እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብውሑድ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ተሰዊራ
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ስጳኛ፡ ነታ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ብውሑድ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ከባቢ ደሴታት ካናሪ ዝጠፍአት ጃልባ ንምርካብ ኣለሻ የካይዱ ኣለዉ።
እታ መግፈፊት ዓሳ ጀልባ፡ ካብ ደቡባዊ ሰኔጋል ናብታ ዝዓበየት ደሴታት ካናሪ ዝዀነት ተነሪፈ ኣስታት 1700 ኪሜ ከምዝተጓዕዘት ዎኪን ቦርደርስ ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ገሊጹ።
ኣብታ ጃልባ ብዙሓት ህጻናት ከምዝነበሩ ነቲ ትካል ብምጥቃስ ስጳኛዊ ወኪል ዜና ኢፌ ኣቃሊሓ።
ዓሰርተታት ስደተኛታት ዝጸዓና ካልኦት ክልተ ጃላቡ ከምዝጠፍኣ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እታ ኣስታት 200 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ፡ 27 ሰነ 2023 እያ ኣብ ደቡባዊ ሰኔጋል ካብ እትርከብ ደሴታዊት ከተማ ካፎንታይን ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ተበጊሳ።
ኣገልገሎት ህይወት ምድሓን ባሕሪ ስጳኛ፡ ብነፋሪት ዝተሓገዘ ኣለሻ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጾም።
እዚ ሓደጋ ድሕሪ እቲ ካብ ዝኸፍኡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠሙ ምጥሓላት ዝተባህለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪክ ዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ሰሙናት ዝተርኣየ እዩ።
ኣብቲ ሓደጋ ብውሑድ 78 ሰባት ከምዝጠሓሉ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን ልዕሊ 500 ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ኢሉ።
ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝግበር ጕዕዞ ስደተኛታት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ምኽንያቱ እተን ዝጥቀሙለን ቀለልቲ መግፈፊ ዓሳ ጀላቡ፡ ካብ ኣትላንቲክ ዝመጽእ ማዕበል ብቐሊሉ ክግልብጠን ስለዝኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ንምብጻሕ ካብ ዝተበገሱ ብውሑድ 559 ስደተኛታት ምማቶም ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) የመልክት።
እቲ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 15682 ስደተኛታት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዝኣተዉን እቲ ብዝሒ ምስ 2021 ክነጻጸር ብ 30 ሚኢታዊት ከምዝነከየን ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ኣይኦኤም "ዋላ'ኳ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንተቐነሰ፡ በዚ ሓደገኛ መንገዲ ዝግበር ጕዕዞ ካብ ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ዓመታት ዝለዓለ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ" ኢሉ።