'ተመሪቓ ንፍረ ክትበቕዕ ዝጽበያ ጓለይ ተመንዚዐ'

መንእሰይ ሊዛ ደሳለ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ኮሌጅ ትምህርታ ትከታተለሉ ኣብ ዝነበረት ከተማ ደሴ ብዘስካሕክሕ ኵነታት ከም ዝተቐትለት ስድርኣ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 28 መስከረም 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ብኣቈጻጸራ ሰዓት ኢትዮጵያ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሓደ [7፡00 ]፡ ቴሌፎን ከተዕሪ ኢላ ካብ ገዝኣ ምስ ወጽአት፡ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዋ ኣብ መገዲ ወዲቓ ተረኺባ።

ሊሳ፡ ንሕክምና ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ እንተተወሰደት'ዉን ህይወት ክተርፍ ኣይክኣለን። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ድሪም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተመሃራት ራብዓይ ዓመት ዝነበረት ሊዛ፡ ኣብዚ ዓመት ትምህርታ ወዲኣ ክትምረቕ ትዳሎ ነይራ።

ኣቡኣ መምህር ደሳለ፡ ንፍረ ክትበቕዓሉ ዝጽበያ ዝነበረት ጓሉ ብዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ምሟታ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ።

"ብደሞዝ መምህር ኣምሂረ፡ ተመሪቓ ንፍረ ክትበቅዕ እያ ኢለ ዝጽበያ ጓለይ ተመንዚዐ፡" ክብል ከቢድ ሓዘን ብዝስዓሮ ድምጺ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ እታ ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቍጥዐ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ነበርቲ ከተማ ደሴ'ዉን ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሎም እዮም።

"ኣብታ ከተማ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን፡" ዝበለ ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንነበርቲ ዘሕዘነን ዘቘጥዐን ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሓፍቲ እኖ ሊዛ ረቢዓ የሱፍ፡ ሊዛ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ክሳዳ ዝነበረ ሃብል፡ ሞባይላን ጫምኣን ከም ዝተወስደ ብምግላጽ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዝምታ ብዝብል ዝተፈጸመ ኣይኰነን ኢላ።

"ዓይና፡ ርእሳን ሑቘኣን ብጕስጢት ሚሒር ተሃሪሙ እዩ ነይሩ፡" ኢላ።

ኣቦ ሊዛ ኣቶ ደሳለ ብወገኑ፡ "ኣብ ልዕሊ ጓለይ ሕነ ዝፈደዩ ይመስለኒ፡" ብምባል ናይዚ ምኽንያት ድማ 'ፍቕራዊ ሕቶ ዘይምቕባላ' ክኸዉን ከም ዝኽእል ይጥርጥር።

"ክልተ ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ንፍቕሪ ሓቲቶምዋ ነይሮም። ንሓድሕዶም ኣብ ህልኽ ኣትዮም ሓዲኦም ዘጥቅዑዋ ይመስለኒ፡" ብምባል ግምቱ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል ኣይፍለጥን።

ቢቢሲ፡ ካብ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ደሴ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።

ይኹን'ምበር፡ እቲ መምርሒ ፖሊስ ብሰሉስ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ መንእሰይ ሊዛ ኣብታ ከተማ ብልሙድ ሃቢታት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጣብያ ቦርከና "ብዘይተፈልጡ ሰባት" ብዘስካሕክሕ ኵነታት ከም ዝተቐትለት ኣረጋጊጹ።

ኣካላት ፍትሒ ዝሐቘፈ ጕጅለ መርመራ፡እቲ ቕትለት ይምርመር ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እቲ ጕጅለ መርመራ፡ ብታክቲክን ቴክኒክን መረዳእታታት ብምጽራይ፡ እቲ ገበን ዝፈጸመ ኣካል ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ እዩ ዘሎ። እቲ ጕጅለ መርመራ ዝበፅሖ ድማ ንህዝቢ ከነፍልጥ ኢና፡" ይብል።

ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸሙ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎም መጥቃዕቲታት እናወሰዅ ከም ዝመጽኡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊአን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞታ፡ ስነ-ልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ውሒዳት ኣይኰናን።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ጐንጺ፡ ሸቕሊ ኣልቦነት፡ ማሕበረሰብ ንሓድሕዱ ዘርእዮ ዘሎ ዕሽሽ ምባል፡ ምፍኳስ ሕጋጋትን፡ ስእነት ፍትሕን ክፍተት ሕግን እቲ ጸገም ንክጋደድ ምኽንያት ከም ዝዀነ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይገልጻ።

