ፖሊስ ግብጺ፡ መቋጸሪ መተግበሪታት ተጠቒሙ ብኸመይ ንሕደጾታውያን ይሃድን ኣሎ?

ኣብ ግብጺ ሕደጾታነት ኣዝዩ ነውሪ እዩ፤ ፖሊስ ብኢንተርነት ተጠቒሙ ኤልጂቢቲ ንዝኾኑ ሰባት ይሃድኑ ኣለዉ ዝብል ክስታት ንነዊሕ እዋን ክቐርቡ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ቢቢሲ ኒውስ፡ ሰበስልጣን ነዚ ንምግባር ከመይ ጌሮም መቋጸሪ ማሕበራዊ መተግበሪታት ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ዘርኢ መርትዖ ረኺቡ ኣሎ።

ኣስማት ኩሎም ግዳያት ተቐይሩ እዩ።

ኣብ ግብጺ ስለ ዝዓበኹ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ሕብረተሰብ እታ ሃገር ዘሎ ጽልኢ ሕደጾታውያን እፈልጦ እየ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣዕሩኽተይ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘሎ ሃዋህው ኣዝዩ ኣረሜናዊ ከም ዝኾነን ንኤልጂቢቲ ሰባት ንምድላይ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ድማ ዝያዳ ከም ዝተራቐቐን ነጊሮምኒ።

ኣብ ግብጺ ሕደጾታውያን ዝቃወም ንጹር ሕጊ የለን፡ መርመራና ግን ገበን " ዝሙት" - ሕጊ ስራሕ ጾታዊ ርክብ - ንማሕበረሰብ ኤልጂቢቲ ገበነኛ ንምግባር ይውዕል ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ንፖሊስ ዝቐረቡ ጸብጻባት ማእሰርቲ፡ ኣባላት ፖሊስ ከመይ ጌሮም ብኢንተርነት ንኤልጂቢቲ ሰባት ይሃድኑ ከም ዘለዉን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ኣንጻሮም መርትዖ ይስንዑ እዮም ዝበሃልን የመልክቱ።

እቶም ጸብጻባት፡ ፖሊስ ምስ ዒላማታቶም ብኸመይ ናይ ጽሑፍ ዕላል ከም ዘበግሱ ይሕብሩ።

ኣብ መንጎ ሓደ ሚስጥራዊ ፖሊስን ሓደ ሁዝሂር ዝበሃል ናይ መቋጸሪ መተግበሪ ዝጥቀም ሰብን ዝተገብረ ሓደ ናይ ጽሑፍ ዕላል፡ እቲ ፖሊስ ነቲ ተጠቃሚ ብኣካል ንኽራኸቡ ጸቕጢ ዝገብረሉ ዘሎ ይመስል፤ እቲ ሰብ ድሒሩ ተታሒዙ’ዩ።

ፖሊስ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ደቂስካ ዲኻ?

ተጠቃሚ፡ እወ

ፖሊስ፡ እሞ ዘይንራኸብ?

ተጠቃሚ ኣፕ፡ ኣነ ግን ምስ ማማን ባባን እየ ዝነብር

ፖሊስ፡ መዓረይ ኣይትሕፈር፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ ተራኺብና ድሕሪኡ ናብ ገዛይ ክንከይድ ንኽእል ኢና።

ንኽሕተሙ ኣዝዮም ግሉጻት ዝኾኑ ዝያዳ ኣብነታት ኣለዉ።

ኣብ ግብጺ፡ ኤልጂቢቲ ሰባት ብግልጺ ህዝቢ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ሰባት ክቋጸሩ ይጽገሙ እዮም። ስለዚ ነዚ ንምግባር ናይ መቋጸሪ መተግበሪታት ህቡብ መገዲ እዩ።

ግን ኣብ ግብጺ፡ ነዞም መተግበሪታት ምጥቃም ጥራይ - ጾታ እቲ ተጠቃሚ ብዘየገድስ - መሰረት ሕግታት ምልዕዓል ዝሙት ወይ ህዝባዊ ስነ-ምግባር ንማእሰርቲ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ዒላማ ዝግበሩ ዘለዉ ግብጻውያን ጥራይ ኣይኮኑን። ኣብ ሓደ ጸብጻብ፡ ፖሊስ ኣብቲ ግሪንድር ዝበሃል ሕደጾታውያን ዝጥቀሙሉ ህቡብ ናይ መቋጸሪ መተግበሪ፡ ንሓደ ማት ኢልና እንጽውዖ ወጻእተኛ ምልላዮም ይገልጹ። ብድሕሪኡ ሓደ ሓባሪ ፖሊስ ምስ ማት ዕላል ጀሚሩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ማት "ብነጻ ዝሙት ንምፍጻም ዘለዎ ድልውነት ተኣሚኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሱን ኣካላቱን ስእሊ ድማ ሰዲዱ።"

