እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጉሳዕ ከብቲ ግብሪ ንምኽፋል ዝኣመመት ሃገር
ኒውዚላንድ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ነቲ ከብቲ ዝጎስዕኦ በካሊ ጋዝ፡ ግብሪ ንምኽፋል ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣውጺኣ።
እቲ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝትግበር ፖሊሲ፡ ኣብ ምፍራይ እንስሳታት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ካብ 2025 ጀሚሮም ንዘበርክትዎ ብከላ ንምኽሓስ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ'ዩ።
ጉሳዕን ሽንቲን እንስሳ ዘቤት 'ግሪንሃውስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ በካሊ ጋዝ ከምዘለዎ ይፍለጥ።
ጽላት ሕርሻ ኒውዚላንድ፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ብከላ ዝውክል ምዃኑ ይግለጽ።
እንተኾነ ግን፡ ሓረስቶታት ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ እማመ ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ ሓረስቶት ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "መዓንጣ ናኣሽቱ-ከተማታት ኒውዚላንድ ዝትርትር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ጃሲንዳ ኣርደን ግን፡ ካብቲ ዝኽፈል ግብሪ ዝተረኽበ ኣታዊ ናብ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ከምዝውዕል ብምግባር፡ ሓደስቲ ተክኖሎጂታት ንምትእትታውን ንመጽናዕትን፡ ከምኡ'ውን ገንዘብ ከም መተባብዒ ብቐጥታ ንሓረስቶት ክወሃብ ምዃኑ ቃል ኣትያ።
"ሓረስቶት ኒውዚላንድ፡ ኣብ ዓለም ቀዳሞት ናይ ሕርሻ ብከላ ዘጉድሉ ክኾኑ'ዮም። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ናይ ሰደድ ዕዳጋና፡ ዝሓሸ ተወዳዳርነት ክህልወና ዝገብር'ዩ" ክትብል ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ገሊጻ።
መጠን ናይቲ ዝኽፈል ገንዘብ ዛጊት'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ሓረስቶት ነቲ ንክሊማ ዝድግፍ ፍርያቶም ዝያዳ ብምኽፋል ከማልስዎ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ይምጉት።
እንተኾነ ግን፡ ነቲ ውጥን ዝኾነኑ ገለ ሓረስቶት፡ እቲ ፖሊሲ ሕርሻታቶምን ዘራብሕወን እንስሳን ክሸጡ ዝደፋፍኦም ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ሓረስቶት ኒውዚላንድ፡ ኣንድሪው ሆጋርድ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ንሕርሻታት እንስሳ ናብ ዱር ዝቕይር" እማመ'ዩ ክብል ነቒፉ።
ኣማራጺታት ንምንዳይ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ዝገበርዎ ልዝብ ከምዘይማእምኦም'ውን ሆጋርድ ይዛረብ።
ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬቶም ንምሻጥ ክቀዳደሙ ምዃኖም ድማ ኣጠንቂቑ።
ካልኦት ወገናት ድማ፡ ብሰንኪ'ዚ፡ መግቢ እታ ሃገር ናይ ምፍራይ ሓላፍነት ናብ ካልኦት ትሑት ኣገባባት ሕርሻ ዘለወን ሃገራት እንተ ተሰጋጊሩ ዝያዳ ብከላ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።
ካብ እንስሳታት ዘቤትን ካልኦት ምንጭታትን ዝወጽእ መጠን በካሊ ጋዝ (ሚቴን) ኣብ 2019 ካብቲ ቅድሚ ሰውራ-ኢንዱስትሪ ዝነበረ ብክልተ ዕጽፍን ፈረቓን ከምዝወሰኸ ይግለጽ።