ትግራይ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ሕቶ ምልቃቕ ሓላፍነት ኣልዒሎም

ፕረዝደንት ቤት ፍርዲ ዶ/ር ጸጋይ ብርሃነን ምኽትሉ ኣቶ ገብረኣምላኽ የዕብዮን ካብ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ዘቕረብዎ ሕቶ ከምዘልዓልዎን ኣብ ስርሖም ክቕጽሉ ምዃኖምን ተገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ኣብ ሞንጎ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ቤት ፍርድን ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝርርብ ከምዝተኻየደ" ኣፍሊጡ።

"ቤት ፍርዲ ከም መጠን ሳልሳይ ኣካል መንግስቲ ዝግብኦ ኣፍልጦ፣ ክብደትን ክብርን ብምሃብ ኣብቶም መንግስታዊ ቆላሕታን ደገፍን ይጥልቡ እዮም ተባሂሉ ዝተኣመነሎምን ሕቶ ዝቐረበሎምን ዘዕባታት ዝርርብ ተገይሩ" ይብል እቲ መልእኽቲ።

ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክልላዊ መንግስቱ ኣብቶም ዝተልዓሉ ሕቶታትን ዘዕባታትን ቆላሕታ ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ከምዝኣተወ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ንኹሉ ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ፕረዚደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦሞ ዝነበረ ሕቶ ምልቃቕ ሓላፍነት "ተሪፉ እቲ መሪሕነት ኣብ መዝነቱ ክቕጽል" ኣብ ምርድዳእ በጺሑ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ነዚ ውሳነ ፈሊጡ ኣብ ስርሑ ተረጋጊኡ ክቕጽል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ክልቲኦም፡ ኣብ ናይ መሪሕነት ግዝኦም “ዝጀመሩዎ ኣንፈት ለውጢ ንምዕዋት ዘኽእል ምቹእ ኹነታት” ብዘይምርካቦም ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ከም ዝተገደዱ ኣብ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ ከምዘፍለጡ ይዝከር።

ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ክልል ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ብሰኑይ ካብ ስልጣኖም ዝለቅሉ ደብዳበ ከም ዝጽሓፉ ምኽትል ፕሬዝደንት ኣቶ ገብረኣምላክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ ነይሩ።

ኣብቲ ደብዳበ፡ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ክልል “ኣብ ሕማቕ ኵነታት” ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናብ ስልጣን ከም ዝመጽኡ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ “ሓጺር” ናይ ሓላፍነት ግዝኦም ነዚ ንምምሕያሽ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።

ኣብ ግዜ መሪሕነቶም “ኣብያተ ፍርዲ ውጽኢታዊ ምሕደራን ኣገልግሎት” ንክህቡ ስጉምቲታት ክወስዱን ምምሕያሻት ክገብሩን ከም ዝጸንሑ’ውን ገሊጾም።

“ይኹን’ምበር፡ እቲ ዝተዋህበና ከቢድ ሓላፍነትን ልኡኽን ሒዝና ብኣመራርሓ ንምቕጻልን ዝጀመርናዮ ኣንፈት ለውጢ ንምስኻዕን ዘኽእል ኩነታት ክንረክብ ኣይክኣልናን” ብምባል ካብ ሓላፍነቶም ንምውራድ ከም ዝወሰኑ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ኣብቲ ክልል ስእነት ፍትሒ ናፅነት ዳኝነትን ብሰፊሑ ከዘራርብ ይስማዕ።