ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መመረቕታኡ ዝተዓደመሉ ቤተ መዝክር ግብጺ ትሕዝቶኡ እንታይ'ዩ?

ግብጺ ነቲ ሓደ ካብቶም ኣደንቕቲ ነገራት ጥንታዊ ዓለም ዝኾነ፡ ኣብ ከባቢ ጊዛ ዝርከብ ዓቢ ፒራሚድ [ሃረም] ኩፉ ከም እጹብ ባህላዊ ቦታ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ገይራ ብወግዒ ትኸፍት ኣላ ።

እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቤተ-መዘክር ስነ-ጥንቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ (GEM) ፡ንሸውዓተ ሽሕ ዓመታት ዘቑጸረ ታሪኽ እታ ሃገር ከምኡ'ውን ካብ ቅድመ -ንግስነት ክሳዕ መዋእል ግሪኽን ሮማን ዚሽፍን ኣስታት 100,000 ቅርስታት ዝሓዘ እዩ።

ግብጻውያን ተመራመርቲ ምቛም እቲ ቤተመዘክር ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዘሎ ውሩይ እምኒ ሮዜታ ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስታት ግብጻውያን ንኪምለስ ዘለዎም ጠለብ ከም ዘደልድሎ ይምጉቱ።

ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ (GEM) ሰሓቢ ዝገብሮ፡ ምሉኡ ትሕዝቶ እቲ ዘይተተንከፈ መቓብር ንጉስ ቱታንክሃሙን ንፈለማ እዋን ምሉእ ብምሉእ ንምርኢት ብምቕራቡ እዩ።

እዚ መቓብር እዚ ብሪጣንያዊ ግብጻዊ ተመራማሪ ሃዋርድ ካርተር ካብ ዚረኽቦ ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብሓባር ክረአ። እዚ ኸኣ እቲ ዘደንቕ ናይ ቱታንክሃሙን ናይ ወርቂ ማስኬራ፡ ዝፋንን ሰረገላታቱን የጠቓልል።

ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ማሕበር ተመራመርቲ ግብጽን ሓላፊ ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺን (GEM) ነበር ዶክተር ታሬክ ታውፊክ "እቲ መቓብር ብ1922 ካብ እተረኽበሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ካብ ዝነበረ ልዕሊ 5,500 ቅርስታት፡ እቲ ኣስታት 1,800 ስለ እተራእየ ፡ ከመይ ጌርና ብእተፈልየ መገዲ ኸነርእዮ ንኽእል ኢለ ይሓስብ ነይረ ይብል።

"ነቲ ምሉእ መቓብር ከርኢ ሓሳብ ነይሩኒ። እዚ ማለት ኣብ መኽዘን ይኹን ኣብ ካሎኦት ኣብያተ-መዘክር ወልሓደ ከይተረፈ ከምቲ ሃዋርድ ካርተር ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ክረኽቦ እንከሎ ዝነበሮ ከምዝርአ ስለዝገበርና በጻሒ ምሉእ ተመክሮ ክረክብ ከኽእሎ'ዩ" ይብል።

እቲ 1.2 ቢልዮን ዶላር (910 ሚልዮን ፓውንድ፣ 1.1 ቢልዮን ዩሮ) ዘውጽእ፡ ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ (GEM) ፡ ኣብ ዓመት ክሳዕ 8 ሚልዮን በጻሕቲ ክስሕብ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ድማ ነቲ ብዞባዊ ቅልውላው እተጠቕዐ ቱሪዝም ግብጺ ዓብዪ ፍናን ዝህብ'ዩ።

ኣሕመድ ሰዲክ ዚበሃል ኣላላዩ በጻሕትን ተመራማሪ ግብጽን፡ ኣብ ዝባን ከበሳ ዝርከብ ሃረማት "እዚ ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ ሓድሽ ወርቃዊ መዋእል ግብጽን ባህላዊ ቱሪዝምን ኪጅምር ተስፋ ንገብር" ይብል።

