ተበግሶ ቻይና ኣብ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብልጫታቱን

ቻይና፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ጸጥታዊ ብድሆታትን ግጭታትን ንምፍታሕ ዝዓለመ ዋዕላ ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዳ።

 ኣብቲ ባዕላ ዘስራሓቶ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 20 ክሳብ 21 ሰነ ዝተጋብአ “ቀዳማይ ዋዕላ ብቝዕ ምሕደራን ልምዓትን ቻይና-ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝተሰምየ ኣኼባ፡ ወከልቲ ቻይና፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲን ሶማልያን ተሳቲፎም ነይሮም።

ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ዘይምስታፋ ግን ንብዙሓት ተዓዘብቲ ግር ዘበለ ፍጻመ ኰይኑ’ሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኤርትራ ኣብቲ ብቻይና ዝዳሎ ዋዕላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃና ቃል ኣትዩ ነይሩ’ዩ። 

ስለ ምንታይ ክትሳተፍ ከም ዘይደለየት’ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ምትእትታው ምዕራባውያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣትሪራ ክትቃወሞ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ እንታይ’ዩ?

ኣብቲ ፈላሚ ኣኼባ ቻይናን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተሳተፉ ወከልቲ ሃገራት፡ ምክትል ሚኒስተራት፡ ኣምባሳደራት፡ ታሕተዎት ሚኒስተራት (ዲኤታ) ምንባሮም ኣብቲ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። ብወገን ቻይና ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዡ ቢንግ ተሳቲፉ።

ኣብቲ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ሰነድ፡ “ንዘላቒ ሰላም፡ ተኵሲ ዝሃድኣላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህናጽ” ዘለዎም ራእይ ከም ዘረጋገጹን ብምግላጽ፡ “ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ዞባ ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሑ” ከም ዝተረዳድኡ የመልክት።

“ተሳተፍቲ ወገናት ዘለዎም ፖለቲካዊ ምትእምማን ንምስሳን፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ናይቲ ዞባ ዘሎ ርክባት ንምምሕያሽን ዝለዓለ ደረጃ ጽምዶን ምሕያልን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ልዝብ ምክያድን ድሉዋት” ምዃኖም ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ “ዝለዓለ ደረጃ ጽምዶ” መዓስን ብደረጃ መንን ከምዝካየድ ግን እቶም ተሳተፍቲ ኣየነጸሩን።

ኵለን ተሳተፍቲ ሃገራት ኣባላት ናይቲ “ድኹም” ተባሂሉ ዝግለጽ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ምዃነን ይፍለጥ።

“ዲሞክራሲ፡ ሃገራዊ ሰላም፡ ምርግጋእን ልምዓትን ኣብ ምምጻእ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ኵሎም ዜጋታት ሃገራት 'ዚ ከባቢ፡ ጾታ፡ ዓሌት ወይ ፖለቲካዊ መርገጽ ብዘየገድስ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ክከኣል ምእንቲ፡ ተሳትፎኦም ኣብ ፖለቲካ ንምሕያል ክጣበቑ ተሰማሚዖም” ኢሉ።

ቻይና ብወገና፡ ኣብ ጥዕና፡ ድኽነት ንምንካይ ዝካየድ ሕርሻዊ ልምዓት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሓምለዋይ ልምዓትን ጸጥታን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ምስተን ሃገራት ከተካይዶ ዝጸንሐት ምትሕግጋዝ ከተዕምቘ ቃል ኣትያ’ላ።

ኣብ ዙርያ እቲ (“Two Axes Plus Two Coasts”) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ወደባትን መስመራትን (ጂቡቲ-ኣዲስ ኣበባ ከምኡ’ውን ሞምባሳ-ናይሮቢ) ንዝግበር ጻዕርታት ክትድግፎ ምዃና’ውን ቻይና ገሊጻ’ላ።

ተበግሶታት ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ኣበይ በጽሐ?

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ይዅን፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ከካይድዎም ዝጸንሑ ተበግሶታት መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽኡ ኣይክኣሉን።

እቲ ኣብ ፈለማ ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወሰደ ዝንገረሉ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኲናት ትግራይ ንምፍታሕ፡ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ፍሉይ ወኪል ገይሩ ድሕሪ ምምዛዙ፡ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብምምልላስ ክላዘብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኦባሳንጆ፡ እቲ መስርሕ “ተስፋ” ከም ዘለዎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብኣመሪካ ዝምራሕ ፈተነታት ምዕራባውያን ሃገራት’ውን፡ እንተኾነ ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ንምህዳእ፡ ከምኡ’ውን ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ፍሉያት ልኡኻት መዚዛ’ላ።

እንተዀነ፡ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ብተናጸል ዝተኻየደ ተነቃፊ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንተዘይኮይኑ፡ ሓደጋ ዳግማይ ውግእ ጠቕሊሉ ከወግድ ዝኽእል ስምምዕ ኣይተፈረመን።

ምስ ኬንያ ብምትሕብባር ተጻረርቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ዘተ ሰላም ዘካይድሉ ምርድዳእ ተበጺሑ’ኳ እንተሃለወ፡ ናበይ ከምርሕ’ዩ ብሕጂ ዝረአ’ዩ ክኸውን።

መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዛተዩ ድሉዋት ምዃኖምን፡ ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ከምዝሰዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ቈይሙ ከም ዘሎን ተዛሪቡ ኣሎ።

ኵነታት ሱዳን'ውን እንተኾነ፡ ዋላ’ኳ ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ሚያዝያ 2019 ንስርዓት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ እንተኣለዮ፡ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋራ ዝጀመረ ፓለቲካዊ መስርሕ ብወተሃደራዊ ዕልዋ በርዒኑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ሰራዊት ትርከብ ኣላ።

ኣብ ጉዳይ ዝምድና ቻይናን ሱዳንን መጽናዕቱ ዘካየደን ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ዝቕጽል ዘሎን፡ ክኢላ ዓለምለኻዊ ርክባት ኣቶ ተስፋኣለም ሃብተ፡ ከምዝብሎ፡ ዋላ’ኳ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ብቐንዱ ብውሽጣዊ ረቛሒታት ዝውሰን እንተዀነ፡ ተኣማንነት መንጐኛታት ወጻኢ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣመሪካ ከምዘይሻራዊት ኣቃራራቢት ኮይና ክትረኣ ዘለዋ ተኽእሎታት ትሕት ዝበለ ኮይኑ ይስመዓኒ” ይብል።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነታ ምስ ለውጢ ምምሕዳራታ ዝቀያየር ፖሊሲ ወጻኢ ዘለዋ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲታት ክነቕፋ ጸኒሐን’የን።

እታ ብዙሕ ተበግሶታት ሰላም ክትወስድ እትርአ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዞባ ቅልውላዋት ኣብ ምፍጣር’ውን ኣበርክቶ ከምዘለዋን፡ ንተራኣ ከምዝሓላልኾን’ዩ ኣቶ ተስፋኣለም ዝገልጽ።

እታ ኣብ ጂቡቲ፡ ነቲ ዞባ ዝከታተል ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራታ ናብታ ክሳብ ሎሚ ምርግጋእን ጸጥታዊ ውሕስነትን ከትፈጥር ዘይክኣለት ሶማልያ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

እዚ ምትእትታው እዚ ካብቲ ስንብራት ዝገደፈ ናይ ፈለማ 1990ታት ወተሃደራዊ ፍሽለት ኣመሪካ ዝተፈለየ ውጺት ዝህልዎ እንተኾይኑ፡ ኣብ መጻኢ ዝረአ ክኸውን’ዩ።

ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማልያ ብምርጫ ሓድሽ ፕረዚደንትን ድሕሪ ነዊሕ ዝወሰደ ምትፍናን ሰላማዊ ምስግጋር ንግዚኡ ሃዲኡ’ኳ እንተሎ፡ ብናይ ወጻኢ ሓይሊታት ዝሕሎ ንመጥቃዕትታት እስላማዊ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ክብድህ ዘይክእል መንግስቲ’ዩ ዘሎ።