ማት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብድሕሪ'ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ፡ "ብዝሙት" ከም ዝተኸሰሰን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ዝተጠረዘን ገሊጹ።

ኣብ ገለ ካብቶም ጸብጻባት፡ ፖሊስ ነቶም ክቋጸሩ ወይ ሓድሽ ዕርክነት ክጅምሩ ጥራይ ዝደልዩ ዝመስሉ ሰባት፡ ብገንዘብ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ንኽሰማምዑ ጸቕጢ ክገብሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ይመስሉ።

ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ክኢላታት ሕጊ፡ ገንዘብ ምልውዋጥ ከም ዝነበረ፡ ወይ ንምልውዋጥ ስምምዕ ከም ዝተገብረ ምርግጋጽ፡ ነቶም ሰበስልጣን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንምውሳድ ዘድልዮም መበገሲ ክህቦም ከም ዝኽእል ነጊሮሙና።

ኣብቶም ጸብጻባት ዝረኸብናዮ ሓደ ካብቶም ግዳያት፡ ሌት ኢልና ንጽውዕ ሕደጾታዊ እዩ። ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ካብ ቁጽሪ ተሌፎን ዓርኩ መልእኽቲ ተላኢኹሉ።

"ሰላም ከመይ ኣለኻ?" ይብል እቲ መልእኽቲ። እቲ "ዓርኩ" ንክራኸቡ ሓተቲ።

ሌት ናብቲ ዝተቛጸሩሉ ቦታ ምስ ከደ ግን እቲ ዓርኩ ኣሰሩ የለን። ኣብ ክንድኡ ፖሊስ ተቐቢሎምዎ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ።

ሓደ ፖሊስ ኣብ ቅልጽሙ ሽጋራ ከም ዘጥፈአ፡ ነቲ በሰላ እናርኣየ ነጊሩና።

"ኣብ ህይወተይ ንነብሰይ ክቐትል ዝፈተንኩሉ እንኮ ግዜ እዩ ነይሩ" ይብል ሌት።

ብድሕሪኡ ፖሊስ ኣብ ኣፕ ሁዝሂር ናይ ሓሶት ፕሮፋይል ሰሪሖምሉ፡ ስእልታቱ ድማ ግሉጽ ንኽመስሉ ብዲጂታል መንገዲ ከም ዝተሰንዑ ይዛረብ። ብድሕሪኡ ኣብቲ መተግበሪ ጾታዊ ስራሕ ከም ዝሰርሕ ዘርእዩ ናይ ሓሶት ዕላል ከም ዘዳለዉ ይገልጽ።

ካልኦት ሰለስተ ሰባት’ውን፡ ፖሊስ ምስ ጉዳዮም ብዝተኣሳሰር ክናዘዙ ከም ዘገደዶም ወይ ናይ ሓሶት ኑዛዜ ከም ዘዳለወ ገሊጾምልና።

ሌት፡ ብ"ልሙድ ዝሙት" ንሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ፡ ይግባይ ምስ ሓተተ ድማ ናብ ሓደ ወርሒ ተቐኒሱ። ንሱ፡ ፖሊስ ብዛዕባ ካልኦት ዝፈልጦም ሕደጾታውያን ሓበሬታ ክህቦም ፈተነ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ።

መንግስቲ ግብጺ፡ ሕደጾታውያን ንምህዳን ብኢንተርነት ዝግበር ክትታል ከም ዝጥቀም ብግልጺ ይሕብር።

ኣብ 2020፡ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ገበናት ኢንተርነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝነበረ ኣሕመድ ታሄር፡ ንጋዜጣ ኣህል ማስር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ ሓፋሽ ናይ ጉጅለ ጾታዊ ርክብ ድግሳትን ሕደጾታዊ ምትእኽኻባትን ንምቕላዕ ኣብ ቨርቹዋል ዓለም ፖሊስ መልሚልና ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንፖሊስ ግብጺ ምስቲ መርመራ ዝዛመድ ንጥፈታት ንምስልጣን ዝወዓለ ምወላ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዘየለ ገሊጹ።

ኣደ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣሊሻ ኬርንስ፡ ንኤልጂቢቲ ተጓዓዝቲ ብዛዕባ ኣብ ከም በዓል ግብጺ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ሓደጋታት ንምጥንቃቕ ዝያዳ ክግበር ከም እትደሊ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ወሲኻ’ውን፡ "መንግስቲ ግብጺ ንውልቀሰባት ብመሰረት ጾታዊ ዝንባለኦም ዒላማ ዝገብር ኩሉ ንጥፈታት ደው ከብሎ እላቦ" ኢላ።

