ሕማም ረሲዕ ኣብ መንእሰያት ከም ዘጋጥም ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፒተር ኣለክሳንደር ኣብ 40ታት ክሊ ዕድመ ኣብ ዝነበረሉ ሕማም ረሲዕ (ዲመንሽያ) ከጥቅዖ ዘይጽበዮ እዩ።
ስርሑ ከቋርጽን ሓድሽ ኣነባብራ ክመሃርን ዘገደደ ሕማቕ ዕድል'ዩ ነይሩ።
እቲ ሕጂ ወዲ 56 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፒተር፡ ምስቲ ንኣረጋውያን ጥራይ ከም ዘጥቅዕ ኰይኑ ዝርአ ሕማም ዝተሓሓዝ ተነጽሎታት ንምብዳህ ይጽዕር ኣሎ።
"ከም ቀደመይ ገይረ ክገልጾ'ኳ እንተዘይክኣልኩ፡ ብውሽጠይ እቲ ናይ ቀደም ሰብ፡ ፒተር'የ ዘለኹ" ይብል።
ወዲ 49 ዓመት እንከሎ፡ ምስ ሓኪም ሓንጎልን መትንታትን (ኑሮሎጂስት) ቈጸራ ይሕዝ'ሞ፡ ስካን ክገብር ይንገሮ።
"ዕዮይ ኣብ ግዚኡ ምውዳእ ክጽገም ጀሚረ (ኣብ ስራሕ)፡ እዚ ግን ቅድሚኡ ዘጸግመኒ ኣይነበረን። ኣብ እዋን ኣኼባ'ውን ንክዛረብ ቃላት ክሓጽረኒ ጀሚሩ፡" ይብል።
ንሱ፡ ምስ ብዓልቲቤቱ ጂል ንክነብር ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ግዒዙ ኣሎ።
"እታ ዕለት ብንጹር'የ ዝዝክራ፡ 14 ጥሪ 2018 እያ ነይራ። ውጽኢት [መርመራ ስካን] መጺኡ፡ እቲ ሓኪም 'ፒተር፡ ሕማም ረሲዕ (ፍሮንቶተምፖራል ዲመንሺያ) ከምዘለካ ኣረጋጊጽና ኣለና' ኢሉኒ።"
"ብሓጺሩ፡ንክሰርሕ ውሕስነት ከም ዘይብለይ'ዩ ተነጊሩኒ፣ ምኽንያቱ ናይ ምምዝዛን ክእለተይ ጐደሎ ስለ ዝዀነ፡ ዘረባ ናይ ምቁጽጻር ክእለት'ውን እናሰኣንኩ እኸይድ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ነገር ከም ብሓድሽ ክለማመድ ነይሩኒ፡" ክብል የዘንቱ።
ብኻልእ መልክዕ'ውን ክግለጽ ይኽእል'ዩ
'ፍሮንቶተምፖራል ዲመንሺያ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም ረሲዕ፡ ዘይልሙድ ዓይነት ኰይኑ ምስ ባህርን ቋንቋን ዝተሓሓዝ ጸገማት ዘስዕብ'ዩ።
"ሕማም ረሲዕ ኣለካ ክብሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ምርሳዕ ነገራት ጥራይ ዝመስሎም ሰባት ኣለዉ፤ ግን ካብኡ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ኰይኑ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ይኽእል።
"ብፍሉይ ክጥመት ኣይደልን'የ፡ ሰባት ነቲ ሰብ ክርእዩ ኣለዎም፡ ክንዮ እቲ ሕማም።
"ዘሕዝን ነገር ግን፡ ንብዙሓት ሰባት እቲ መርመራ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብታ ኣሃዱ ስድራቤት ዘይትኣደነ ጸቕጢ ይፈጥር" ይብል ፒተር።
ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊት ዓይነት ሕማም ረሲዕ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ዝርአ ሕማም 'ኣልዛይመርስ' እዩ።
ሕማም ረሲዕ እንታይ'ዩ?