ቻይናዊ ተበግሶን ብልጫታቱን

ብመንጽር ናይዚ ክርአ እንከሎ፡ እታ “ግብራውን ዘወሃሃድን” ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ከምእትኽተል ዝንገረላ ቻይና፡ ሃጓፍ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋንን ቦታን ኢዳ ከምእተእቱ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ኣብ ሱዳን ዝተኸተለቶ ፖሊሲ ከም ኣብነት ዝጠቅስ ኣቶ ተስፋኣለም፡ ኣብ ከባቢ 2003 ኣቢሉ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ብጉዳይ “ምጽናት ዓሌት” ዳርፉር ተኸሲሱ ግዳይ እገዳን ተነጽሎን ምስ ኮነ፡ ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ቦታ ተጠቒማ ዲፕሎማስያዊ ከውሊ ገይራትሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሸይጣትሉ፡ ካብኡ ሓሊፋ’ውን ኣብታ ሃገር ወፍርታታ ከተስፍሕ ጀሚራ።

ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ምስ ረኸበትን፡ 75 ሚእታዊት ናይቲ ሱዳን ትረኽቦ ዝነበረት ምስተዋህባን ግን፡ ተገዳስነት ቻይና ኣብ ሱዳን ላሕሊሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጥታት ከተካይድ ጀሚራ።

ኣብ ክሊ እዚ ድማ’ያ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ፡ ገና ናይ ኣመሪካን መሻርኽታን ተበግሶታት ዘገም እናለ እንከሎ “ቻይና ዲፕሎማስያዊ ኣገዳስነታ ንምርግጋጽ ትጸቓቐጥ ኣላ ክንብል ንኽእል” ይብል ተስፋኣለም።

“እዚ ቻይና ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ ብኣወንታዊ ዓይኒ ክርአ ዝኽእል ኰይኑ እስመዓኒ። ክሳብ ክንደይ ዕውት ይኸውን ዝበል ሕቶ ንምርኣይ ግን ብልክዕ ተታሒዞም ዘለዉ ተበግሶታት/እማመታት ሰላም እንታይ ይመስሉ? መን`ዮም`ከ ተዋሳእቱ ዝብል ሕቶ ምርኣይ ዘድሊ እመስለኒ።

“ንኣብነት ተራ ኤርትራ፡ ኣዕናዊ ዋላ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብኩራታ ኣብዚ ዋዕላ ኣቕሊልካ ዝረኣ ኣይኮነን” ድማ ይብል።

ሉኣላውነት ሃገራት ክኽበርን ኣብ ውሻጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲ ወጻኢ ስለእትኽተልን፡ ከምኡ’ውን ንእትህቦ ልምዓታዊ ደገፍን ልቓሕን ወይ ንግዳዊ ሽርክነት፡ “ዘይቅድመ-ኵነታዊ” ብምዃኑን ተበግሶ ቻይና ብልጫ ኣለዎ ክብሃል ከምዝክኣል ተንተንቲ ይሰማምዑሉ።

እንተዀነ፡ ገለ ምዕራባውያን ሃገራትን ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላትን፡ ቻይና ብውልቀመለኽትን ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝኽሰሱ ከይተረፈ ምስራሓ ክነቕፉ ይስምዑ።

ንምዕባለታት እቲ ዞባ ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ሓደ ዝኾነ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ከምዝብሎ፡ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ንረብሐን ብምቕዳም ንጸጋታት ድኻታት ሃገራት ብምግሓጥ ምስ መለኽቲ ስርዓታት ክማሓዘዋ ዝጸንሓ ስለዝዀና፡ ንቻይና ክወራዘያላ ከምዘይክእላ’ዩ ዝምጉት።

“በዚ መንጽር እዚ ክረአ እንከሎ፡ ኣካይዳ ቻይና ናይተን ምዕራባውያን ኣካይዳን ፍልልይ ዘለዎ ኣይኮነን” ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፡ ቻይና ነቲ ብ'በልት ኤንድ ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ተበግሶኣ ንምህናጽ ትሕተ-ቅርጺን፡ ምስተን ኣብቲ ዞባ ተመሳሳሊ ተበግሶታት ዝወስዱ ዘለዉ ወገናት (ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ሩስያን) ንምውድዳር ኣብ ግምት ብምእታው ተካይዶ ከምዘላ ይገልጽ፡ ዶ/ር መብራህቱ።

