ኣቑሑት ‘ሶላር’፡ ኣብ መጻኢ እምባ ጓሓፍ ክፈጥር ይኽእል'ዩ

ኩነታት ለውጢ ኣየር

ምንጪ ስእሊ, LAURENT JULLIAND

ኣብ መላእ ዓለም፡ ልቀት ካርበን ኣብ ምንካይ ወሳኒ መሳርሒ ኰይኖም ዘለዉ ካብ ጸሓይ ጸዓት ንምምንጫው ዘገልግሉ 'ሶላር ፓነላት'፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 25-30 ዓመት ዕድመ ኣለዎም።

ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ፓነላት ኣገልግሎቶም ምስ ኣብቅዐ ክድርበዩን ክቕየሩን ከምዘለዎም ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክኢላ ዳግመ-ምጥቃም ሶላር ፓነል ዝኾነ ዶክተር ሮንግ ደንግ፡ "ዓለም ልዕሊ ሓደ ቴራዋት ጸሓያዊ ጸዓት ተኺላ ኣላ። ተራ ሶላር ፓነላት ኣስታት 400W ዓቕሚ ኣለዎም። ስለዚ ንናሕስን ሶላር ፋርምን እንተቆጺርካዮ፡ ክሳብ 2.5 ቢልዮን ሶላር ፓነላት ክህሉ ይኽእል እዩ" ይብል።

ብመሰረት ጸብጻባት መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዓሰርተታት ሚልዮን ዝቑጸሩ ሶላር ፓነላት ኣለዉ። ግን ትሕተ ቅርጺ ምሕዳስን ኣገባብ ዳግማይ ምጥቃምን የለን።

ክኢላታት ጸዓት፡ መንግስቲ ንዝመጽእ ዓለማዊ ከባብያዊ ሓደጋ ንምክልኻል ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ይጽውዑ ኣለዉ።

ምክትል ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ተሓዳሲ ጸዓት ኮሊየር፡ "ሕጂ ስርዓት ዳግመ-ምጥቃም ከም ዝጅምር እንተዘይጌርና፡ ኣብ 2050 እምባ ጎሓፍ ክፍጠር'ዩ፡ " ይብል።

"ዝያዳ ሶላር ፓነላት ነፍሪ ኣለና - እዚ ድማ ብሉጽ'ዩ - ግን ነቲ ጎሓፍ ብኸመይ ክነወግዶ ኢና?" ክብል ይሓትት።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርታ ምሉእ ብምሉእ ዳግመ-ምጥቃም ሶላር ፓነላት ዘኽእል ፋብሪካ ኣብ ፈረንሳ ብወግዒ ኣብ ዝኽፈተሉ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዓቢ ስጉምቲ ክውሰድ ተስፋ ይግበር።

እቲ ነቲ ፋብሪካ ዝውንን ኩባንያ ዳግመ ምምስራሕ ጸሓያዊ ጸዓት ዝኾነ ሮሲ፡ ን99% ትሕዝቶ እቲ ፓነላት ዳግማይ ክጥቀመሉ ይትስፎ።

እቲ ሓድሽ ፋብሪካ፡ ብዘይካ'ቲ ጥርሙስን ፍሬም ኣሉሚንየምን ዳርጋ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓነላት ዝርከብ ክቡር ንብረት ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዘውዕል ከምዝኸውን ይግለጽ።

ብሩርን ነሓስን ገለ ካብቶም ኣብ ፓነላት ዝርከቡ ክቡራት ነገራት ኮይኖም ብቐሊሉ ዘይርከቡ እዮም።

ልምዳዊ ኣገባባት ዳግመ-ምጥቃም ሶላር ፓነላት ንመብዛሕትኡ ኣሉሚንየምን ጥርሙስን ይመልስ - ሮሲ ግን ብፍላይ እቲ ጥርሙስ ብተዛማዲ ትሑት ጽሬት ከም ዝህልዎ ይገልጽ።

ዓቕሚ ምፍራይ ጸሓያዊ ጸዓት ዓለም ኣብ 2021 ብ22% ዓብዩ እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 13,000 ፎቶቮልቴክ (PV) ሶላር ፓነላት- መብዛሕትኦም ኣብ ናሕሲ ናይ ብሕቲ ገዛውቲ ይግጠሙ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ጸሓያዊ ኣቑሑት ናብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ዕድመ ቅድሚ ምብጽሖም ብተዛማዲ ቁጠባዊ ረብሓ ዘይብሎም ይኾኑ።

ሓደስቲን ዝያዳ ውጽኢታውያንን ዲዛይናት በብእዋኑ ይምዕብሉ ኣለው።

ሕጂ ዘሎ ኣንፈታት ዕብየት ቀጻሊ እንተኾይኑ፡ መጠን ሶላር ፓነላት ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ሚስ ኮሊየር ትዛረብ።

