ኵሎም ነበርታ ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ፍልይቲ ቁሸት

ፍራንሲስ ዋላ’ኳ ሕማም ኣልዛይመር እንተሃለዎ፡ ብዓቕሙ ህይወቱ ክቕጽል ቆሪጹ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ፍራንሲስ ዋላ’ኳ ሕማም ኣልዛይመር እንተሃለዎ፡ ብዓቕሙ ህይወቱ ክቕጽል ቆሪጹ ኣሎ

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ትርከብ ሓንቲ ቁሸት ፍልይ ዘብላ ነገር ኣሎ፡ ኵሎም ነበርታ ሕማም ዲመንሽያ ወይ ረሲዕነት ዘለዎም’ዮም።

ሕማም ዲመንሽያ ወይ ረሲዕነት ዘለዎ ሰብ ንመዓልታዊ ህይወቱን ንጥፈታቱን ብዝዕንቅፍ ደረጃ ናይ ምሕሳብ፡ ምዝካርን ምምዝዛን ክእለቱ ዝሰኣነ’ዩ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ትርከብ ቁሸት ድማ ላንዳይስ ኣልዛይመር ብዝብል ትጽዋዕ።

ኣብቲ ኣብ ቀንዲ ኣደባባይ ዝርከብ ድኳን፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣስቤዛ የቕርብ እምበር ገንዘብ ኣይቅበልን፤ ስለዚ ነበርቲ እታ ቁሸት ቦርሳኦም ምሓዝ ክዝክሩ ኣይግደዱን።

ሓረስታይ ነበር ፍራንሲስ ኣብቲ ድኳን መዓልታዊ ጋዜጣ ይገዝእ ነይሩ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኬድና ቡን ክንሰቲ ዓዲመዮ።

ፍራንሲስ ሕማም ኣልዛይመር ክንገሮ እንከሎ ዝነበረ ኵነታት እንታይ ይመስል ክብል ሓቲተዮ።

ብትካዘ ርእሱ እናነቕነቐ፡ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ሒደት ካልኢታት ጸኒሑ ድማ፡ "ኣዝዩ ከቢድ" ክብል መሊሱለይ።

'ናብራይ ክቕጽል’የ'

ኣቦኡ እውን ሕማም ኣልዛይመርስ ነይርዎ፣ ፍራንሲስ ግን ክሳዕ ሕጂ ስክፍታ የብሉን።

"ሞት ኣይፈርሕን፡ ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ ምምጽኡ ኣይተርፍን" ይብል።

"ዋላ እቲ ሕማም እንተሃለወ ናብራይ ክቕጽል’የ።"

"ኣብዚ ዘለኹ ንኽነብር’ዩ፣ ዋላ'ኳ ሓደ ዓይነት ህይወት እንተዘይኰነ" ክብል እምነቱ ይገልጽ።

"ኢድ እንተሂብካ ወዲእካ ኣለኻ። ስለዚ ብዓቕምኻ ምንባር ትቕጽል።"

ፊሊፕን ቪቭያንን ብዝተኻእሎም መጠን ንቡር ህይወት ይነብሩ
መግለጺ ስእሊ, ፊሊፕን ቪቭያንን ብዝተኻእሎም መጠን ንቡር ህይወት ይነብሩ

ካብቲ ድኳንን ቤት መግብን ብተወሳኺ ነበርቲ ናብ ትያትር ክኸዱን ኣብ ንጥፈታት ክጽንበሩን ይተባብዑ’ዮም።

ፊሊፕን ቪቭያንን ድርብ ክልቲኦም ሕማም ረሲዕነት ምስ ተነገሮም ብዝተኻእሎም መጠን ንቡር ህይወት ይቕጽሉ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

እታ ቁሸት ኣካል መጽናዕታዊ ፕሮጀክት እያ
መግለጺ ስእሊ, እታ ቁሸት ኣካል መጽናዕታዊ ፕሮጀክት እያ

"ጕዕዞ እግሪ ንገብር። ብእግርና ንኸይድ" ይብል ፊሊፕ ናብ ርሑቕ እናጠመተ።

ሕጕሳት ዲኹም ኢለ ምስ ሓተትክዎ ድማ፡ ብቕጽበት ርእሱ ኣቕኒዑ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታ፡ "እወ ኢና - ብሓቂ" ኢሉኒ።