እቲ ካልእ ብልጫ ተበግሶታት ቻይና፡ “ንነብሳ ኵሉ ግዜ ከም ኣካል ናይተን ግዳይ መግዛእትን ዳግመ-መግዛእትን (colonialism and neo-colonialism) ዝዀና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ገይራ ብምቕራብ (እዚ ሓቂ ኰይኑ) ኵሉ ግዜ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ዳግመ-ሃጸይነት ከም ዘላ`ያ ትርአ። እዚ ድማ እምንቲ ኣቃራራቢት ኰይና ንኽትረአ ተወሳኺ ጸጋ ኮይኑ ይስመዓኒ” ይብል ተስፋኣለም።

እዞም ብልጫታት እዚኦም ኣብዚ ኣራግጽ ሓይልታት ወጻኢ ዝበዝሖ ዘይርጉእ ዞባ፡ ክሳብ ክንደይን ክዕወቱ’ዮም ግዜ ዝፈርዶ ክኸውን’ዩ።

ቻይና ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ምትእስሳር

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድናታትን ሽርክነትን እናሓየለ መጺኡ’ሎ።

እቲ ምትእስሳር፡ ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ኣብ ንግዲ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺታትን ልቓሕን ዝተሞርኮሰ’ዩ።

መብዛሕትኡ እቲ ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡርን ወደባትን ብምስራሕ፡ ኣብ ጸዓትን ኢንዱስትሪን ወፍሪ ብምግባርን 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሸቲቭ' ብዝብል ዝወሃብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ኣፍሪቃ ንመንግስታውን ብሕታውን ትካላት ቻይና፡ ከም ዕዳጋን ምንጪ ባህርያዊ ጸጋታትን ኰይና ትርከብ። ብዙሓት ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዕደና ተዋፊረን ይርከባ። ቀንዲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣፍሪቃ’ውን ቻይና እያ።

ቻይና፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝሃነጸቶ እንኮ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጂቡቲ ምህናጹ’ውን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ጐዶቦታቱን ዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ተገዳስነትን ጥሙሕን ዘመልክት’ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት፡ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር እናዓበየን እናሰፈሐን’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ዝበዝሐ ዕዳ ቻይና ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።

ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኢትዮጵያ ኣስታት 14 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ቻይና ኣዋህሊላ ነይራ።

ኣንጎላ 42.8 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይና ብምውሳድ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኬንያ ድማ ብ 9.8 ቢልዮን ኣብ ሳልሳይ ትርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ እቲ ልዑል ወለድ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዕዳ ዝኽፈለሉ ገደብ ግዜ ክናዋሕን ወለድ ናይቲ ክሳብ 2018 ዝተዋህለለ ዕዳ ክስረዝን ምስ ቻይና ስምምዕ ተገይሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ትካላት ህንጻ ቻይና ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተሳታፍነት’ዩ ጸኒሕወን።

ናብ ጂቡቲ ዝኣቱ መስመር ባቡር ይዅን ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንጸ መስመራት ባቡር ብኩባንያታት ህንጻ ቻይና’ዮም ተሰሪሖም።

ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት ተሌፎን’ውን እንተዀነ፡ ትካላት ቻይና ወሳኒ ተራ ክጻወታ ምጽንሐን ይጥቀስ።

ምስ ኤርትራ

ቻይናን ኤርትራን ካብ ነዊሕ ዝጀመረ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድና ከምዘለወን ይፍለጥ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓ ይግለጽ።

ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ይሳተፋ ነይረን'የን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ሓያሎ ኩባንያት ዕደና ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዳህሳሳት ይኹን ምውጻእ ማዕድናት ኢድ ከምዘለወን ይንገር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ኤርትራን ቻይናን ነቲ ብ'በልት ኤንድ ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት ሰነድ ምርድዳእ ፈሪመን።