ብዘይካ ምርኢት ቱታንክሃሙን እታ 4,500 ዓመት ዝዕድሚኣ ተደንቕ ናይ ቀብሪ ጃልባ ኩፉ - ሓንቲ ካብተን ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ብውሕሉል ኣገባብ እተዓቀባ መራኽብ እትርከቦ መብዛሕትኡ ጋለሪታት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣሕመድ ኣስዕብ ኣቢሉ " እቲ ቤተ-መዘክር ገና ብኸፊል ክፉት ኣብ ዝነበረሉውን ብዙሕ በጻሒ'የ ዘተኣናግድ ነይረ። ሕጂ እሞ ኸአ ብኹሉ ግምጁው ኮይኑ ብምህላዉ፡ ቱታንክሃሙን ምስ ተኸፍተ መላእ ዓለም ክውሕዝ ምዃኑ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ፣ ከመይሲ እዚ እቲ ካብ ጥንቲ እቲ ኣዝዩ ውሩይ ንጉስ ፈርኦን እዩ።" ይብል።

ነቲ ድሕሪ ሳልስቲ ብ4 ሕዳር ዝግበር ወጋዓዊ መኽፈቲ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ስፓኛዊ በጻሒ ሃገር ራውል "እዚ ክረአ ዘለዎ ነገር እዩ" ይብል።

ኣብ ግብጺ ዑደት ንምክያድ ዝጽበ ዘሎ ካልእ ነባሪ ለንደን፡ ሳም ብወገኑ ብህንጥዩነት "ንዅሉ ቅርስታት ግብጻውያን ክንርኢ ኢና እንጽበ ዘለና። ኣብ ህይወት ሓንሳብ ዝርከብ ኣጋጣሚ እዩ" ይብል።

ካልእ ብሪጣንያዊት በጻሒት ድማ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ኣብ ዝርከብ ዓቢ ቤተ-መዘክር ግብጺ ምርኢት ከም ዝረኣየት ትገልጽ።

"እቲ ኣረጊት ቤተ-መዘክር ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ ቍሩብ ድማ ዘደናግር እዩ። እዚ ዓብዪ ቤተ-መዘክር ግን ዝሓሸ ክኸውን ተስፋ እገብር' ትብል።

እቲ ሓድሽ ቤተ-መዘክር 500,000 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ገዚፍ እዩ። እዚ ድማ ዳርጋ 70 ሜዳ ዅዕሶ እግሪ እዩ። ደጋዊ ሸነኽ ብሃይሮግሊፍ እተሸፈነ ከምኡውን ፒራሚድ ቅርጺ ዘለዎ ስሉስ ኵርናዕ እተቘርጸ ኣላባስጥሮስ እተሸፈነ እዩ።

ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ (GEM ) መስተንክራዊ ዝገብሮ 3,200 ዓመት ዝዕድሚኡ 16 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓወልቲ እቲ ሓያል ፈርኦንን እቲ 11 ሜትሮ ዝቝመቱ ዓብዪ ሓወልቲ ራምሰስ ካልአይን ብምህላዉ እዩ።

እቲ ዓብዪ ሓወልቲ ኣብ 2006 ነቲ ሓድሽ ቤተመዘክር ንምድላው እዩ ኣብ ጥቓ ካይሮ ካብ ዝርከብ መደበር ባቡር ግዒዙ።

ጎኒ ጎኒ'ቲ ሓወልቲ ካልኦት ጥንታውያን ነገስታትን ንግስነታትን ድማ ሓደ ዓብዪ መደያይቦ ኣሎ። ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝተገብረ ዓብዪ መስኰት'ውን ንፒራሚዳት ጊዛ የርኢ።

እቲ ቤተ-መዘክር ንፈለማ ግዜ ብ1992 ኣብ እዋን ግዝኣት ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባራክ እዩ ተጀሚሩ።

ምህናጽ እቲ ቤተ መዘክር ኣብ 2005'ኳ ጀሚሩ እንተነበረ፡ እቲ ፕሮጀክት ብቝጠባዊ ቕልውላው፡ ኣብ 2011 ንሙባራክ ካብ ስልጣኑ ዘውረደን ንዓመታት ዝቕጸለ ዕግርግር ዘስዓበ ናይ ሃገራት ዓረብ ቅልውላው፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡውን ዞባዊ ኩናትን ንድሕሪት ክጎቶ ክኢሉ'ዩ።

ንነዊሕ እዋን ሚኒስተር ቱሪዝምን ጥንታዊ ቅርስታትን ግብጺ ዝነበረ ዶክተር ዛሂ ሃዋስ "ሕልመይ እዩ ነይሩ። እዚ ቤተ-መዘክር እዚ ኣብ መወዳእታ ክኽፈት ብምርኣየይ ኣዝየ ሕጉስየ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ምኩር ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ግብጻውያን ኣብ ኵዕታ ጥንታዊ ቅርሲ፡ ሓወልትታት ኣብ ምዕቃብ ከምኡውን ኣብያተ-መዘክር ኣብ ምቍጽጻር ምስ ወጻእተኛታት ማዕረ ምዃኖም የርኢ።

