ቻይና ብጉዳያት ጸጥታ ንምዝርራብ ሓደ ጕጅለ ናብ ሩስያ ሰዲዳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቻይና፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ምስ ሩስያ ንምዝርራብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዋንግ ዪ ዝመርሖ ጕጅለ ናብ ሩስያ ሰዲዳ።
ዋንግ ዪ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ነቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ኵናት ደው ንምባል ዝመጽእ ሓሳብ ረብሓ ሩስያ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዝተረዳድኡ’ውን ተገሊጹ።
ቀንዲ መሓዛን ደጋፊትን ሩስያ ምዃን እትፍለጥ ቻይና፡ ኣብቲ ኲናት ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንሩስያ ከምእትድግፍ’ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ቻይና ግን ነዚ ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ’ያ።
ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ምብጻሕ ዋንግ ዪ፡ ነቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቱን ናብ ቻይና ኣብ ቀረባ ግዜ ምብጻሕ ንኽገብር ባይታ ዘጣጥሕ ከምዝዀነ’የን ዝገልጻ ዘለዋ።
እዚ ምብጻሕ ላዕለዋይ ሓላፊ ቻይና ናብ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያን ሩስያን ወተሃደራዊ መሳሪሒታት ንምሽይያጥ ተሰማሚዐን ክዀና ከምዝኽእላ’ያ ስግኣታ ክትገልጽ ጸኒሓ።
እቲ ቻይናዊ ሓላፊ ኣብ ሩስያ ንኣርባዕተ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ላዕለዋይ ቻይናዊ ሓላፊ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ቻይና ንኵናት ሩስያን ዩክረይንን ንምፍታሕ ንዝነደፈቶ እማመ ሒዙ ምስ ፕረዚደንት ፑቱን ተዘራሪቡ ነይሩ’ዩ።
እንተዀነ፡ ንሩስያ ትድግፍ’ያ ስለእትበሃል እቲ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ እማመ፡ ንረብሓ ሩስያ ዘቐድም’ዩ ተባሂሉ ብዩክረይንን ብደገፍታን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
መርበብ ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቻይና ንሩስያ ዝተፈላለየ ቁጠባዊ ደገፋት ከምእትገብረላ ዝገልጽ ጽሑፍ ዘርጊሑ ነይሩ’ዩ።
እቲ ጸብጻብ፡ ቻይና ነቲ እገዳ ዝተገበረሉ ጸዓት ኣብ ምዕዳግን ክሳብ ድሮናትን ኣብ ሲቪላውን ወተሃደራውን መዓላ ዝውዕል ቴክኒካዊ ሓገዛትን ከምእትገብረላ’ዩ ዝገልጽ።
ቻይና ግን ነዚ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ክስታታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ፑቲን መዓልቲ’ኳ እንተዘይፈለየ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ክራኸብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
ብዙሓት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ዋዕላ ‘ቅናትን መንገድን’ [Belt and Road] ክራኸቡ ከምዝኽእሉ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ መራሒ [ፑቲን] ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ቤላሩስን ኪርጊስታንን ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ዘመሓላልፍ ግን ካብ ሩስያ ወጺኡ ኣይፈልጥን’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







