እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቍጽሪ ኣመንቲ ክርስትና ዓዲ-እንግሊዝን ዌልስን ትሕቲ ፍርቂ ወሪዱ
ንፈለማ እዋን፡ ቍጽሪ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕቲ ፍርቂ ህዝቢ ዓዲ-እንግሊዝን ዌልስን ከምዝወረደ ተገሊጹ።
ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ (ሰንሰስ)፡ መጠን ሰዓብቲ ክርስትና ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት ናብ 46.2 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ። ኣቐዲሙ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ ግን 59.3 ሚእታዊት ክርስትያን ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
ብኣንጻሩ፡ ብዝሒ ናይቶም ሃይማኖት ከምዘይብሎም ዝገለጹ፡ ካብ 15 ናብ 37.7 ሚእታዊት ክብ ኢሉ'ሎ።
ኣብ 2011፡ 4.9 ሚእታዊት ዝነበሩ ሰዓብቲ እስልምና ድማ ኣብ 2021 6.5 ሚእታዊት (1.2 ሚልዮን) በጺሖም ኣለዉ።
እቶም ዝተቘጸሩ ሰባት ብዛዕባ ብሄራዊ (ኢትኒክ) መንነቶም ክገልጹ'ውን ተሓቲቶም ነይሮም።
እቲ ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ዓመት፡ ብኣላይነት ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ'ዩ ዝካየድ።
እቲ ቈጸራ፡ ነተን ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀና፡ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ዘጠቓልል ኣይኰነን።
ኣብ ኪንግስ ኮለጅ እትሰርሕ ፕሮፈሰር ሊንዳ ዉድሄድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ግን፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተኻየደ ቈጸራ "ሃይማኖት የብለይን" ዝብል ምርጫ ሰባት እምነት ከምዘይብሎም ዝገልጽ ኣይኰነን ትብል።
"ገሊኦም ፈጣሪ የለን ኢሎም ዝኣምኑ (ኣተይስትስ)፡ ብዙሓት ድማ ተጠራጠርቲ (ኣግኖስቲክ)- 'ዝፈልጦ ነገር የብለይን ዝብሉ' ክዀኑ ይኽእሉ" ትብል።
ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝርሕቍ ዘለዉ ሰባት እናበረኸ ክመጽእ ምጽንሑ ይግለጽ።
ብዛዕባ ብሄራዊ (እንኮላይ ብሕብሪ) መንነቶም ብዝምልከት፡ 81.7 ሚእታዊት ነበርቲ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድን) ዌልስን ጸዓዱ ምዃኖም ገሊጾም። ቅድሚ 10 ዓመታት ግን 86 ሚእታዊት'ዮም ጸዓዱ ምዃኖም ሓቢሮም።
ብዘይካ'ዚ፡ 74.4 ሚእታዊት ድማ፡ ጸዓዱ፡ እንግሊዝ፡ ስኮትላንዳውያን፡ ሰሜን ኣየርላንዳውያን ወይ ብሪጣንያውያን ምዃኖም ይገልጹ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝዓበየ መንነት ናይቶም 9.3 ሚእታዊት ዝበጽሑ ኤስያውያን ኰይኑ፡ ቍጽሮም ካብ 4.2 ናብ 5.5 ሚልዮን ክብ ኢሉ'ሎ።
ጸለምቲ፡ ጸለምቲ ብሪጣንያውያን፡ ጸለምቲ ዌሊሽ፡ ካርቢያን ወይ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ዝገለጹ ድማ ካብ 1.8 ኣብ 2011 ናብ 2.5 ወሲኾም ኣለዉ። እዚ ማለት ቁጽሮም ካብ 990,000 ናብ 1.5 ሚልዮን ወሲኹ።
ሓንቲ ካብ 10 ስድራቤታት፡ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌታት ዝተዳቐለት ምዃና'ውን እቲ ሓድሽ ቈጸራ ኣመልኪቱ'ሎ።
ብሃገራዊ መንነት ክርአ እንከሎ ድማ፡ እቶም ዝበዝሑ ፖላንዳውያን (ፖሊሽ)፡ ካብኡ ቀጺሎም ድማ ሮማንያውያን ምዃኖም ተጠቒሶም ኣለዉ።
ለንደን እታ ዝለዓለ ምዕሩይነት ሃይማኖታት ዘለዋ ምዃና'ውን እቲ ቈጸራ ኣረጋጊጹ'ሎ። ልዕሊ 25.3 ሚእታዊት ነበርቲ እታ ከተማ ሃይማኖቶም ካብ ክርስትና ወጻኢ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብቲ ብ21 መጋቢት 2021 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ፡ ልዕሊ 24 ሚልዮን ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም።