ኣስታት 50 ተሳፈርቲ ዝሃለቕሉ ከቢድ ሓደጋ ኣውቶቡሳት

ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ብውሕዱ 46 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊጹ።

እተን ብኣንጸራዊ ኣንፈት ዝጓዓዛ ዝነበራ ኣውቶቡሳት፡ ነተን ኣብ ቅድሚአን ዝነበራ መካይን ክሓልፋ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን እየን ተጋጭየን።

እቲ ኣብ ከተማ ጉሉ ኣብ ዝርከብ መስመር ጽርግያ ካምፓላ-ጉሉ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ኣብታ ሃገር ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።

ፖሊስ ፡ ሓንቲ ካብተን ኣውቶቡሳት ካብ ግጭት ንምድሓን ኣብ ዝፈተነትሉ መስመራ ስሒታ ንኻልኦት መካይን ከም ዝሃረመት ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪን እተን ኣውቶቡሳት ዝነበራ መካይን እውን ነንሕድሕደን ተጋጭየን።

ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም ዝበለ ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ኣሎ።

እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ተሳፈርቲ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ከተማ ኪሩንዶ ናብ ዝርከብ ሆስፒታላት ተወሲዶም ኣለዉ።

ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ልክዕ ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ምስ ኣገልግሎት ጥዕናን ህጹጽ ረድኤትን ብምምስኻር ይረጋገጽ ከምዘሎን፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ድማ ይምርመር ከምዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ንስድራቤት ግዳያት፡ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንስድራ እቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ሓሙሽተ ሚልዮን ሽልንግ (1,500 ዶላር)፡ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ድማ ሓደ ሚልዮን ሽልንግ ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ጽርግያ ካብ ሰሜን ኡጋንዳ ክሳብ ደቡባዊ ኡጋንዳ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ጻዕቂ ትራፊክ ዝበዝሖ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ፖሊስ መራሕቲ መካይን "በይዛኹም! ብዘይግቡእን ብሸለልትነትን ተሽከርከርቲ ክትሓልፉ ኣይትፈትኑ፤ መብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ሓደጋታት ጽርግያ ብሰንኪ እዚ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።