እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ 'ተካእቲ ተጻወትቲ ኢና ሒዝና መጺእና ዘለና' ኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ጽባሕ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረት ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ዝለመደቶ ዓወት ንኸተመዝገብ ድልዉቲ ከምዘላ ኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያ [ሓላባይ] ንቢቢሲ ገሊጹ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ናይ ዓበይቲ ኣብ 2022 ከምኡ ከኣ 2023 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ተሾመ፣ ናታን መድሃኔን ኑርኣሕመድ ዓብደልዋሃብን ዝሓዘት ኮይና ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ዕለት 11 ክጽንበራ'ዩ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ሚልኪያስ ማእከለ፡ ዳንዮም ፍጹምብርሃን፡ ሄብሮን ብርሃነን ጳውሎስ ገብረሚካኤልን ኣለው።
ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ሴም ኢዮብ፡ ናሆም ኤፍሬም፡ ኬቨን ተኽለማርያምን ዮሴፍ ኣለምን ከምኡ'ውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣድያም ዳዊት፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል፡ ሱዛና ፍሳሃየን ሚለና ያፌትን ኣለዋ።
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ሚዛን ሃብተስላሴ፡ ኤልዳና በረኸት፡ ቤትኤል ኤፍሬምን ናርዶስ ጸጋይን ሒዛ'ያ ናብቲ ውትሩ ትዕብልሎ ሻምዮን ኣፍሪቃ ኣምሪሓ ዘላ።
እቶም ኣብዚ ሻምፕዮን ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ብጀካ እቲ ምስ ኣስታና ካዛኪስታ ዝወዳደር ሄኖክ ሙሉብርሃንን ገዲም ተቐዳዳማይ ከምኡ ከኣ ሓለቃ ጋንታ ሜሮን ተሾመ ብምሉኦም ኣብ ጋንታታት ዞባ ማእከልን ደቡብን ዝጻወቱ ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ'ዮም።
ኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ “ካብ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ተጻወትቲ ሒዛና ክንመጽእ ዝመረጽናሉ ምኽንያት ተካእቲ ተጻወትቲ ንምፍራይ፤ እዞም ንኣሽቱ ተጻወትቲ ተመክሮን ንኸማዕብሉን ናይ ደገ ጋንታታት ንኽረኽቡ ዕድል ንምፍጣርን’ዩ” ኢሉ።
ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ ኣብ 2017 ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ብውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሻምፕዮና ክኸውን ዝኸኣለ ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሜሮን ተሾመ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ናይ ተካእቲ ተጻወትቲ ስክፍታ የለን፤ ጥራይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዙሕ ውድድራት ምስራሕ’ዩ ዘድሊ። ጽቡቕ ከኣ ተጀማሚሩ ኣሎ” ክብል ሓቢሩ።
ሜሮን ብምስዓብ እዞም ኣብዛ ሃገራዊት ጋንታ ተጠርኒፎም መጺኦም ዘለዉ ተጻወትቲ ምስ ጋንታታቶም ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዓወት ንኸመዝግቡ ክቱር ህንጥዩነት ከምዘለዎም ገሊጹ።
“ከም ብዓል ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን ካልኦት ገዳይም ተቐዳደምቲን ብዛዕባ ብሽክለታን ፕሮፈሽናላዊ ኣካይዳን እኹል ኣፍልጦ ስለዘለዎም ነዚኦም ኣብ ስራሕ እንተኣምጺእካዮም ብዙሓት ተጻወትቲ ከፍርዩ ይኽእሉ’ዮም” ክብል ወሲኹ።
ኣብ ናይ ጁንየር ዝወዳደር ወዲ 17 ዓመት ኬቨን ተኽለማርያም ኣብ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን ጋንታ ኣስቤኮ ዝወዳደር ኮይኑ ንመጀመርታ ግዜ’ዩ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝውክል ዘሎ።
“ካብ ብዓል ሜሮን ብዙሕ ተመክሮ እናወሰድኩ ኣነ ይኹን እቶም ምሳይ ዘለዉ ደቂ ጋንታይ ወርቂ ንኽንወስድ ኢና መጺእና ዘለና። ኣብ መጻኢ ከኣ ከምቲ ቢንያም ግርማይ ዝበጽሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሱ ነቲ ደረጃ ስለዝበጽሖ ኣነ ከኣ ልዕሊኡ ንኸመዝገብ'የ ዝሓስብን ዝሰርሕን” ኢሉ።
ቤትኤል ኤፍሬም ምስ ጋንታ ዞባ ደቡብ ትቀዳደም ተጻዋቲት ኮይና ንመጀመርታ ግዜ’ያ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ጁንየር ትውክል ዘላ።
“እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዓበይቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተመዝገበ ዓወታት ንምድጋም ኢና መጺእና ዘለና። ብዓወት ከምእንምለስ ከኣ ብዓልቲ ምሉእ ተስፋ’የ” ኢላ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ንሃገራዊት ጋንታ ዝውክል ትስፉዉ ክኢላ ቅጽበታዊ ውድድር ሚልክያ ማእከለ’ውን ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝወዳደር ዘሎ።
“ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ኣብ ጽቡቕ ልምምድ ኢና ጸኒሕና። ከም ጋንታ'ውን ኣብ ምሉእ ብቕዓት እያ ዘላ። ጸወታ ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የውድኣና’ምበር ክንዕወት ኢልና ኢና መጺእና ዘለና" ይብል።
ናታን መድሃኔ፡ ሴም እዮብን ዳንዮም ፍጹምብርሃንን’ውን ብተመሳሳሊ ጽቡቕ ምድላዋት ገይሮም ከምዘለዉ’ዮም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ብዛይካ እዚ፡ ኤርትራውያን ኣስመሮም በራኺ ኢፊሰር ጸረ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት፡ ሚርያም ሃንታይ ከኣ ሓንቲ ካብ ደያኑ ብምዃን ነዚ ውድድር ክመርሕዎ ብዩሲኣይ ተሓርዮም ኣለዉ።
ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 ብዓል ሞሮኮ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሪሽየስ ዝርከብአን 20 ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን ይግለጽ።
ቅድሚ ሕጂ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ
- 2023፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን
- 2022፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን
- 2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ
- 2018፡ ኤርትራዊ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት
- 2016፡ ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም
- 2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንከስ
- 2014፡ ኣይተኻየደን
- 2013፡ ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም
- 2012፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
- 2011፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
- 2010፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ናትናኤል ብርሃነን ተስፎም ዑቕባማርያምን ነፍሲ ወከፎም ከክልተ ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኾኑ ዝኸኣሉ'ዮም።
መደብ ጸወታ
- ረቡዕ 9 ጥቅምቲ፡ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ [11.2 ኪሎሜተር]፡ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ኣንስትዮን [22.52ኪሎሜተር]፡ ከምኡ ከኣ ኢሊት ደቂ ተባዕትዮን ትሐዕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ [33.8 ኪሎሜተር]
- ሓሙስ 10 ጥቅምቲ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነፍሲ ወከፎም 22.5 ኪሎሜተር እናተቐባበሉ ዘካይድዎ ናይ ግዜ ውድድር ብጋንታ
- ዓርቢ 11 ጥቅምቲ፡ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን [99.9 ኪሎሜተር] ኣንስትዮን [66.1 ኪሎሜተር] ናይ ጽርግያ ውድድር
- ቀዳም 12 ጥቅምቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ጽርግያ ውድድር [104.4 ኪሎሜተር]
- ሰንበት 13 ጥቅምቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ጽርግያ ውድድር [154.4 ኪሎሜተር]