ሓደ ኬንያዊ ፖሊስ፡ ብዝተወርወረሉ ፍላጻ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ፕረዚደንት ተቐቲሉ

ኣብ ሓደ ካብ ኣፍደገታት ወግዓዊ መንበሪ-ቤት ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ኣባል ፖሊስ፡ ብፍላጻ ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ ንግሆ ሓደ ወዲ 56 ዓመት ቀስትን ፍላጻን ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ብምቕራቡ ኢዱ ክህብ ከም ዝተኣዘዘ ይሕብር።

እንተዀነ፡ ኣብ ክንዲ ኢዱ ዝህብ ንቕድሚት ብምስጓም ቀስቱ ገቲሩ ፍላጻኡ ብምውርዋር ንመሰንገለ ፒሲ ራማዳን ማታንካ ዝተባህለ ፖሊስ ሃሪሙ።

እቲ ዝተወግአ ፖሊስ ብኡንብኡ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተ ተወስደ፡ ክድሕን ግን ኣይከኣለን።

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ኬንያ ሓደ ካብቶም ብጽኑዕ ዝሕለዉ ቦታታት ብምዃኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ናይ ጸጥታ ጕድለታት ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ሬሳ ናይቲ ፖሊስ ኣብ መካነ-መቓብር ዝዓረፈ ኰይኑ፡ ድሒሩ መርመራ ክግበረሉ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ምዃኑ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ እቲ ዝሞተ ፖሊስ ናብ ቤተመንግስቲ ንዝኣትዋ መካይን መርመራ ዘካይድ ከም ዝነበረ እየን ዝሕብራ ዘለዋ።

እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ሰብ፡ ግዳም ሓዳር ተመሲሉ ነቲ ቀስትን ፍላጻን ብኸረጺት ሸፊኑ ሕዙዎ ከም ዝነበረ ዝተሓበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ይግለጽ።

ኤንቲቪ ኬንያ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ቍርጽራጽ ቪድዮታት፡ ሓደ መጕዳእቲ ዝነበሮ ብመቝሕ ዝተኣስረ ሰብኣይ ኣርእያ። ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ተሰቒሉ ናብ ሕክምና ይውሰድ ከም ዝነበረ ድማ ይፍለጥ።

እቲ ሰብኣይ፡ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት ከም ዝግበር ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ።

ወሃቢ-ቓል ፖሊስ ሙቺሪ ንያጋ፡ "ፖሊስ ነዚ ጽዩፍ ተግባር ይዅንን፣ ነቶም ካልእ ተወሳኺ ጕድኣት ከይበጽሕ ቅልጡፍ ምላሽ ዝሃቡ መኮንናት ድማ ይንእድ፡" ኢሉ።

እቲ ፖሊስ፡ "ኣብ ዕማሙ ከሎ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፈለ፡" ብምግላጽ፡ ናብ ስድራቤቱ መልእኽቲ 'ጽንዓት ይሃብኩም' ሰዲዱ።