እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓፈንቲ መንግስታት ዘነቓንቕ ዘሎ ሓድሽ ማዕበል መንእሰያት 'ጀን-ዚ' ናበይ ገጹ?
ኣብዚ እዋን እቶም ብጀን-ዚ ዝፍለጥ ወለዶ ዘነቓንቖም ዘለው ማዕበላት ተቓውሞ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ይብድሁ ኣለው።
እዚ፡ ብኣውራኡ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተወዳደቡ መንእሰያት ዝቕልስዎ ዘለዉ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስታት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ሓያል ነውጺ ፈጢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኔፓል ዝተራእየ እውን ዓለም ክዛረበሉ ዝወርሐ ፍጻመ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ቅንያት'ውን ኣብ ማዳጋስካር መራሒ እታ ሃገር፡ መንግስቲ ከፍርስ ዝደረኸ ሓይል ተቓውሞ መንእሰያት እዚ ወለዶ እዩ።
ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ሞሮኮ ተቓውሞ መንእሰያት ፈኸም ይብል ከምዘሎ ይርአ'ሎ።
እዚ ማዕበል ጀን-ዚ፡ ካብ ጐደናታት ካትማንዱ - ኔፓል፡ ብውሕዱ 72 ሰባት ዝተቐትሉሉ፡ ክሳብ እቲ ድኹም ህዝባዊ ኣገልግሎት እናሃለወ ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ 2030ን ዝግበር ወጻኢታት ዝቃወም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጐደናታት ራባት - ሞሮኮ እናጐሃረ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ሓድሽ መልክዕ ናይቲ ብመንእሰያት ዝቕለስ ዲጂታዊ ውዳበ ግን ከኣ "መራሒ ዘይብሉ" ናዕቢ፡ ብፍላይ ነቶም ሱር ዝሰደዱ ሕሱማት ፖለቲካዊ ስርዓታት ሕሱም ይፈታተኖም ኣሎ።
ኣብ ኬንያ ኣብ መፋርቕ ሰነ 2024 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ጐደናታት ወጺኦም፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ቀረጽ ኣብ ዜጋታት ዝጽዕን ፋይናንሳዊ እማመ ከምዝተቓወሙ ኣይርሳዕን።
እዞም ዲጂታዊ ወለዶ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ስልጣኑ ክለቅቕ ብምጥላብ ክሳብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንዓበይቲ ከተማታት ኬንያ ከጨንቝ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ነድሪ ግን ብዝተፈላለየ ጸቕጢ ክዕበጥ ተገይሩ እምበር ገና ኣይተኣበደን ዘሎ።
ማዳጋስካር ድማ ምስዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናዕብታት መንእሰያት ተጸንቢራ ኣላ።
በዚ ዝተፈጥረ ናዕቢ መራሒ እታ ሃገር መንግስቲ ከፍርስ ተገዲዱ እዩ።
እቲ ዝቕልቀል ዘሎ ቅዲ ናዕቢ ኣንጻር መንግስታት፡ ከም ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ ዝነበረ ኵነታት፡ ስግረ-ሃገራዊ ምንቅስቓሳት እናዀነ ይኸይድ ምህላዉ ተንተንቲ ይገልጹ።
ማዳጋስካር ከ?