ሕማም ረሲዕ ምስ ምንቍልቋል ንጥፈታት ሓንጐል ዝተኣሰሰር 'ሲንድሮም' (ምትእስሳር ዘለዎም ዝተፈላለዩ ምልክታት) እዩ።
ምጥፋእ ዝኽሪ (ምርሳዕ) ሓደ ካብ ንቡር ምልክታት'ዩ፤ ብፍላይ ናይ ቀረባ ፍጻመታት ምዝካር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል።
ካልእ ምልክትታት ድማ፡ ናይ ባህሪ፡ መንፈስን ኣቀራርባን ለውጢ፡ ከምኡ'ውን እትፈልጦ ቦታ ክደናገረካ እንከሎ ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ ዕላል ትብሎ ክጠፍኣካ እንከሎ ይርከብዎም።
መዓስ ክትበልዕን ክትሰቲን ከም ዘለካ ክሳብ ዝጠፍኣካ ዝበጽሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ዋላ'ኳ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዓበይቲ ዝርአ ሕማም ተገይሩ ዝርአ እንተዀነ፡ 5 ሚእታዊት ናይቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ መንእሰያት ምዃኖም ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 55 ሚልዮን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ሕማም ረሲዕ ከም ዘለዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።
ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብኦም ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ እዮም።
እተን 70 ሚእታዊት ሓላፍነት ኣልያ ግዳያት ሕማም ረሲዕ ዝተሰከማ፡ በቲ ሕማምን ሳዕቤናቱን ዝያዳ ተጠቃዕቲ ምዃነን ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
ዓመታዊ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት እቲ ሕማም ከም ዝርከቦም'ውን ጸብጻባት እቲ ትካል የረድእ።
ኣብ 2019 ጥራይ፡ ብዓለም ደረጃ ንሕማም ረሲዕ ዝጠፍአ ወጻኢ 1.3 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ ነይሩ።
ቀንዲ ምልክታት ሕማም ረሲዕ
ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ክረኣዩ ዝኽእሉ ምልክታት ናይ ባህሪን መንፈስን ለውጢ'ዩ።
እዚ ቅድሚ ምርሳዕ ምጅማሩ ዝቕልቀል'ዩ።
እቶም ምልክታት ምስ ግዜ እናኸፍኡ ከም ዝኸዱን፡ ኣብ መወዳእታ፡ ግዳያት ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ሓገዝ ካልኦት ክሳብ ዝደልዩ ይዀኑ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ቀንዲ ምልክታት ዝብሎም፣
- ነገራት ወይ ናይ ቀረባ ፍጻመታት ምርሳዕ
- ነገራት ምጥፋእ ወይ ኣብ ዘይቦታኡ ምቕማጥ
- ብኣጋር ይኹን መኪና እናኸድካ ምጥፋእ
- ትፈልጦ ቦታ ከይተረፈ ክደናገረካ እንከሎ
- መቓን ግዜ ምጥፋእ
- ጸገማት ክትፈትሕ ይኹን ውሳነ ክትወስድ ዘይምኽኣል
- ልሙድ ዕማማት ክትፍጽም ዘይምኽኣል
- ኣብ መንጐ ነገራት ዘሎ ርሕቀት ምግማት ክትስእን እንከለኻ
ምስ ባህርን ጠባይን ዝተሓሓዝ ምልክታት ድማ፣
- ተርባጽ፡ ጓሂ ወይ ዝኽርኻ ብምስኣን ዝፍጠር ሕርቃን
- ለውጢ ውልቃዊ ኣቀራርባ ወይ መንነት
- ዘይንቡር ባህሪ
- ካብ ስራሕ ይኹን ማሕበራዊ ንጥፈታት ምስሓብ
- ናይ ካልኦት ሰባት ስምዒታት ኣብ ግምት ዘይምእታው ይጥቀሱ።
ክፍወስ ይኽእል ድዩ?