ዶክተር ሃዋስ ብምስዓብ "ሕጂ ክልተ ነገራት እየ ዝደሊ። ቀዳማይ ኣብያተ-መዘክራት እተሰርቀ ቅርሲ ምዕዳግ ከቋርጹ፡ ካልኣይ ድማ ሰለስተ ቅርስትታት ክመልስ ይደሊ - እምኒ ሮዜታ ካብ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ፡ ዞዲያክ ካብ ሉቭረ ከምኡውን ነፈርቲቲ ካብ በርሊን "ይብል።

እቲ ዶክተር ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ክታማት ዝሰሓበ ብኢንተርነት ዝቐርበ ጥርዓን ብምቛም ሰለስቲኦም ቅርስታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

ብ1799 እተረኽበ እምኒ ሮዜታ ንሃይሮግሊፍ ንምፍታሕ መፍትሕ ዝኾነ እዩ። ፈለማ ብሰራዊት ፈረንሳኳ እንተተረኽበ ብብሪጣንያውያን ከም ምርኮ ውግእ ተታሕዘ።

ፈረንሳዊት ጕጅለ ነቲ ደንደራ ዞዲያክ ዚበሃል ጥንታዊ ግብጻዊ ሰማያዊ ካርታ ብ1821 ካብቲ ኣብ ላዕለዋይ ግብጺ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ሃቶር ቈሪጻቶ።

ግብጺ ንጀርመናውያን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ፡ ንነፈርቲቲ ሰበይቲ ፈርኦን ግብጻዊ ኣኬናተን ቅድሚ ሓደ ዘመን ብኮንትሮባንድ ኣውጺኹሞ ኢላ ትኸስስ።

"ግብጺ ንዓለም ብዙሕ ህያባት ስለ ዝሃበት እዘን ሰለስተ ሃገራት እዚኣተን ብጽቡቕ ስምዒት ከም ህያብ ከምጽኣ ኢና ንደሊ" ይብል ዶክተር ሃዋስ።

ካልእ ተመራማሪት ታሪኽ ግብጺ ዶ/ር ሞኒካ ሃና'ውን ነቲ "ብመግዛእቲ እተወስደ" ነገራት ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ከም ዘለዎም ብምጥቃስ " ዓብዪ ቤተ - መዘክር ግብጺ (GEM) ግብጺ ነቲ ኣቕሓ ክምለስ ብወግዒ ንምሕታት ዕዮ ገዛኣ ከምወድአት ዘርኢ እዩ" ኢላ።

ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ግን "ካብ መንግስቲ ግብጺ እምኒ ሮዜታ ንምምላስ ወይ ንምልቃሕ ዝኾነ ወግዓዊ ሕቶ' ኸም ዘይተቐበለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብዛዕባ ግብጻውያን ዘጽንዑ ግብጻውያን ተመራመርቲ እቲ ሓድሽ ቤተ-መዘክር ማእከል ኣካዳምያዊ ምርምር ብምዃን ናብ ሓድሽ ርኽበታት ከም ዝመርሕ ይገልጹ።

ድሮ እቶም ኣብኡ ዝርከቡ ግብጻውያን ዓቀብቲ ቅርሲ ነቲ ቱታንክሃሙን ምስናይ'ቲ ካብ ዓለባን ቈርበትን እተሰርሐ ዘደንቕ ኣጽዋሩ ብጥንቃቐ ኣሐዲሶም።

ብመሰረት ሕጊ ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕዳስ ብግብጻውያን ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል ።

ዶክተር ታሬክ ታውፊክ ብምሉኡ እቲ ፕሮጀክት ምንጪ ዓብዪ ሃገራዊ ሓበን ምዃኑ ብምግላጽ፡

"ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መሳርሕትና በቲ እተገብረ ግሩም ዕዮ ምዕቃብ ኣድኒቖሞ እዮም።

ኣብ ርእሲ ታሪኽ ጥንታዊት ግብጺ፡ ነታ ነዚ ቤተ-መዘክር እዚ ዝሃነጸት ዘመናዊት ግብጺ'ውን ነርኢ ኣለና" ይብል ብሓበን።