ድሕሪኡ እቶም መጻምድቲ፡ ቡኖም ወዲኦም ዘምውቕ ክዳን ደሪቦም ናብቲ መናፈሻ ክኸዱ ወጺኦም።

መራሒየይ፡ ኣብታ ቁሸት ግዜ ብዝተፈለየ መንገዲ ከምዝሓልፍ ገሊጹለይ።

ንቈጸራ፡ ንዕዳጋን ንጽሬትን ተባሂሉ ዝውሰን ሰዓት የለን፣ ነበርቲ ብዝተኻእለ መጠን ነጻነት ቀስ ኢሉ ዝኸይድ ልኡም ህርመት ጥራይ እዩ ዘሎ።

እታ ቁሸት ብቐረባ ክትትል ይግበረላ፣ ፕሮፌሰር ሄለን ኣሚየቫ ድማ፡ ቀዳሞት ውጽኢታት ብሓቂ ኣብ መስርሕ እቲ ሕማም ጽልዋ ከምዘሕድር ትሕብር።

ፕሮፌሰር ኣሚየቫ፡ ስድራቤታት ኣዝማዶም ኣብታ ቁሸት ከምዝነብሩ ብምፍላጦም ናይ ገበን ስምዒት ትሑት ከምዝኸዎነ ትዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ኣሚየቫ፡ ስድራቤታት ኣዝማዶም ኣብታ ቁሸት ከምዝነብሩ ብምፍላጦም ናይ ገበን ስምዒት ትሑት ከምዝዀነ ትዛረብ

"ሰባት ናብ ሓደ ትካል ክኣትዉ ከለዉ፡ ቅልጡፍ ምንቍልቋል ኣእምሮ ከርእዩ ንዕዘብ ነይርና - ኣብዚ ትካል ግን ከምኡ ዓይነት ነገር ኣይርአን" ትብል።

"ሓደ ዓይነት ኣዝዩ ስሉጥ ፍልቀት ኢና ንርኢ ዘለና።"

"ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት፡ መስርሕ ክሊኒካዊ ውጽኢት ክጸልዉ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንኽንኣምን ገለ ምኽንያታት ኣለና" ክትብል ትውስኽ።

ብተወሳኺ ኣብ ስድራቤታት ናይ በደል ስምዒትን ጭንቀትን "ሓያል ምንካይ" ከምዝረኣዩ ትገልጽ።

ዶሚኒክ ነታ ኣብ መደቀሲ ክፍላ ኮፍ ኢላ ዘላ 89 ዓመት ዝዕድመኣ ኣደኣ ሞሪሰ እናጠመተት፡ "ሰላም ኣእምሮ ከምዘለዋን ውሑስነት ከምዘለዋን ስለዝፈልጥ፡ ኣእምሮይ ቀሲኑ ኣሎ" ትብል።

ዶሚኒክ ኣብ ዝደለየቶ እዋን ንኣዲኣ ሞሪሰት ክትሪኣ ትኽእል እያ
መግለጺ ስእሊ, ዶሚኒክ ኣብ ዝደለየቶ እዋን ንኣዲኣ ሞሪሰት ክትሪኣ ትኽእል እያ

ብኣሳእል ስድራቤት፡ ቅብኢታትን ኣቑሑ ገዛን ዝተመልአት ክፍላ፡ ናብ ጀርዲን ዝጥምት ዓቢ መስኮት ኣለዋ።

ናይ ምብጻሕ ሰዓታት ስለዘየለ፡ ሰባት ከም ድላዮም ይመጹን ይኸዱን። ዶሚኒክ፡ ንሳን ኣሓታን እቲ ክንክን ክሳብ ክንድዚ ጽቡቕ ክኸውን ትጽቢት ከምዘይነበሮም ትዛረብ።

"ገዲፈያ ክወጽእ ከለኹ ኣይርበሽን። ክመጽእ ከለኹ ድማ ኣብ ገዛኣ ከም ዘለኹ'ዩ ዝስምዓኒ - ምስ ኣደይ ኣብ ገዛ ከምዘለኹ" ትብል።

ነፍሲ ወከፍ ካብተን ሓደ ደርቢ ዘለወን ኣባይቲ፡ ኣስታት ሸሞንተ ነበርቲ ዝሓዛ ኰይነን፡ ናይ ሓባር ክሽነ፡ ሳሎንን መመገቢ ክፍልታትን ኣለወን።

