ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ‘ኣዛብእ ሬሳታት ይቕለቡ’

ኣብ ታሪኻዊት ትግራይ ዝተወልዐ ዘስካሕክሕ ኲናት፡ ኣዛብእ ሬሳታት ናይቶም ብነፈርቲ ኵናት ዝተሃርሙ ነበርቲ ዓድታትን ከተማታትን ይቕለቡ፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡትን መንእሰያት ደቀንስትዮን ናብ ሰራዊት ይውሕዙ፣ ህዝቢ ብጥሜት ይሃልቕ ኣሎ።

ብኣማኢት ኣሽሓት'ኳ እንተዘይኰኑ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ኵናት ይሕብሩ።

እቲ ክልል፡ ኣብ ሓደ እዋን በቲ ኣብ ኣኻውሕ ዝተሃንጸ ኣብያተ ክርስትያናቱ፡ ብቛንቋ ግእዝ ዝተጻሕፈ ጥንታዊ ድርሳናቱ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ እዩ ነይሩ።

ሕጂ ግን እታ ኣብ ታሪኽ ኣቢሲንያ ማእከል ስልጣነ ዝነበረት ትግራይ፡ ብሓደ ሸነኽ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሽርክነት ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሓይልታት ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ንምቍጽጻር ናብ ዝፋለሙላ ዓውደ ውግእ ተቐይራ ኣላ።

ትግራይ፡ ን17 ኣዋርሕ ብዘይ ኣገልግሎት ባንክ፡ መራኸቢታት ተሌፎንን ኢንተርነትን ከምኡ'ውን ቀረብ ዕዳጋን ሃለኽትን ኣብ ዕጽዋን ከበባን እያ ትርከብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ሚዛን ሓይሊ ዓውደ ውግእ ክልቲኦም ሓይልታት ክቀያየር ጸኒሑ ኣሎ፤

  • ኣብ ሕዳር 2020 ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከም ዝወሰደ ምስ ተኸሰሰ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ንመቐለ ተቐጻጺሮም
  • ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ትግራይ ተወዲቡ ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከይተረፈ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ገስጊሱ ነይሩ
  • ንዝሓለፈ መንፈቕ ዝኸውን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ እቲ ውግእ ዝሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ነሓሰ ብዝጀመረ ውግእ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ መዓልታት ንከተማ ሽረ ተቘጻጺሮም ዳግም ንከተማ መቐለ ንምሓዝ ይግስግሱ ኣለው

ዳይሬክተር ፋውንደሽን ሰላም ዓለም ኣሌክስ ደ ዋል፡ "ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ብውሕዱ 500,000 ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣስታት 200,000 ሰራዊት ትግራይ ይዋግኡ ኣለው" ይብል።

ኣብዚ ንልዕሊ 50 መዓልታት ብዘይ ምቍራጽ ዝተኻየደ ውግእ፡ ሰራዊት ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ተተኳሲ ንከተማ ሽረ ዝከላኸል መስመሩ ክዕቅቦ ከም ዘይክኣለ እውን ሓቢሩ።

ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽረን ካልኦት ዝተቘጻጸረን ከባቢታትን ረድኤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህብን ቃል እንተኣተወ፡ "እዚ [ምንስሓብ] ንሰላማውያን ሰባት ኣደዳ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዓጸቦን ስለ ዝገብሮም ንተጋሩ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ፡” ይብል።

ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ከተማ ሽረ ብኲናት ካብ ዝተሃሰየ ከባቢ ዝወሓዙ ኣስታት 600,000 ሰላማውያን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ከም ዝርከቡ ብምግላጽ፡ እታ ከተማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብግልጺ እተርኢ እያ ክብል ተዛሪቡ።

"ልዕሊ 120,000 ሰባት ኣብ መሮር፡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብን ቈጣቝጥን ተዓቚቦም ኣለው።"

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከተማ ሽረ ብከቢድ ብረት ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ተደብደበት ዳርጋ ኵሎም ትካላት ግብረ ሰናይ ካብታ ከተማ ወጺኦም።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ሸረ እውን ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወደቐ ካልእ ቦታታት ካብ ዘጋጠመ ግፍዒ ስለ ዝፈርሑ፡ ካብታ ከተማ ይሃድሙ ኣለዉ።

"ኣብ መስከረም፡ ሺምብሊና ኣብ እትበሃል ቊሸት 46 ሰባት ተታሒዞም ብሓባር ከም ዝተቐትሉ ኣርባዕተ መሰኻኽር ሓቢሮም። ካልኦት ነበርቲ እታ ቝሸት ድማ ኣካላቶም ምስ ሬሳታት እንስሳ ዘቤት ተሓዋዊሱ ረኺቦምዎ" ክብል ይገልጽ።

