ምልሶት ትራምፕ ዘሻቐሎ ዘለንስኪ እንታይ ይብል?

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ እንተተመሪጹ፡ ምስኡ ምስራሕ “ከቢድ ዕዮ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ድማ ጻዕራማት ሰራሕተኛታት ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ለንደን ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ ስልጣን ምስ ዝመጽአ ዝዀነ ኣካል ንምስራሕ ድሉው’የ ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ትራምፕ ሰናተር ኦሃዮ ዝዀነ ጄይዲ ቫነስ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ምኽትሉ ኰይኑ ከም ዝወዳደር ወግዓዊ ምግባሩ ይፍለጥ።

እቲ ወዲ 39 ሴናተር ኣቐዲሙ፡ “ብዝዀነ ይዅን መገዲ ዩክረይን ዘጋጥማ ነገር ኣየገድሰንን’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ቫነስ፡ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኰይኑ ምምጽኡ፡ ትራምፕ ኣብቲ መረጻ እንተተዓዊቱ ኣመሪካ ንዩክረይን እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ክፈሽል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣታት ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

“ኣብ ዩክረይን እንታይ ከም ዘጋጠማ ስለ ዘይፈልጥ ክኸውን ይኽእል፤ ስለዚ ምስ ኣመሪካ ክንሰርሕ ኣለና” ይብል ዘለንስኪ።

ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ማሕበረሰብ ፖለቲካ ኣውሮጳ ንምስታፍ’ዩ ናብ ለንደን ከይዱ።

ማሕበረሰብ ፖለቲካ ኣውሮጳ፡ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ከምኡ’ውን ከም ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ኣባላት እቲ ሕብረት ዘይኰና ሃገራት ዝሳተፋሉ ኰይኑ፡ ምትሕብባር ንምጕልባት ዓሊሙ ዝካየድ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቅልውላው ዩክረይን ዋላ’ውን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እንተዀነ ነታ ሃገር ከም ዝሕግዝ ቃል ክኣቱ እንከሎ፡ ሰለስተ ቢልዮን ፓውንድ ሓገዝ ንምሃብ ተመባጺዑ’ዩ።

ዘለንስኪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “መርገጺ ብሪጣንያ ክቕየር’ዩ ኢለ ኣይግምትን” ክብል እንከሎ፡ “ግን ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታመር ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ፡ ምክልኻል ድሕነት ዓለምን ኲናት ዩክረይንን ዝተፈለየ እንተዝኸውን ይመርጽ” ኢሉ።

ሎሚ ዓርቢ፡ ዘለንስኪ ኣብ ካቢኔ ብሪጣንያ ብኣካል ተረኺቡ ብዛዕባ ኵነታት ሃገሩን ጽላት ምክልኻል ኣውሮጳን ዘረባ ከስምዕ’ዩ።

ድሕሪ'ቲ ብ1997፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ዝገበሮ ተሳትፎ፡ ካልእ መራሒ ወጻኢ ሃገር ኣብቲ ካቢኔ ቀሪቡ ዘረባ ኣስሚዑ ኣይፈልጥን።

መራሕቲ ብሪጣንያን ዩክረይንን ድማ ናይ 3.5 ቢልዮን ፓውንድ ፋይናንሳዊ ውዕል ሰደድ ምክልኻል ክፍርሙ’ዮም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ሓያል ጸቕጢ ሩስያ ብምውዳቘም፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሒዞምዎ ካብ ዝነበረ ድፋዕ ከንሳሕቡ ተገዲዶም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ነዊሕ ግንባር ንወተሃደራት ሩስያ ክዓግቶም ክፍትን ተገዲዱ።

ሓይልታት ሩስያ ኣብቲ ከባቢ መኽሰብ ንምርካብ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ከተማ ሃርኪቭን ከባቢኣን ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከም ዝተኻየደለን ይፍለጥ።

ዩክረይን፡ ብመሓዙት ሃገራት ቃል ዝተኣተዋላ ነፈርቲ ኤፍ-16 እንተመጺአን እተካይዶ ወተሃደራዊ ጻዕርታት ለውጢ ከምጽእ ተስፋ ገይራ ነይራ። ዘለንስኪ ግን ሕጂ’ውን እዞም ኣጽዋራት ከም ዘይተረከበ ገሊጹ።

“18 ኣዋርሕ ኰይኑ’ሎ፤ እተን ነፈርቲ’ውን ኣይበጽሓናን።”

እቲ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክቕጽል እንከሎ፡ ብዝርርብ ዝፍትሓሉ መገዲታት ምንዳይ ዝብል ኣማራጺታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስዊዘርላንድ ዋዕላ ሰላም ዩክረይን’ኳ እንተአንገደት፡ ሩስያ ኣይተዓደመትን። ዘለንስኪ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሩስያ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ክካየድ መደብ ዝተትሓዘሉ ዋዕላ ሰላም ክትሳተፍ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ሩስያ፡ ኣብቲ ዋዕላ ክትሳተፍ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክግበር ከም ዘለዎ ዝገለጸ ዘለንስኪ፡ “ኵለን ግዝኣታት ብሓይሊ ክምለሳ’የን ማለት ኣይኰነን። ዲፕሎማሲ ዝሕግዝ ይመስለኒ” ኢሉ።

“ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ብምግባር፡ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክትሰማማዕ ዝከኣል ይመስለኒ።”

ዘለንስኪ ብ2019 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ መረጻ ብሰንኪ እቲ ኲናት ክካየድ ከም ዘይክእል ወተሃደራዊ ሕጊ እታ ሃገር ይገልጽ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ ካብ ፕረዚደንትነት ዝወርደሉ እዋን ከም ዝሓሰበ ገሊጹ።

“ግን፡ እቲ ኲናት ክሳብ ዝውዳእ ኣይኰነን” ኢሉ።