መንግስቲ ግብጺ ርእይቶ ንክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቢቢሲ ዝረኸቦ ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቲ ሁዝሂር ዝበሃል መተግበሪ ተጠቒሱ’ዩ።

ክኢላታት ብሕታዊነት ሳይበር ከም ዝሕብርዎ፡ ሁዝሂር ፍሉይ ተቓላዕነት ዘለዎ ይመስል፡ እዚ ድማ ሰርሰርቲ ብዛዕባ ተጠቀምቱ ሓበሬታ ብሰፊሑ ክረኽቡ የኽእሎም።

ሁዝሂር ዳታ ዝእክበሉን ዝዕቅበሉን ኣገባብ፡ ንሕግታት ብሕታዊነት ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝጥሕስ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ቢቢሲ ብወግዒ ናብ ሁዝሂር ምስ ቀረበ ጥራይ እዩ እቲ መተግበሪ ቅጥዕታቱ ቀይሩ፡ ነቲ ሰባት ኣብ ሓደጋ ምልላይ ከእቱ ዝኽእል "ተመሳሳሊ ጾታ ምድላይ" ዝብል መማረጺ ኣወጊዱ።

ሁዝሂር፡ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ድልዱል ታሪኽ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ግብጺ ንማሕበረሰብ ኤልጂቢቲ ዝህቦ ዝኾነ ፍሉይ ኣገልግሎት ከም ዘየለ’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ኤልጂቢቲ ሰባት ንምርካብ ብፖሊስን ገበነኛታትን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ግሪንድር ብወገኑ፡ "ምስ ግብጻውያን ደለይቲ ፍትሒ ኤልጂቢቲኪዩ፡ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ድሕነት ዘተኮሩ ቴክኖሎጂስትን ብሰፊሑ ንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

ገበነኛታት ጕጅለታት፡ ንኤልጂቢቲ ሰባት ንምርካብ ከምቲ ፖሊስ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ተጠቒሞም የጥቅዑዎም የዋርድዎምን ኣለዉ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ግብጺ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ግዳያት ዝኾኑ ክልተ ላይላን ጀማልን ኢልና እንጽውዖም ሰባት ክስዕስዑ ክግደዱ፡ ክቕጥቀጡን ክግፍዑን ከለዉ የርኢ። ብተወሳኺ፡ ምሉእ ስሞም ክገልጹን ሕደጾታውያን ምዃኖም ክእመኑን ብካራ ይግደዱ።

ኣብ ዋትስኣፕ፡ ዩቱብ ከምኡ’ውን ፌስቡክ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት’ውን ኣለዉ።

ኣብ ሓንቲ ካብዘን ቪድዮታት፡ ሓደ ስዒድ ንብሎ ዘለና ወዲ 18 ዓመት ሕደጾታዊ፡ ብሓሶት፡ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ እየ ክብል ይግደድ።

ስዒድ ሕጂ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ እዩ። እቲ ጕጅለ ንስድርኡ እውን ንምፍርራሕ ነቲ ቪድዮ ምስ ሰደደሎም ከም ዝረሓቕዎ ይዛረብ።

"ብድሕሪኡ ብጭንቀት ክሳቐ ጸኒሐ፡ እቲ ቪድዮታት ናብ ኩሎም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣዕሩኽተይ ተዘርጊሑ። ኣይወጽእን እየ፡ ቴለፎን'ውን የብለይን።

"ብዛዕባይ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።"

ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሰርተታት መጥቃዕቲ ዝተነገረና’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ውሑዳት እዮም።

ኣብ ውሽጢ ግብጺ ብዛዕባ ኤልጂቢቲ ምጽብጻብ ባዕሉ ካብ 2017 ጀሚሩ ተኣጊዱ እዩ።

እቲ ጸብጻብ "ኣካይዳኦም ዘይግቡእ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ እንተኾይኑ" ጥራይ እምበር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምቁጽጻር ሚድያ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ውክልና ኤልጂቢቲ እገዳ ኣንቢሩ እዩ።

ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ተጣበቕቲ ማሕበረሰብ ኤልጂቢቲ፡ ኣብ ግብጺ ዘሎ ጸገማት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክጉልሕ ኣለዎ ድዩ ወይስ ብሚስጥር ክፍታሕ ኣለዎ ብዝብል ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ይርከቡ።

ላይላ፡ ስዒድ፡ ጀማልን ሌትን ግን ንቕድሚት ወጺኦም ነቲ ስቕታ ክሰብሩ መሪጾም ኣለዉ።