ኣብ ዝሓለፋ ዓመት እታ ኣብ ተነጽሎ ዝጸንሐት ኤርትራ ብምዕራባውያን ሃገራት እገዳታት ክግበረላ እንከሎ፡ ቻይና ክትቃወሞ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ብድምጺ-ተዓቅቦ ክትከላኸለላ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ትምህርቲ፡ ቻይና ንምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ንምድጋፍ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 15 ተመሃሮ ክትወስድ ጀሚራ።

ካብ 2008 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣስታት 225 ኤርትራውያን ብመንግስቲ ቻይና ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ ምርካቦም ይፍለጥ።

ሓደ ካብኦም ኣብ ቻይና ናይ ዶክትረይት (ፒ-ኤች-ዲ) ዝተማህረን ኣብ ኣንግልያ ራስኪን ዩኒቨርስቲ ክኢላን ተመራማርን ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ እዩ።

ዋላ’ኳ ቻይና ንብዙሓት ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ኤርትራውያን ዓቢይ ዕድል እንተኸፈተት፡ ኣብ ገለ ክፍልታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ዘሎ ብዙሕነት ግን የጽብቦ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝወሃብ ዝነበረ ዕድላት ከምዝደረቶ ይዛረብ።

“ቻይና፡ ክንዮ ማህደረ-ትምህርቲ ምሃብ’ውን ብመንገዲ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸፈተቶ ኮንፊሺየስ ማእከል ቻይና፡ ባህላዊ ጽልውኣ ንምስፋሕ ትፍትን ኣላ” ይብል ዶ/ር ሳምሶን።

መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ቻይና ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠና ምውሳዱ፡ ስነልቦናውን ዲፕሎማስያውን ዋጋ ኣለዎ ዝብሉ’ውን ኣይሰኣኑን።

ኣብ ክልቲአን ሱዳን

ቁጠባዊ ርክብ ሱዳንን ቻይናን፡ ኣብ መወዳእታ 90ታት’ዩ ዝጅምር።

ኣብቲ እዋን፡ ንመራሒ ኣልቃዒዳ ቢን ላደን ኣዕቊባትሉ ዝነበረት እዋን፡ ካብ ምራባውያን ሃገራት እገዳታትን ተነጽሎን ምስ ኣጋጠማ፡ ቻይና ንሃብቲ ነዳዲ ሱዳን ንምምዕባል ዕድል ተኸፊቱላ።

ካብ 2003 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ፡ ንናይ ጸዓትን መጓዓዝያን ፕሮጀክትታት ዝውዕል ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ንሱዳን ሂባ።

ካብ 2011 ክሳብ 2018 ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ድማ 143 ሚልዮን ዶላር ንሱዳን ከምዘለቀሓታ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሕጀ’ውን፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ሃብቲ ነዳዲ ሱዳን እንተቋረጸ (ደቡብ ሱዳን ሃገር ድሕሪ ምዃና) ሓንቲ ካብ ቀንዲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ቻይና እያ።

ኩባንያታት ቻይና፡ ኣብ ዕደናን፡ ህንጻ ትሕተ-ቅርጺታት፡ ኣገልግሎትን ካልእ ክፋላት ቁጠባን ይሳተፋ ምህላወን ይፍለጥ።

ቀንዲ ዒላታት ነዳዲ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ብምንባሩ ግን፡ ድሕሪ 2011 ብጽሒታት ከንቆልቁል ግድን’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ 2011 ዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለ ኸኣ ንቻይና ኣንፈታ ናብቲ ነዳዲ ዝነበሮ ደቡብ ሱዳን ክትጠዊ ኣገዲዱዋ’ዩ።

ቻይና ድማ ቀንዲ ኣቕራቢት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ደቡብ ሱዳን ምዃና’ውን ስማ ምስቲ መዕገቲ ዘየተረኽበሉ ግጭታት ተተሓሒዙ ክለዓል ጸኒሑ’ዩ።

ቻይና፡ ሃብታን ሰባን ንምድሓን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ክትኣቱ ዝተገደደትሉ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ፈላሚ ተመኵሮ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ቻይና ምስተን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ (ጂቡቲ፡ ሶማልያን ዩጋንዳን’ውን) ቀሊል ዘይብሃል ቁጠባዊ ምትእስሳር ከምዘለዋ ይፍለጥ።