ወሲኹ፡ "ንገሊኡ እቲ ሬሳታት ኣዛብእ ስለ ዝበልዑዎ እቶም ግዳያት መነ መን ምዃኖም ተኸዲኖምዎ ብዝነበሩ ክዳን እዮም ተፈሊጦም። እቶም መሰኻኽር ነቲ ሬሳ ክቐብርዎ ግዜ ስለ ዘይነበሮም፡ ክሳብ ሽዑ እቶም ኣዛብእ በሊዖም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ'ዮም ዝገልጹ፡” ኢሉ።

እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ እቲ ግፍዒ ዝያዳ ዘምርሮ መብዛሕትኦም እቶም ብጃምላ ዝተቐትሉ ግዳያት ኣብቲ ግጭት ዘይተሳተፉ ካብ ንእሽቶ ዓሌት ኩናማ ምዃኖም’ዩ ክብል ገሊጹ።

"ክልቲኦም ወገናት [ኣብ ውግእ] ወተሃደራት ክኸስሩ እንከለው ሕርቃኖም ኣብ ነበርቲ እቲ ቝሸት እዮም ዘውጽእዎ፡” ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ እውን ናብ ቦታኦም ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ተኸሲሶም እዮም።

እታ ሸውዓተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ትግራይ፡ ኣብቲ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ክልል እያ።

ግዜኡ ዝሓለፎ ኲናት

ብዘይካ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ኵሎም እቶም ንሓድሕዶም ዝዋጋኡ ዘለዉ ሓይልታት፡ ኣብዚ ውግእ ጸብለልታ ንምርካብ፡ "ሰብኣዊ ማዕበል" ከም ስልቲ ኵናት ይጥቀሙ ብምህላዎም ይኽሰሱ እዮም።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ "ሰባት ናብ ሰራዊት ምስ ተኸትቡ ድሕሪ ናይ ሒደት ሰሙናት ስልጠና ነታጒ ብዘለዎ ቦታ ናብ ዕርዲ ጸላኢኦም ከጥቅዑ ይለኣኹ።

"ጸላኢኦም ብዝፍንወሎም ጠያይቲ ብዙሓት ይሞቱ፤ ይዅን እምበር እቲ ኣንጻሮም ዝዋጋእ ዘሎ ተተኳሲ ክሳብ ዝውድእን ንዕርድታቱ ዝቈጻጸሩን ብማዕበል ይመጽኡ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ከምዚ ዓይነት ውግእ ግዜኡ ዝሓለፎ'ዩ፤ ንጉስ ኣቢሲንያ [ሚኒሊክ] ብ1890ታት ንወረርቲ ጥልያን ንምስዓር ንፈለማ ዝተጠቕመሉ ስልቲ እዩ። ኢጣልያውያን ናይ ሓይሊ ኣየር ጸብለልታ'ኳ እንተነበሮም፡ ብብዝሒ ሰራዊት ተዓብሊሎም ተሳዒሮም" ይብል ።

ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ በዚ ሜላ እዚ ዝካየድ ውግእ ኣኽሳሪ ብምዃኑ ኣብዚ ክልተ ዓመቱ ዝገማገም ዘሎ ውግእ ካብ 700,000 ክሳዕ 800,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት።

"እዚ ውግእ’ዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ዝተገብረ ውግኣት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ተቐማጢ ኣሜሪካ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፈይሰል ሮብለ፡ ተጋሩ ህዝባዊ ማዕበል ተጠቒሞም እዮም ንዝብል ዘረባ'ኳ እንተዘይተቐበሎ ብዛዕባ ብዝሒ ሞት ዘለዎ ግምት ግን ካብ ናይ ዓብዱራሕማን ብዙሕ ዝፍለ ኣይኰነን።

"ኣብቲ ቀዳማይ ክልተ ክፋል እቲ ውግእ፡ ኣስታት 500,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣብዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግእ ከኣ ክሳብ 100,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ኣቶ ሮብለ ወሲኹ፡ ሰራዊት ትግራይ ብግቡእ ዝሰልጠነን ናይ ምውጋእ ልባዊ ድሌት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ክልተ ብልጫታት ኣለዎ፤ ብዝሒ ሰብን ሓይሊ ኣየርን ኢሉ።

“ሕጂ ኣምባሳደር ኰይኑ ዝዓዩ ዘሎ ሓደ ጀነራል፡ ኣብ ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ክዕልሙ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ነፈርቲ ኵናትን ውጺኢታውያን ዝዀና ናይ ቱርኪ ድሮናትን እውን ኣለዎ። ተጋሩ ግን ሓይሊ ኣየር የብሎምን "ይብል ።

ከተማታት ትግራይ ካብ ኣስመራ ርሑቓት ስለ ዘይኰና፡ መአዘዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ቢሾፍቱ ናብ ከተማ ኣስመራ ግዒዙ ኣሎ።

እተን ነፈርቲ ድማ፡ ካብ ኣስመራ እየን ዝበራ ዘለዋ ኢሉ።

"እተን ድሮናት ካብ ቢሾፍቱ ይግዕዛ ኣለዋ" ይብል ሮብለ ።

ሕዱር ቁርቁስን ህልኽን

ኤርትራ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኣተወትሉ ቀንዲ ምኽንያት ንህወሓት ከም ጸላኢ ስለ እትርእዮ እዩ።

