ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ 'ቀታሊ' ሕማም እንታይ እዩ? ፈውሲኸ ኣለዎ ድዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ቅንያት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጂንካ ዝተኸሰተ ሓድሽ ሕማም፡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ሕክምና ዘረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሽዱሽተ ሰባት፡ ነቶም ሕሙማት ዝሕክሙ ዝነበሩ ክልተ ሰራሕተኛታት ጥዕና ከምዝዀኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ዝተፈላለዩ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ምልክታት ከምዘርእዩን፡ "ኵሊቶም ካብ ስራሕ ወፃኢ ከምዝኸውንን" ይንገር።

ምኒስትሪ ጥዕና ፈደራልን ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮጵያን፡ ብዕለት 3 ሕዳር 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለፂ፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ "ደም ዘፍስስ ሰዓል"፡ ሕማም ከምዝተኸስተ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ለበዳ ምስተገልጸ፡ ኣብ መርመራ፡ ምክልኻልን ሕክምናን ሕሙማት ዝሕግዙ ክኢላታትን ቀረብን ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ውልቃዊ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ከምዝስፈሮ፡ ንህፁፅ ድጋፍ 300 ሽሕ ዶላር ከምዝመደበ ኣመልኪቱ።

እዚ ሓደገኛን ቀታልን ከምዝዀነ ዝንገረሉ ሕማም እንታይ እዩ? ምስ ካልኦት ሕማማት ብኸመይ ይተኣሳሰር? ምልክታቱ እንታይ እዮም? ብኸመይከ ይመሓላለፍ? ፈውሲ ኣለዎ ድዩ?

'ቫይራል ሄሞራጂክ ፊቨር' እንታይ እዩ?

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡'ቫይራል ሄሞራጂክ ፌቨር' ንዝተፈላለዩ ብቫይረስ ረኽሲ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓፈሻዊ ቃል እዩ።

ካብ መንጐኦም ብጫ ዓሶ፡ ሰዓል ቆላ‹ ደንግ ፊቨር [ብተለምዶ ወልካም እናተብሃለ ዝፅዋዕ፡ ዓሌት ዓሶ] ከምኡ'ውን ኢቦላ ይርከቡዎም።

ክሪሚያን-ኮንጎ ሄሞራጂክ ፌቨርን ሪፍት ቫሊ ፌቨርን'ውን ኣብዚ ምድብ ከምዝካተቱ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ሄሞራጂክ ፊቨር፤ ደም ምፍሳስ ዘስዕብ ሰዓል ኰይኑ፡ ብቐንዱ ንስርዓተ ሰራውር ደም ዝፀሉን ኣካላትና ንርእሱ ናይ ምቍጽጻር ዓቕሙ ዘዳኽምን ሕማም ብምዃኑ፡ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕማም ተባሂሉ እውን ይግለጽ።

ምኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮጵያን፡ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እንታይነት ናይቲ ኣብ ጂንካ ዘጋጠመ ሃንበታዊ ሕማም ኣብ ምምርማር ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም?

ምኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕናን፡ ምልክታት እቲ ሕማም "ካብ ኣፍ፡ ኣፍንጫን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን ምፍሳስ ደም" ዘስዕብ ከምዝዀነ ዘርዚሮም ኣለዉ።

ሰዓል፡ ረስኒን ተምላስን እውን ከም ካልኦት ምልክታት ተጠቒሶም ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ምስ ምፍሳስ ደም ብዝተተሓሓዘ፡ ሃንደበታዊ ቃንዛ ጭዋዳታት፣ ሕማም ርእስን ስንባደን ከም ምልክታት ዘርዚሩ ኣሎ።

እቲ ሕማም ንንቡር ንጥፈታት ኣካላትና (organ failure) ደው ክብል ከምዝኽእል'ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ናይ መጀመርታ ምልክታት ናይቲ ሕማም ሰዓል፡ ሕማም ርእሲ፡ ድኻም፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ዝርብሽ ስምዒትን [ዲስኮምፎርት] እዮም።

እቲ ሕማም እናገደደ ምስ ከደ፡ ቅርፀት ከብዲ፡ ተምላስ፡ ረስኒ፡ ምቝጣዕ ቆርበት ከምኡ'ውን ብፍላይ ኣብ ገጽን ኣፍልብን ሓያል ረስኒ ይፈጥር።

ብኸመይ ይመሓላለፍ?

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ቀጥታ ኣካላዊ ርክብ ምስ በቲ ሕመማም ዝተለኽፉ ሰባት ወይ ምስ ፈሳሲ ኣካላት ወይ ድማ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ደም /ፈሳሲ ምትንካፍ፡ ነቲ ሕማም ከመሓላልፎ ይኽእል።

ኣብ ጉዳይ ክሪሚያን-ኮንጎ ሄሞራጂክ ፊቨርን ሪፍት ቫሊ ፌቨርን፡ ጥረ ስጋን ጸባን ናይ ዝተለኽፉ እንስሳታት ምብላዕ'ውን ሓደ ረቛሒ መተሓላለፊ ምዃኑ ይንገር።

ከም በዓል ሪፍት ቫሊ ፌቨርን ደንጊ ፊቨርን ዝኣመሰሉ ሕማማት እንተሃልዮም፡ እቲ ሕማም ብመንከስቲ ሓሳኹ'ውን ከም ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ኣሎ።

ሮደንትስ ዝተብሃላ ዓይነት ኣናጹ'ውን፡ ነቲ ሕማም ከም ዘመሓላልፍዎ ይንገር።

ብኸመይ ምክልኻል ይኽእል?

ምኒስትሪ ጥዕና፡ ሰባት "ምልክታት እዚ ሕማም ምስ ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝራኸብሉ እዋን፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መከላኸሊ ስጕምትታት ክጥቀሙ" ኣተሓሳሲቡ።

"ኵሉ ግዜ ኣእዳውና ብሳኒታይዘር ምፅራይ ወይ ድማ ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ" ይብል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቶም 'ቫይራል ሄሞራጂክ ፊቨርስ' ወይ ድማ ብኣሕጽሮት 'VHFs' ኢሉ ዝጽውዖም ሕማማት፡ "ንዓለም እናኸበዱ ዝኸይዱ ዘለዉ ሓደጋታት" ክብል ይገልጾም።

ነዚ ዓይነት ሕማም መድሓኒት ከምዘየለ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ይዅን እምበር፡ ክታበት ብጫ ዓሶን ኢቦላን፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ከም ዝሕግዝ ተገሊፁ ኣሎ።

በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ረስኒ ንምንካይ ሕክምና ይግበረሎም፣ ሳንቡኦም ብግቡእ ንኽሰርሕ ዝሕግዝ ኦክስጅንን ካልእ ሕክምናዊ ክንክንን ድማ ይረኽቡ።