እዚ ዳሕረዋይ ኣብ ማዳጋስካር ዝተራእየ ናዕቢ እዚ ሓድሽ ቅዲ ተቓውሞታት ብኸመይ ይዝርጋሕን ይምዕብልን ከምዘሎ መርኣያ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ኣብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴታዊት ሃገር፡ ብሰንኪ ሕዱር ሕጽረት ኤሌክትሪክን ማይን ከም ቍጥዐ ዝጀመረ ናዕቢ፡ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 15 ዓመታት ዝረኣየቶ ዝዓበየ ተቓውሞ እዩ።
ኣብዚ ናዕቢ ብውሕዱ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ቈሲሎም ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።
እቲ 'Gen Z Mada' [ጀን-ዚ-ማዳ - ድጂታዊ ወለዶ ማዳጋስካር] ተባሂሉ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ መንእሰያት ዝተዋደደ ተቓውሞ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ናብ ካልኦት ሸሞንተ ከተማታት ተዘርጊሑ፤ ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ኣንድረ ራጆሊና ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልቡ ባነራት እናወዛወዙን "ራጆሊና ኣውት" እናበሉ ክጭድሩ ተሰሚዖም።
ናዕቢ ማዳጋስካር ንመንግስታት ዘተሓሳስብ ዝገብሮ፡ ዕብየቱን ዝርጋሐኡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝተገብረ ዕዉት ሜላታት ብንቕሓት ከተግብር ምኽኣሉ ምዃኑ ይግለጽ።
ማዳጋስካውያን ነቲ ኣብ ኔፓል ዝተገብረ ነቶም ብእምብዛ ምቾት ዘንደልህቑ ደቂ ፖለቲከኛታት "nepo kids" ዘቃልዐ ቪድዮታት ብንቕሓት ተዓዚቦም፡ ናብ ናቶም ክውንነት ኣመዓራሪዮም ክጥቀምሉ ምኽኣሎም እዩ።
እዚ ድማ ብመንገዲ ቲክቶክ፡ ፌስቡክን ዝኣመሰሉ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዓቢ ስግረ-ሃገራዊ ስትራተጂታት ተቓውሞ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ብኸመይ ከም ዝውደቡን መሰረታዊ ለውጢ ይጠልቡን ዘንጸባርቕ እዩ።
መሸከል እዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ
እዚ ዲጂታዊ ወለዶ ዝመርሖ ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ዘይከምቲ ጽኑሕ ኣገባባት ተቓውሞታት ስርዓተ-መሰረታዊ መሓውር መሪሕነት፡ ወግዓዊ ማኒፌስቶን ካልእን ዘይብሉ፡ እዚ እዩ ኢልካ ክትፈልዮ ዘይትኽእል መራሒ ዘይብሉን ዘይተማእከለን እዩ።
እቲ ተቓውሞታት ብዘይማእከላይ ውዳበን ኣብ መድረኻት ኦንላይን መድረኻት ዝጽጋዕ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብማእሰርቲ ወይ ቅንጸላ ወሰንቲ ኣካላቱ፡ ወደብቱን መራሕቱን ክዕፈን ዳርጋ ዘይከኣል ይገብሮ።
እዞም ወለዶ ማዳጋስካር፡ እቲ ናዕቢ ንማሕበራት ሰራሕተኛታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ዝሓቘፈ ሰፊሕ ጥምረት ቅድሚ ምምዕባሉ ብመገዲ ፌስቡክን ቲክቶክን እዮም ሰልፊታት ኣወሃሂዶም።
እዚ ኣገባብ'ዚ ድማ ንመንግስታዊ ጸረ-ስጕምትታት እናስተውዓለ ናህሩ ዓቒቡ ክቕጽል ኣኽኢልዎ።
ሰብመዚ ብ19 መስከረም ብሰንኪ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ዝሓሰቡ ክልተ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝኣሰሩሉ እዋን፡ እቲ ስጕምቲ ብዘደንቕ መልክዑ ተበራቢሩ፤ በቲ ስጕምቲ መንግስቲ ከይተሃደደ፣ ተወሃሂዱ ስለዝጸንሐ ብቕጽበት ነቲጕ።
እቲ ነዞም ምንቅስቓሳት መሰረት ዝዀነ ዲጂታዊ ትሕተ ቅርጺ፡ ንመንግስታዊ ስጕምትታት እናተጻወርካ ብቕልጣፈን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናይ ምውህሃድ ዓቕሚን ንቕድሚት ንምድፋእ ሓጋዚ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።
ሞሮካውያን ሰልፈኛታት እውን፡ ከም ቲክቶክን ዲስኮርድን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት - ኣብ ተጻወትቲ ህቡብ ዝዀነ መተግበሪ - ተጠቒሞም ሰልፍታት ንምውዳብ፣ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ኣብ ልክዕ ግዜ [ላይቭ] ዝመጽእ ሓድሽ ሓበሬታ ክለዋወጡ፣ ከምኡ'ውን ሰብመዚ መንግስቲ ዝወስድዎ ስጕምቲታት ንዓለም ከቃልዑን የኽእሎም ኣሎ።
እዚ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ምስቲ ሓድሽ ዲጂታዊ ወለዶ ዘለዎ ባህሪያዊ ስጡም ርክብ ተደማሚሩ፡ ነቶም በቲ ዝጸንሐ ድሑር ኣገባባት ምቍጽጻርን ምዕፋንን ዝለመዱ ስርዓታት ዓቕምታቶምን ኣገባባቶምን ዘሕድግ ዓቕሚ ምህላዉ የርኢ።
እዚ ተቓውሞታት መበገሲኡ እንታይ እዩ?
