እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዝደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ካብ ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ኣቕሪቦም
ፕረዝደንት ቤት ፍርዲ ዶ/ር ጸጋይ ብርሃነን ምኽትሉ ኣቶ ገብረኣምላኽ የዕብዮን ካብ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ሕቶ ከም ዘቕረቡ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም፡ ኣብ ናይ መሪሕነት ግዝኦም “ዝጀመሩዎ ኣንፈት ለውጢ ንምዕዋት ዘኽእል ምቹእ ኹነታት” ብዘይምርካቦም ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ከም ዝተገደዱ ኣፍሊጦም ኣለው።
ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ክልል ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ብሰኑይ ካብ ስልጣኖም ዝለቅሉ ደብዳበ ከም ዝጽሓፉ ምኽትል ፕሬዝደንት ኣቶ ገብረኣምላክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብቲ ፌርማ ዶ/ር ጸጋይን ኣቶ ገብረኣምላክን ዝዓረፈሉ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ እቶም ኣመራርሓ ነቲ ቤት ፍርዲ ንምምራሕ ካብ ዝተሾምሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝተወሃቦም “ህዝባውን መንግስታውን ሓላፊነት ዓቕምን ሞያን ብዝፈቐዶ” ክንውግን ጸኒሕና ኢና ኢሎም።
እቶም ኣመራርሓ “ኣብ ከቢድ ሓደጋ ህልውና ወቂቑ ዝነበረ ስርዓት ዳይነት ህዝብና ንምቅናዕ ጻዕሪ ክንገብር ጸኒሕና ኢና” ኢሎም።
ኣብቲ ደብዳበ፡ ኣብያተ ፍርዲ እቲ ክልል “ኣብ ሕማቕ ኵነታት” ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናብ ስልጣን ከም ዝመጽኡ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ “ሓጺር” ናይ ሓላፍነት ግዝኦም ነዚ ንምምሕያሽ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ኣብ ግዜ መሪሕነቶም “ኣብያተ ፍርዲ ውጽኢታዊ ምሕደራን ኣገልግሎት” ንክህቡ ስጉምቲታት ክወስዱን ምምሕያሻት ክገብሩን ከም ዝጸንሑ’ውን ገሊጾም።
“ይኹን’ምበር፡ እቲ ዝተዋህበና ከቢድ ሓላፍነትን ልኡኽን ሒዝና ብኣመራርሓ ንምቕጻልን ዝጀመርናዮ ኣንፈት ለውጢ ንምስኻዕን ዘኽእል ኩነታት ክንረክብ ኣይክኣልናን” ብምባል ካብ ሓላፍነቶም ንምውራድ ከም ዝወሰኑ ኣመልኪቶም ኣለው።
ናብዚ ውሳነ ዘብጽሖም 'ምቹእ ዘይኰነ ኵነታት' እንታይ’ዩ ክብል ዝተወከስናዮ ምኽትል ፕሬዝደንት ኣቶ ገብረኣምላክ፡ ዝርዝር ጕዳያት ካብ ምዝራብ ተቖጢቡ።
ኣብቲ ደብዳበ ዝተጠቐሱ ሓሳባት “መዕለቢ ምስ ረኸቡ”፡ መብርሂ ከም ዝህብ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝቐረበ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝረክብ፡ ኣብ ስራሕ ከም ዝጸንሑ ድማ ሓቢሩ። ፕረዝደንት ቤት ፍርዲ ዶ/ር ጸጋይ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ስርሑ ከም ዘሎ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፍርዲ ኣቶ መለስ ኣሸብር ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።