዛባ ሓበን ከም ዝስምዓ ብምግላጽ፡ "እዚ እምባ ንዅላትና እቶም ኣባላት ቀቢላ ሓደ ንኽንከውን ዓቢ ኣበርክቶ'ዩ ዘለዎ፡" ኢላ።

ንኒውዝላንድን ከም ሃገርን ንዅሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ደቀባት ከኣ ኣብ ልዕሊ ጸጋታቶምን መሬቶምን ምሉእ መሰልን ክህልዋም ዘፍቕድ ዋይታንጊ ዝብሃል ውዕል ኣሎ።

በዚ መሰረት ቀቢላ ማሪ፡ መንግስቲ ካብ 1860ታት ጀሚሩ ልዕሊ ሚልዮን ሄክታር ዝኸውን መሬትና ገቢትና'ዩ ብምባል ክማጐቱ ጸኒሖም'ዮም።

ሕጂ ከኣ እማባ ታራናኪ ከም ሰብ መሰሉ ከኽብር ቤት ፍርዲ ስለ ዘጽደቐሉ፡ ልክዕ ከምቶም ቀቢላ ማሪ ከባቢኡ ክምለሰሉ፡ ብመንገዲ ወከልቱ ኣቢሉ ክሱ ከቕርብ ክኽእል'ዩ።

ምኒስተር ፓውል ጎልድስሚዝ ውዕል ዋይታንጊ ንሓያለ ዕቑዳት ክጥሓስ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ "እዚ ውዕል እዚ ምጥሓሱ ኣብ ከም ቀቢላታት ዋሁኑ፡ ማሪ፡ ኢዊን ብዓቢይኡ ከኣ እማባ ታራናኪ ሰፍ ዘይብል በደላት ክወርድ ጸኒሑ'ዩ፡" ኢሉ።

ምኒስተር ፓውል ጎልድስሚዝ ብምስዓብ፡ "እቲ እምባ ብዙሓት በጻሕቲ'ዮም ዘለዉዎ፣ ብሕጂ'ውን ኵሎም ኒውዝላንዳውያን ንዝመጽእ ዘመናት ክበጽሕዎ'ዮም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ በደል ንኸውርድ ዝበጽሕ ሰብ ይዅን ትካል ግን ኣይክህሉን'ዩ፡" ኢሉ።

ኒውዝላንድ ንባህርያዊ ጸጋታት ከም ሰብ መሰል ክትህብ እዚ ናይ ፈለማያ ኣይኰነን።

ኣብ 2014 ንጫካ ኡረዌራ ልክዕ ከም ሰብ ምሉእ መሰል ክትህቦ እንከላ፡ ኣብ 2017'ውን ንፈለግ ዋሃንጉናይ ተመሳሳሊ መሰል ከም ዝሃበቶ ዝዝከር'ዩ።