ህወሓት፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ክሳብ ዝሕዝ፡ ንልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት ኢህወደግ ብመሪሕነት ይመርሕ ነይሩ።

ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ክልተ ዓመት፡ ህይወት ኣስታት 80,000 ሰባት ዘጥፍአ ናይ ዶብ ኲናት ኣካይደን እየን።

ድሕሪ እቲ ውግእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ንኤርትራ ካብ ዝፈረዶ መሬት ምውጻእ ኣብዩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ማእከላይ ስልጣን ዝተኣልየ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ውግእ ምስ ኣተወ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ህወሓት ዳግም ስግኣት ንከይኮኖ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ንምሕጋዝ ወሲኑ ተላዒሉ።

ነቲ ተታሒዙ ዝነበረ መሬት ከኣ ቀልጢፉ ኣምሊሱዎ።

"እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘተሓሳስቦ ጉዳይ፡ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ስልጣን ከይሕዝን፡ እታ ክልል መስኮት ባሕሪ ስለ ዘይብላ፡ ኣብ ኣስመራ ኣፍደገ ባሕሪ ዝህቦ ናይ ሳተላይት መንግስቲ ከይተክልን እዩ" ይብል ዓብዱራሕማን ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንቲ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ካብ ሰራዊት ዝዀብለሉን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዘይደለዩን ንምህዳን ጽዑቕ ግፋ የካይድ ከም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብዙሓት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትበሃል ዓዲ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ንመዘምራንን ተመሃሮ እምነትን ገፊፎም ወሲዶምዎም።

ፕሮፈሰር ደ ዋል ከም ዝብሎ፡ እቲ ኢሳይያስ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ ተቐባልነት ከም ዘይበሉ ዘርኢ እዩ።

ይዅን እምበር ናብ ትግራይ ብዝሒ ሰራዊት ኣየዋፈረን።

"ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣሃዱታት ኣለዋ። እንተዀነ መብዛሕትኡ እቲ ኲናት ብሓይልታት ኢትዮጵያ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኢሳይያስ፡ ኣቢይ ብኸመይ ክዕወት ከም ዝኽእል ከርኢ ይኽእል እየ ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ ነቲ ውግእ ዘካይዶ ዘሎ። ይዅን እምበር፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ህሞት ስለ ዘሎ ብኻራሩን ደናጉላን ከይተረፈ ክዋጋእ እዩ"ኢሉ።

ተስፋ ዘይብሉ ዝርርብ

ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ እቲ ውግእ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ግንባራት እዩ ይካየድ ከም ዘሎን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ኣብ ጥቓ ከተማ ዓዲግራት ትግራይ ዓስኪሮም ከም ዘለው ይገልጽ።

“ናብ ዓዲግራትን መቐለን መጥቃዕቲ ንምፍናው ተዳልዮም ኣለው" ኢሉ።

ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝነበሩ ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኦም ካብ ሽረ ተበጊሶም፡ ናብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም፡ ናብ ዓድዋ ከምኡ እውን ናብ ዓዲግራት ገጾም ብምግስጋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ይግዕዙ ከለዉ የመልክት።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ግጭት ብሰላም ክፈትሕዎ ተሪር ምሕጽንታ ከቕርቡሎም እኳ እንተ ጸንሑ፡ ዓብዱራሕማን ግን እቲ ናይ ሰላም ዘተ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ዝግምት።

"ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ገዛእቲ ደርብታት ኣቢሲንያ፡ ሕጂ ድማ ኢትዮጵያ፡ ወትሩ ስልጣን ንምቍጽጻር እዮም ዝቃለሱ። ካልእ ንጉስ መጺኡ ስልጣን ክሳብ ዝርከብ ሓደ ንጉስ፡ ናይ ኵሎም ነገስታት፡ ሓያል ንጉስ ነገስታት ኰይኑ እዩ ዝገዝእ። ንሓደ ጕዳይ ብሰላም ናይ ምፍታሕ ልምዲ የልቦን። ኵሉ ሳዕ ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ ንጸላኢኻ ብስዕረት ምምብርካኽ ባህሊ እዩ ዘሎ" ይብል።

ፕሮፈሰር ደ ዋል፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ንምባል ሓያል ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ካብኡ ተረፈ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጃምላዊ ጥሜትን ህልቂትን እንተጋጠመ ዘገርም ኣይኰነን" ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ጕጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቤልጅም፡ እቲ ውግእ ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር ከሳብ ሕጂ ልዕሊ 250,000 ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብጥሜትን ምስ ጥሜትን ዓጸቦን ብዝተሓሓዝ ጠንቅታትን ከም ዝሞቱ ግምታ ኣስፊሩ ኣሎ።

"እዚ እዋን ዓጺድ ዝጅምረሉ ወቕቲ እዩ። እንተዀነ ብሰራዊት ኤርትራ ዝምራሕ ሰራዊት ንምድረ ትግራይ የባድማ ኣሎ።"