ምኒስትሪ ደቀንስትዮን ማሕበራዊ ጕዳያትን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብ2016 ዓ.ም ዝወጽአ ዳህሳስ ጥዕናን ስነ-ህዝብን፡ ኣብታ ሃገር 26 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ኣካለዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን የመልክት።

እዞም መጥቃዕቲታት ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎም ኰይኖም፡ ብቐንዱ፡ ንኣካላዊ፣ ጾታዊ፣ ስነ-ልቦናዊን ቍጠባውን መጥቃዕቲታት ክቃልዓ ዝገብሩ እዮም።

ሓፍቲ እነን ዓርክን ሊዛ፡ ረቢዓ ዩሱፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሊዛ ኣብታ ምሸት እቲኣ ቴለፎና ድሕሪ ምጽጋን ናብ እንዳ መሓዛኣ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ከም ዝተፈጸመ ገሊጻ።

እታ መዋቲት ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ናብ መሓዝኣ ደዊላ ስለ ዝነበረት፡ መጀመርታ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝበጽሐት ዓርካ እያ።

ሊዛ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ ተወሲዳ ሕክምናዊ ረድኤት እኳ እንተተገብረላ፡ ብህይወት ኣይተረፈትን።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ "ሓሓሊፉ ናይ ስንባደ ምልክታት ተርኢ ነይራ። ትንፋስ ይሓጽራ ነይሩ። ብህይወት ክትተርፍ እያ ኢልና ንጽበያ ኔርና፡ ኣብታ ለይቲ ግን ብሞት ተፈልያ፡" ትብል ረቢዓ።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን "ንምርመራ ፖሊስ ክዕንቅፍ ይኽእል'ዩ፡" ብዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ።

ስድራ እታ ግዳይ ከም ዝብሉዎ፡ ሊዛ ኣብተን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ወይ ዘስግእ ነገር ኣጋጢሙዋ ኣይፈልጥን።

"ከም ወለዲ እነውግዖ ነገራት ነይሩ፤ ትምህርታ ወዲአ ሓዳር ክትገብር እምበር ከምዚ ዓይነት ስግኣት ከም ዘለዋ ነጊራትና ኣይትፈልጥን፡" ኢሉ ኣቶ ደሳለ።

ፖሊስ መርመራኡ ዛዚሙ፡ ጓሉ ፍትሒ ክትረክብ ክገብር እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ድማ ተዛሪቡ።

ሊዛ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ተወሊዳ ዝዓበየት ኰይና፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ሓሊፋ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ተመዲባ ነይራ።

እንተዀነ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስድርኣ ካብ ዝነብርሉ ዓዲ ዝርሕቕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ድሪም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ናይ ፋርማሲ ትምህርታ ክትከታተል ጸኒሓ።

ኣብታ ብተደጋጋሚ ብጸገማት ጸጥታ ዘጋጥማ ዘሎ ከተማ ቆቦ ዝምህር ዘሎ ኣቶ ደሳለ ሞላ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ፍርቂ ናይቲ ወርሓዊ ደሞዙ (8 ሽሕ ብር) ንጓሉ ብምምዳብ ከምህራ ጸኒሑ።

ጓሉ፡ ኣብዚ ዓመት ትምህርታ ወዲኣ ክትምረቕ ልዑል ሃረርታ ነይሩዎ።

"ጓለይ ንዓይ ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዋ። ብደሞዝ መምህር እየ ኣምሂረያ፤ ፍረኣ እንትጽበ ግን ተመንዚዐ፡" ዝብል መምህር ደሳለ፡ ጓሉ ተጻዋቲት፡ ሓላፍነት ዝስምዓ፡ ንንኣሽቱ ኣሕዋታ መርኣያ ዝዀነትን ሓላይን ምንባራ ይዝክር።

ኣብዚ እዋን፡ ስድራ እዛ ግዳይ ኣብ ከቢድ ሓዘን እዩ ዝርከብ።

"ሓዘን በዓልቲ ቤተይ ኣዝዩ ብርቱዕ'ዩ፤ ምስ ሊዛ ቀትሪ ሰዓት 8፡00 ተደዋዊለን ነይረን፤ ምሸት ክኣ መርድእ መጺኡ። ናታ ኵነታት ከቢድ እዩ፤ ምናልባት ፖሊስ ኣብ መርመራ ቀተልቲ ጓልና ናብ ፍርዲ እንተቕርቦም ንጸናናዕ ንኸውን ኢና።"