ነበርቲ ናብቲ ብወለንተኛታት ዝቖመ ድኳን መዓልታዊ ክመጹ ይዕደሙ
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ናብቲ ብወለንተኛታት ዝቖመ ድኳን መዓልታዊ ክመጹ ይዕደሙ

ነበርቲ ዝተወሰነ ኣበርክቶ ክኸፍሉ እንከለዉ፡ እቲ ናይ ምሕደራ ወጻኢታት ግን ብቐንዱ በቲ ነታ ቁሸት ንምቛም 17 ሚልዮን ፓውንድ ዝኸፈለ ዞባዊ መንግስቲ ፈረንሳ ዝሽፈን እዩ።

ኣብ 2020 ክምስረት እንከላ፡ ብዓይነታ ካልኣይቲ፡ ኣካል መጽናዕታዊ ፕሮጀክት ብምዃን ድማ እንኮ ቁሸት እያ ነይራ።

ኣብ ዓለም ምስታ ቁሸት ዝመሳሰላ ካልኦት ደርዘን ከምዘይመልኣ ይሕሰብ።

እታ ቁሸት ግን ናይቶም ንሕማም ረሲዕነት መፍትሒ ዝደልዩ ኣካላት ተገዳስነት ክትስሕ ክኢላ’ያ።

ፓትሪሻ፡ ህይወት ኣብታ ቁሸት ሓቀኛ ህይወት እዩ ትብል
መግለጺ ስእሊ, ፓትሪሻ፡ ህይወት ኣብታ ቁሸት ሓቀኛ ህይወት እዩ ትብል

ኣብታ ቁሸት ዝርከብ እንዳ ጸጕሪ፡ ዝተሓጸበ ጸጉራ እተንቅጽ ዝነበረት 65 ዓመት ዝዕድመኣ ፓትሪሻ፡ ላንዳይስ ኣልዛይመር ህይወታ ከም ዝመለሰላ ትዛረብ።

"ኣብ ገዛ’የ ነይረ - ግን ይስልችወኒ ነይሩ" ትብል።

"መግቢ እተብስለለይ ሰራሕተኛ ነይራትኒ። ግን ሰልችዩኒ። ጽቡቕ ስምዒት ኣይነበረንን። ኣልዛይመርስ ቀሊል ከምዘይኰነ ስለዝፈልጥ ፈሪሐ ነይረ።"

ወሲኻ፡ "ኣብ ክሕግዘሉ ዝኽእል ቦታ ክኸውን ድሌት ነይሩኒ" ትብል።

"ምኽንያቱ ኣብ ካልኦት ትካላት ክንክን፡ ከምዚ ግበሩ፡ ነዚ ኣእትገበሩ’ዮም ዝብሉ - ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገብሩን።"

"ኣብዚ ግን፡ ናይ ብሓቂ ህይወት'ዩ። ሓቀኛ ክብል ከለኹ፡ ሓቀኛ ማለተይ'የ።"

ዓወት እታ ቁሸት ካብ ሓያል ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል
መግለጺ ስእሊ, ዓወት እታ ቁሸት ካብ ሓያል ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕማም ረሲዕነት ሰባት ከንጸሉ ክገበር ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ግን፡ ሰባት ንሓድሕዶም ክራኸቡን ኣብ ንጥፈታት ክጽንበሩን ካብ ልቢ ዝግደሱ’ዮም፤ ሓያል ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ዘሎ ይመስል።

ተመራመርቲ፡ እዚ ማሕበራዊ ባእታ’ዚ ኣካል ናይቲ ምስ ሕማም ረሲዕነት ዝያዳ ሕጉስን ጥዑይን ህይወት ንምንባር ዝሕግዝ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል የመልክቱ።

ኣብታ ቁሸት ኣስታት 120 ነበርቲን ክንድኡ ዝኣኽሉ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ይርከቡ፤ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ወለንተኛታት ኣለዉ።

እቲ ሕማም ፍወሳ ስለዘይብሉ ጨካን መጻኢ ዘይተርፍ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ነባሪ ሕማሙ እናገደደ ምስ ዝኸይድ ግን ዘድልዮም ደገፍ ይረኽቡ’ዮም።

እዚ ነቶም ነበርቲ ህይወት ክረምቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ግን ክረምቲ ዝያዳ ቀስ ኢሉ ከምዝመጽእን ኣብ መንገዲ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ከምዘሎን እዮም ዝኣምኑ።