እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጫድ ሕቶ መርዓ ንዝነጽጕ ክትቀጽዕ እያ
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጫድ ኣብ እትርከብ ክልል ማንጋልመ፡ ሕቶ መርዓ ዝነጽጉ ሰባት መቕጻዕቲ ገንዘብ ክጽበዮም እዩ፡፡
እቲ መቕጻዕቲ ‘ኣምቺሊኒ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፡፡
ላዕለዋይ እስላማዊ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል፡ እቲ መቕጻዕቲ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ 23 ክሳብ 39 ዶላር ከምኡ'ውን ንደቂ ተባዕትዮ 15 ዶላር ክኸውን ወሲኑ ኣሎ፡፡
ሊግ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ጫድ ግን ‘ስቶፕኣምቺሊኒ’ ዝብል ሃሽታግ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምክያድ ንውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ ተቓዊሙ፡፡
እቲ ውሳነ ነቲ ሕጊ እታ ሃገር ዝህቦ ሓዳር ንምምስራት ፍቓደኛ ናይ ምዃን መሰል ዝጥሕስ እዩ ይብል፡፡
እስላማዊ ቤት ምኽሪ እታ ክልል፡ እቲ ዘውጽኦ ሕጊ ኣብ ቁርኣን ዝተመስረተ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ፡፡
ኣብ ጫድ ብዘይድልየት ዝፍጸም መርዓ ልሙድ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ይዀና፡፡
ዋላ'ኳ እታ ሃገር ኣብ 2015 ትሕቲ ዕድመ መርዓ ዝኽልክል ሕጊ እንተውጽአት፡ 60 ሚእታዊት ናይተን ካብ 20 ክሳብ 24 ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን ከይኣኸለ ዝተመርዓዋ ከምዝዀና ወግዓዊ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ፡፡