ሕማም ረሲዕ ዛጊት ፈውሲ የብሉን፤ እንተዀነ ንግዳያት ናይቲ ሕማም ንምድጋፍን ንምእላይን ብዙሕ ክግበር ይክኣል'ዩ።
እቲ ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ህይወቶም ንምምሕያሽን ጥዕናኦም ንምሕላውን ኣገዳሲ ተበግሶታት ክገብሩ ይኽእሉ'ዮም፣
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር
- ንሓንጎል ዘበራብሩን መዓልታዊ ተግባር ምፍጻም ዘኽእሉን ንጥፈታትን ማሕበራዊ ርክባት ምህላዉ
- ኣመጋግባ ምምሕያሽ
- ምትካኽ ሽጋራን መስተን ምቁራጽ
- ስሩዕ ሕክምናዊ ምክትታል ምግባር
- ኣገደስቲ ዕማማትን ቆጸራታትን ከይርስዑ ምጽሓፍ
- ደስ ዝብሉኻ ንጥፈታት ምቕጻል
- ኣእምሮኻ ንቑሕ ንምግባር ሓደስቲ ኣገባባት ምትእትታው
- ምስ መሓዙትን ቤተሰብን ግዜ ምሕላፍን፣ ኣካል ማሕበረሰብ ምዃንን
- ኵነታትካ እናገደደ ከይከደ እንከሎ፡ ኣቐዲምካ ውጥን ምውጻእን ኣገደስቲ ውሳነታት ምውሳድን'ውን ኣብ ኣልያ እወታዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብምኽሪን ትእዛዝን ሓካይም ንሳዕቤናት ምልክታት ንምቅላል መድሃኒት ክወስዱ ይኽእሉ።
ረሲዕ ንመንነትና ኣይገልጾን'ዩ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፒተር ምስ ገለ እቲ ሕማም ዘለዎም ነበርቲ ሰሜን ኣየርላንድ ብምትሕብባር ብዛዕባ ዝሓልፍዎ ናብራ ዘዘንቱ ፊልም ሰሪሖም ኣለዉ።
እታ 'ድምጽና ስምዑዎ' (Hear Our Voices) እትብል ሰነዳዊት ፊልም ነቶም ዕድመ ዘይደፍኡ ግዳያት ናይቲ ሕማም (young-onset dementia) ትዅረት ዝገበረት እያ።
እዛ ግዳያት ናይቲ ሕማም ንህይወት ብኸመይ ከም ዝሓልፍዎ እትትርኽ ፊልም ዝሓሸ ርድኢትን ምድንጋጽን ክትፈጥር ትጽቢት ይግበረላ።
ኣብታ ፊልም ቀንዲ ዝርአ ፒተር፡ ነቲ ዛንታ ባዕሉ'ዩ ዝትርኾ።
"ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት ነታ ፊልም ክሰርሑዋን ክቈጻጸሩዋን ክብሪ ተዋሂብዎም'ዩ፣ ዘለና ፍሉይ ብድሆታት ንምቅላሕ" ይብል ፒተር።
እታ ፊልም ሓያል መልእኽቲ ከም እተመሓላልፍ ሓኪም ስነኣእምሮ ዓበይቲ ዶ/ር ክሪስቶፈር ሳውዝወል ይምስክር።
ነታ ፊልም ዝሰርሑ ፒተርን ብጾቱን ብሰብመዚ ጥዕና ሰሜን ኣየርላንድ'ውን ናእዳን ኣፍልጦን ረኺቦም'ዮም።
ሓላፊ ክፍሊ ሕማም ረሲዕ ሰሜን ኣየርላንድ ካረን ኬር፡ ኣባላት ናይቲ ብዓል ፒተር ዘለውዎ ጕጅለ "ኣብ ግዚኡ መርመራ ክግበር" ሓያል ጐስጓስ ከም ዘካየዱ ይዛረብ።
"ካብ ከም ብዓል ፒተር ዝበሉ ሰባት ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት ንርእሶም ጥራይ ዘይኮነ ንዅሉ በቲ ሕማም ዝተጸልወ ድምጺ ከም ዘለዎም ዘመስክር'ዩ" ይብል።
ፒተር ብወገኑ፡ "ነቶም ከምዚ ከማይ ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት፡ ተስፋ ኣይትቝረጹልና፡ ድምጺ ኣለና፡ ረሲዕ ኣይገልጸናን'ዩ" ብምባል ይምሕጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