ነፍሲ ወከፍ ናዕቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅጽበታዊ መበገሲታት ክህልዎ ይኽእል፡ ኣብ ኬንያ ወሰኽ ግብሪ፣ ኣብ ማዳጋስካር ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን፣ ኣብ ሞሮኮ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ደኺሙ እንከሎ፡ ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ 2030 ኣብ ምድላዋት ዝግበር ሰፊሕ ወጻኢታት... ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል።
እዞም መሰረታዊ ቅሬታታት ነቲ ኣብተን ሃገራት ዝሰረተ ዓሚቝ መዋቕራዊ ጸገማት ዘንጸባርቑ እዮም።
ውሕስነት ዘይብሉ ስራሕ፡ ምንቁልቋል ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰፊሕ ብልሽውናን ዝጠስጠን እዋናዊ ምላሽ ዘይህብ፡ መጻኢኦምን ዕድላቶምን ዘይርዳእን ዘየጣጥሕን፣ ኣብ ሓደ መንበር ዝኣረገ ፖለቲካዊ ስርዓታትን ዘጋጥሞም መንእሰያት፡ ነድሮም ምስቶም ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቘሞም ዘለዉ መዛኑኦም ከካፍልዎን ክመኸሩሉን ዕድል ይረኽቡ ኣለዉ።
ኣብ ማዳጋስካር፡ እቲ ብሰንኪ ምቍራጽ ኤሌክትሪክ ዝነቶገ ተቓውሞ፡ ብቕጽበት ናብ ሰፊሕ ጠለባት ፖለቲካዊ ለውጢ ተሰጋጊሩ።
እቶም ሰልፈኛታት ወግዓዊ ማኒፌስቶ ኣየውጽኡን፣ እንተዀነ ጠለባቶም ፕረዚደንት ስልጣኑ ክለቅቕ፣ ጽገና ሃገራዊ ባይቶ ክግበር፡ ኣካላት መረጻ ክፈርሱ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ፍትሒ ክረኽቡ ዘጠቓልል ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣልዒሎም ኣሐይሎምዎ።
እዚ ካብ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጀሚሩ ናብ መሰረታዊ ፖለቲካዊን ሕጋውን ሕቶታት ዝማዕበለ ኣካይዳ ኣብ ኬንያ እውን ዝተራእየ ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ንዝቐረበ ወሰኽ ግብሪ ዘበገሶ ተቓውሞ፡ ንባይቶ ኬንያ ክወርር እዩ ተራእዩ።
እዞም ምንቅስቓሳት ንቕጽበታዊ ጸገማት ምስ ስርዓታዊ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይ ምትእስሳር ዓቕሞም ብፍላይ ሓያላት ይገብሮም።
ኣብታ 75% ህዝባ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብረላን፣ ሓደ ሲሶ ጥራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኽበላን ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ዝዀነት ማዳጋስካር፡ እቲ ሕዱር ውድቀት ትሕተ ቅርጺ ከም ተራ ቴክኒካዊ ጸገማት ዘይኰነስ ከም መርትዖ መንግስታዊ ድኻምን ብልሽውናን ኰይኑ ብምቕራብ እዩ ምልዕዓል ፈጢሩ።
ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ 'ጂራማ' ዝተባህለ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዝዓሞቐ ሰፊሕ ብልሽውና ከም ጠንቂ ቅልውላው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምውቃስ፡ ነዚ ጥርዓን ግን ናብ ውድቀት መላእ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣዕብዮም እዮም ኣቕሪቦምዎ።
