ታሪኻዊ በረራ፡ ብፍሉይ ነዳዲ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝሰገረት ዓባይ ነፋሪት

ብተሓዳሲ ነዳዲ ትሰርሕ ነፋሪት

ንፈለማ እዋን ዘይብክል ነዳዲ ዝተጠቕመት ነፋሪት ገያሾ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ሰጊራ ኣመሪካ ኣትያ።

እታ ብመንገዲ ኣየር ቨርጂን ኣትላንቲክ እትካየድ ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ሂትሮው ተበጊሳ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆን ኤፍ ከነዲ ብምዕላብ'ያ ታሪኽ ሰሪሓ ዘላ።

እቲ ብደገፍ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ፈላሚ በረራ ንመንገዲ ኣየራት ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ነቲ ንቡር በካሊ ነዳዲ ኣየር መተካእታ ከምዘለዎ ዘረጋገጸ እዩ ይብሃል ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ዋላ'ኳ ጽሩይ ነዳዲ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ተኽእሎ እንተሎ፡ እኹል ቀረብ ዘይምህላዉ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ በረራ ንሓደ እዋን ዝተኻየደን፡ ዝኸፈሉ ተጓዓዝቲ ዘይነበርዎን'ዩ ነይሩ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ሄንሪ ስሚዝ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ፍጻመ "ንኣቬሽን ብሪጣንያ ዓቢ ዓወት" ምዃኑ ገሊጹ።

ተሓዳስን ዘላቒን ነዳዲ ኣቪየሽን (SAF) ካብ ኣእካል፡ ጓሓፍ ገዛን ዘይቲ ብልዕን ዝኣመሰሉ ምንጭታት ዝርከብ'ዩ።

እታ ቦይንግ 787 ዝዓይነታ ነፋሪት 50 ቶን ተመሳሳሊ ጽሩይ ነዳዲ ተጠቒማ'ያ ነቲ ፈላሚ በረራ ኣካይዳ ዘላ። እቶም ክልተ ምንጭታት ናይቲ ዝተጻረየ ነዳዲ ናይ ጓሓፍ ስብሕታትን ዕፉን ኣመሪካን እዮም።

ድሕሪ ዝተገብረ ደቂቕ መርመራን ግምገማን ብሰብመዚ ሲቪል ኣቬሽን እቲ በረራ ክካየድ ፍቓድ ረኺቡ።

ኣብቲ ፕሮጀክት ሞተረታት ነፈርቲ ዝሰርሕ ትካል ሮልስ-ሮይስን ኩባንያ ነዳዲ ቢፒን ተሳቲፎም ነይሮም።

ዋላ'ኳ ኣቬሽን ኢንዱስትሪ ካብ በካሊ ካርቦን ክላቐቕ ዘጽግሞ'ዩ እንተ ተባህለ፡ ሓለፍቲ መንገዲ ኣየራት ግን እቲ ካብ ጽሩያት ምንጭታት ዝርከብ ነዳዲ ግን ክገላግሎም ከምዝኽእል'ዮም ዝምጉቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ከምዝበሎ፡ ነቲ ታሪኻዊ በረራ ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ዜሮ ልቀት ካርቦን ከምዘለዎ ምእማቱ ግን ሓቂ ኣይኮነን ብዝብል ተነቒፉ'ዩ።

ነቲ ሓድሽ ጽሩይ ዝተባህለ ነዳዲ ዝጥቀማ ነፈርቲ ሕጂ'ውን ምሉእ ብምሉእ ካርቦን ካብ ምልቃቕ ዝተገላገላ ኣይኮናን።

ዋና ኣካያዲ ቨርጂን ኣትላንቲክ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ በረራ "ካብ ፎሲል ዝርከብ ነዳዲ ብዘላቒ ነዳዲ ኣቬሽን ክትካእ ከምዝኽእል ዘረጋገጸ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን እኹል ቀረብ ናይቲ ጽሩይ ነዳዲ ዘይምህላዉ ብምግላጽ፡ ክቡር ምዃኑ'ውን ንዋጋታት በረራ ከምዘዕርጎ ጠቒሱ።

'ሳፍ' (SAF) ምስቲ ንቡር ነዳዲ ብምሕዋስ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ክጥቀመሉ ጸኒሑ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ 0.1 ሚእታዊት ናይቲ ነፈርቲ ዓለም ዝጥቀማሉ ዘለዋ መጠን ነዳዲ ምዃኑ ኣብ ምጉዳል ካርቦን ዘለዎ ኣበርክቶ ኣዝዩ ትሑት'ዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ እታ 100% ጽሩይ ነዳዲ ተጠቒማ ዝበረረት ነፋሪት ኣቓልቦ ኣቬሽን ዓለምን ተሓለቕቲ ክሊማን ስሒባ ዘላ።