እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘላ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ እታ ኣብ ደቡብ ትግራይ ትርከብ ከተማ ኮረም፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ከም ትርከብ ንቢቢሲ ገሊፁ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ፈደራል ከምዝኣተዋ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ፕሮፌሰር ክንደያ፡ መንግስቲ ንከተማ ኮረም ከምዝተቖጻጸረ ምግላጹ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ "ሓይልታትና ኣብ ኮረም ኣለዉ" ክብል ብረቡዕ ምሸት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ'ውን ክንደያ ገብረሂወት ሓቢሩ።
ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መስመራት መራኸቢታት ብምቁራጹ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።
ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብሓይልታት ኤርትራ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም ነይሮም።
እቲ ኣብታ ክልል ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርዶ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ብሰኪ መጥቃዕቲታት ኣየርን ደብዳባት ከቢድ ብረትን ሲቪላውያን ከምዝሞቱን ሲቪላዊ ንብረት ከምዝዓነወን ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት በጺሑና ኣሎ" ኢሉ።
"ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ወይ ድማ ብፍላጥ ንሲቪላውያን ወይ ሲቪላዊ ንብረት ዒላማ ምግባር ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ' ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ዝርከቦም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህልቂት ከየስዕብ ዘለዎም ስግኣት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሞት ሲቪላውያን ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ብምንቃፍ ሰራዊቱ ኣብቲ ውግእ "ልዑል ጥንቃቐ" ይገብር ኣሎ ኢሉ።
ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ክልቲኦም ወገናት በይናዊ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ኣዊጆም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ውግእ ምውልዑ ይዝከር።
ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ሚዛን ሓይሊ ዓውደ ውግእ ክልቲኦም ሓይልታት ክቀያየር ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ሕዳር 2020 ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት 'ሰሜን እዝ' መጥቃዕቲ ከም ዝወሰደ ምስ ተኸሰሰ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ንመቐለ ተቐጻጺሮም።
ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ትግራይ ተወዲቡ ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከይተረፈ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ገስጊሱ ነይሩ።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኸውን በይናዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ውግእ ዝሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ነሓሰ ብዝጀመረ ውግእ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ መዓልታት ንከተማ ሽረ ተቘጻጺሮም ዳግም ንከተማ መቐለ ንምሓዝ ይግስግሱ ኣለው።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ናይ ክተት ኣዋጅ ብምቕጻል፡ ቃልሶም ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ደው ብምባል፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብቶም ኣስታት 5.4 ሚልዮን ተጸበይቲ ክበጽሕ ከፍቅዱ ክጽውዑ ምሕጽንታ ከቕርብ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎም ቅሩብነት እንተገለጹ፡ ውግእ ምቕጻሎም ነቲ ኩነታት ሓላሊኽዎ ይርከብ።