ተላባዒ ባህሪ ናዕብታት ዲጂታዊ ወለዶ
እቲ ንመንግስታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ኰይኑ ዘሎ መዳይ፡ እቲ ብቕሉዕ ዝርአ ዘሎ ስግረ-ሃገራዊ ተመኵሮታትን ምጽልላዋትን እዩ።
መንእሰያት ሞሮኮ፡ ብኔፓላውያን ይተባብዑ፣ ደቂ ማዳጋስካር ካብ ኬንያውያን ይመሃሩ፣ ከምኡ እናበለ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ብዙሕ ኣመታት ኣሎ።
እዚ መንእሰያት ዝመርሕዎ ተቓውሞታት ብሰንኪ ሕጽረት ዕድላት፡ ብልሽውናን፡ ዘመደይ ዘመድካ፡ ስድራቤታዊን ዓሌታውን በለጻት ወዘተ ሰፊሕ ቍጥዐ ዘንቀሎ እዩ።
እቲ ርኡይ ክሳራ ዘስዓበ ተቓውሞ ኔፓል፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ንዝርከቡ ተመሳሳሊ ኵነታት ንዝገጥሞም መንእሰያት ተክኒካዊን ሜላውን ደራኺ ኣብነታት ሂቡ እዩ።
እዚ ስግረ-ሃገራዊ ባህሪ ነቲ ሕጂ ዘሎ ማዕበል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ምንቅስቓሳት ዝተፈልየ ይገብሮ።
ጽድያ ዓረብ፡ ኣብ ዝተወሰነ ዞባ - ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን - ናዕብታት ብኸመይ ብዞባ ደረጃ ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮ ሂቡ እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ምንቅስቓሳት ጀን-ዚ ግን ዝያዳ ስግረ-ኣህጉራዊ ከይተረፈ ክውሰድ ዝኽእል ኣብነት ይኸውን ኣሎ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብዛዕባ ሰልፈኛታት ማዳጋስካር፡ ኣብ ኬንያ እንታይ ዓይነት ሜላታት ከም ዝሰርሐ፡ ኣብ ኔፓል እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ተዋሂቡ ብኸመይ ከ ተሳዒሩ ብቕሉዕ ክነግር ክኢሉ እዩ።
ከምኡ'ውን ሞሮካውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ውሽጣውን ኣህጉራውን ደገፍ ንምርካብ ጠለባቶም ብኸመይ የቕርብዎ ከምዘለዉን ብቐጥታ ዓለም ከም እትዕዘብ ይገብሩ ኣለዉን የርኢ'ሎ።
እዚ ምዕባለታት እምበኣር እዚ ጽልዋ ተላባዕነት ይቀላጠፍ ከምዘሎ የነጽር።
እቲ ብ28 መስከረም ዝጀመረ ተቓውሞ ሞሮኮ፡ ምስቲ ሰልፍታት ማዳጋስካር ናህሪ እናወሰኸ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ተጋዲዱ።
ብረቡዕ ንሓሙሻይ ተኸታታሊ ምሸት ጐደናታት ሞሮኮ ድሕሪ ምቅጻሉ፤ ማስክ ዝለበሱ ሰልፈኛታት መካይን ኣቃጺሎምን መስኮት ሰባቢሮምን፡ ፖሊስ ድማ ነቲ ኵነታት ንምህዳእ ዝከኣሎም ኣብ ምግባር ተጸሚዶም ኣለዉ።
እዚ ድማ፡ ተቓውሞ ዲጂታዊ ሰውራ ኣብ ዝተወሰነ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ዝዀነ ጥቡቕ ምምስሳል ኣብ ዘይብለን ኣመና ዝተረሓሓቓ ሃገራት ከይተረፈ ዝረአ ዘሎ ዓለማዊ ተረኽቦ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እንታይ ከስዕብ ይኽእል?
እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ማዕበል ተቓውሞታት መንእሰያት ንለውጢ ዝድርኽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድዩ ወይስ እዋናዊ ብስጭት መንእሰያት ዝነውነዎ ግዝያዊ ተርእዮ ንዝብል ርግጸኛ ምዃን ከምዘይከኣል ዝስማዕ ገምጋማት ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ ሓያሎ ረቛሒታት ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም ናዕብታት እዋናዊ ቍጥዐ ዘንቀልዎም ዘይኰኑስ፡ ግብረመልሲ ናይ ጽኑሕ ዓሚቝ መዋቕራዊ ለውጢ ዝጠልብ ሕቶታትን እዮም።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ዝተደረተ ዕድላት መንእሰያት፡ ዘይንጹር መጻኢን ምዝመዛን፡ ዓመጽን ጭቈናን፡ ግህሰት መሰላት፡ ምግባት ሃብቲ ብውሑዳት፡ ብልሽውናን ካልእን ተመሳሳሊ ተመኵሮ ናይዞ ብዲጂታዊ መንገዲ ዝተኣሳሰሩ መንእሰያት እዩ።
ቅልጡፍ ውዳበን ስግረ-ዶባዊ ምልውዋጥ ተመኵሮን ብቐሊሉ ከሰጋግር ዘኽእል ትሕተ-ቅርጺ ቴክኖሎጂ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።
እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድማ እቶም ምንቅስቓሳት ኣብ ቅድሚ ዓፈና መንግስቲ ክጽዓዱ ዘይምኽኣሎም እዩ።
ኣብ ማዳጋስካር፡ ሞሮኮ፡ ኬንያን ክንዮኡን ንዝርከቡ መንግስታት፡ እቲ ብድሆ ቀሊል ኣይመስልን።
በቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምሕደራን ንዕኡ ዝገልግል መሳርሒታት ምልክን ዓፈናን ካብ ቍጽጽር እቶም ስርዓታት ወጻኢ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እቲ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር እዚ ምንቅስቓሳት Gen Z ኣብ ካልኦት ሃገራት ይቕልቀል ዶ ይኸውን? ዝብል ዘይኰነስ፡ መንግስታት ነቶም ከምዚ ዝበሉ ብመንእሰያት ብመንገዲ መድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍጠሩ ናዕቢታትን ፖለቲካዊ ምዝባዓትን እናተቘጻጸሩ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ቅሬታታት ንምፍታሕ ኣድማዒ ስትራተጂታት ከማዕብሉ ይኽእሉ ዶ፣ ወይስ ይወድቍ? ዝብል እዩ።
በዚ ኰይኑ በቲ ዓለም ሓድሽ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክቕልቀል ትዕዘብ ኣላ፤ ኣብ መወዳእታ ኣገባብ ምሕደራን ቍጽጽርን መንግስታት ይቕየር ዶ ወይስ ብህሉው መሓውራት ስልጣን ይወሓጥ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንፖለቲካዊ ዲናሚክን ብፍላይ ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ዝያዳ ድማ ዓፈንቲ ስርዓታት ዝበሓቱወን ሃገራት ዝጸሉ ክኸውን ግድን እዩ።
እቲ ንጹር እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ግን፡ መንግስታት ድሕሪ ሕጂ ንኸምዚ ዝበለ ፈታኒ ዘይዕግበት መንእሰያት፡ ከም ብስምዒታውነት ዝተደረኸ ዘይብሱል ወይ እዋናዊ ዓቕሊ ጸበታዊ ድርኺት መንእሰያት ቈጺሮም ዕሽሽ ብምባል ክነጽግዎ ዓቕሚ ይስእኑ ምህላዎም እዩ።