"ኣብ 2030፡ ኣርባዕተ ሚልዮን ቶን [ጓሓፍ] ክህልወና እዩ ኢልና ንሓስብ - እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ 2050 ግን፡ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 200 ሚልዮን ቶን ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።"

ነዚ ኣብ ግምት ንምእታው፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ኣብ ዓመት ብድምር 400 ሚልዮን ቶን ፕላስቲክ ተፍሪ ኣላ።

ብድሆታት ዳግመ-ምጥቃም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክሳብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ንምስራሕን ዳግማይ ንምጥቃምን ዝሕግዝ ብዙሕ ጎሓፍ ኣይተርኣየን።

ፈረንሳ፡ ዛጊድ ኣብ ምውጋድ ጎሓፍ ሶላር ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ ምዃና ኒኮላስ ደፍረን ይገልጽ። ትካሉ ሶረን ምስ ሮሲን ካልኦት ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ መላእ ፈረንሳ፡ ዝኣረጉ ሶላር ፓነላት ኣብ ምውጋድ ንጥፈታት የወሃህድ።

ኣብ ሶረን ዝርከብ ጉጅለኡ፡ ነቲ ዝእክብዎ ነገራት ዳግማይ ንምጥቃም ዝተፈላለየ መገድታት ክፍትን ጸኒሑ'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ግሬኖብል ዝርከብ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ፋብሪካ ሮሲ፡ እቶም ሶላር ፓነላት ብሓይሊ ተፈላልዮም፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ክቡር ንብረት - ከም ነሓስ፣ ሲሊኮንን ብሩርን ንምምላስ ይስራሕ።

ነፍሲ ወከፍ ሶላር ፓነል ደቀቕቲ ቁርጽራጽ ናይዞም ክቡራት ንብረታት ጥራይ ዝሓዘ ኮይኑ እቶም ቁርጽራጻት ምስ ካልኦት ባእታታት ኣዝዮም ዝተሓዋወሱ ስለዝኾኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንምፍላይ ብቑጠባዊ መዳይ ዝጠቅም ኣይነበረን።

ኣዝዮም ክቡራት ስለዝኾኑ ግን፡ ነቶም ክቡራት ንዋት ብብቕዓት ምፍላይ፡ መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ከምዝኽእል ሚስተር ደፍረነ ይዛረብ።

"ልዕሊ 60% ካብቲ ዋጋ ኣብ 3% ክብደት ናይቶም ሶላር ፓነላት ይርከብ" ይብል።

ኣብ ሶረን ዝርከብ ጉጅለ፡ ኣብ መጻኢ፡ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ካብቲ ሓደስቲ ሶላር ፓነላት ንምስራሕ ዘድሊ ንብረት - ብሩር ሓዊሱ - ካብ ዝኣረገ ፓነላት ክምለስን ዳግማይ ክጥቀመሉን ይህቅን ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እንግሊዛውያን ሳይንቲስት ምስ ሮዚ ዝመሳሰል ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር፡ ሓደ ዓይነት ጨው ተጠቒሞም ካብ ፎቶቮልተይክ ፓነላት፡ ቁሩጽራጽ ብሩር ብኸመይ ከም ዝወጽእ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ክሳብ ሕጂ ግን ሮሲ ኣብቲ ዓውዲ፡ ስርሑ ናብ ደረጃ ኢንዱስትሪ ዘዕበየ እንኮ ኩባንያ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቴክኖሎጂ ክቡር እዩ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣምጻእቲ ወይ ኣፍረይቲ ሶላር ፓነላት፡ ብምጉሓፍ መልክዕ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ኣለዎም። ብዙሓት ድማ ነቲ ጎሓፍ ምጭፍላቕ ወይ ምቕንጣጥ ይፈትዉ - እዚ ድማ ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ።

ሚስተር ደፍረን፡ ጽዑቕ ዳግመ-ምጥቃም ሶላር ፓነላት ገና ኣብ ምጅማሩ ከምዘሎ ይኣምን። ሶረንን መሻርኽቱን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሕቲ 4,000 ቶን ኣብ ፈረንሳ ዝፈረየ ሶላር ፓነላት ዳግማይ ተጠቒሞም።

ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ናይ ምግባር ተኽእሎ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ተልእኾኡ ይገብሮ ኣሎ።

"ክብደት ናይ ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ዝተሸጡ ሓደስቲ ሶላር ፓነላት 232,000 ቶን እዩ ነይሩ - ስለዚ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን፡ ዓመት ዓመት ክንድዚ ክእከብ'ዩ።"

“ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ውልቃዊ ዕላማ፡ ፈረንሳ መራሒት እዚ ቴክኖሎጂ ምዃና ምርግጋጽ'ዩ።"