ብጭደላዊ መንነቱ ‘ዝሕበን’ ተሓላቒ ሕደ-ጾታነት ሞይቱ ተረኺቡ

ንጭደላዊ መንነቱ ከም ዝሕበነሉን ብድፍረት ከም ዝነግረሉን ዝግለጽ፡ ፋሽን ዲዛይነርን ተሓላቒ ሕደ-ጾታነትን ኬንያ፡ ኤድዊን ቺሎባ፡ ተቐቲሉ ሬሳኡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኤልዶረት ኣብ ወሰን ጽርግያ ኣብ ሳንዱቕ ሓጺን ተደርብዩ ድሕሪ ምርካቡ ፖሊስ ኬንያ፡ ሞት እቲ መንእሰይ ይምርምሮ ኣሎ።

ሓደ ዓርኪ እቲ ግዳይ ምዃኑ ዝእመን ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ፣ ፖሊስ ግን ግምት ድራኸ እቲ ጥርጡር ዝዀነ ኣይተዛረበን።

ኣብታ ጾታዊ ርክብ ሕደ-ጾታውያን ኢ-ሕጋዊ ዝዀነላ ኬንያ፡ እቲ ቅትለት ምስ ጾታውነቱ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝክእል ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጻ ኣለዋ።

ሓደ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሕደ-ጾታውያን ኬንያውያን መጥቃዕቲ ከምዝወርዶም ይግምት።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ሕብረተሰብ ከመይ ይስምዓና ከምዘሎ ቃላት'ውን ክገልጾ ኣይክእልን'ዩ። ካልእ ህይወት ድማ ሕጂ ብሰንኪ ጽልኢ ጠፊኡ፡ሎ። ክንናፍቐካ ኢና" ክብል ትካል ተጣባቒ መሰላት galck+ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ሃገራዊ ኮሚሽን መሰላት ሕደ-ጾታውያን "ሞት ኤድዊን ኣብ መላእ ሃገር ብሰንኪ ጾታዊ መንነት መጥቃዕቲ ይቕጽል ከምዘሎ ዘዘኻኽር እዩ" ክብል ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽእ ዘሎ መግለጺ ሓዘን፡ ነቲ ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድመኡ ዝነበረ ቺሎባ፡ "ዘገርም ሰብ"ን "ልሉይ ፋሽን ዲዛይነርን" ምንባሩ ይገልጽ። 

ቺሎባ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ዝተነጸለ ብምግላጽ፡ ንዅሎም ንጹላት ንምሕጋዝ ክቃለስ እየ ክብል ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ ነይሩ።

"ኣብ ዝኸዶ ፍቕሪ ይዝርግሕ ነይሩ፤ ንጭደላዊ መንነቱ ብድፍረት ዝዛረብን ንብዙሓት’ውን ከምኡ ክገብሩ ኣተባቢዑን" ክብል ተጣባቒን ዓርኪ ቺሎባን ክሪስ ማኬና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቺሎባ፡ ፋሽን ንኸጽንዕን ብዲዛይኒን ስም ንምርካብን ኢሉ ኣብ 2019 ካብ ናይሮቢ ናብ ኤልዶሬት ከም ዝኸደን፡ ዝና ይረክብ ምንባሩን ካልእ ዓርኩ ገሊጹ።

ሬሳኡ ዝሓለፈ ረቡዕ እዩ ተረኺቡ።

ታርጋ ኣብ ዘይብላ መኪና ዝነበረ ሰብ ንሬሳኡ ብሓጺን ኣብ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ኣብ ወሰን ጽርግያ፡ ክገድፍ ከምዝተራእየ ሓደ ምስክር ተጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ሓበሬታ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ሬሳ ንምርግጋጽ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ተፍትሽ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።

ወሃቢት ቃል ፖሊስ ረሲላ ኦንያንጎ "ንግዚኡ ንምንታይ ብኸምኡ ከምዝተቐትለ ኣይፈለጥናን ዘሎና፤ ክኢላታት ነቲ ጉዳይ ሂዞምዎ ኣለዉ" ክትብል ንጋዜጣ ስታር ሓቢራ ነይራ።

ድሒራ ንሮይተርስ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ብምምልካት፡ “እንተዀነ እቲ ጉዳይ ገና ኣብ ትሕቲ መርመራ ኣሎ፡” ኢላ።

ካልእ በዓል ስልጣን ፖሊስ ብወገኑ፡ እቲ ጥርጡር፡ ሓደ ቀንዲ ናይ ነውሕ ግዜ ዓርኪ ቺሎባ ምዃኑ ከም ዝሓበረ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ኣብ ኬንያ ርክብ ሕደ-ጾታ ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ ገበን እዩ። ማሕበረሰብ ሕደ-ጾታውያን ከኣ ንጹላትን ጽሉኣትን እዮም። ነቲ ተግባር ብገበን ዘየሕትት ከም ዝኸውን ንምግባር ዝግበር ጻዕርታት ዕዉት ኣይኰነን።