ክልል ኦሮምያ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ ኣስታት 500 እሱራት ንምሓዝ ፍተሻ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምዕራብ ጉጂ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ ኣስታት 500 እሱራት ንምሓዝ ፍተሻ ይካየድ ከም ዘሎ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ በዓል ልደት ዝኽበረሉ መዓልቲ ቀዳም 29 ታሕሳስ 2015 ካብ ከተማ ቡሌ ሆራ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ናይቲ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተኹሲ ብምኽፋት ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም ክሳብ 480 ዝበጽሑ እሱራት ከምልጡ ገይሮም ነይሮም።

ምክትል ከንቲባ ርእሰ ከተማ ቡሌ ሆራ ዝኾነ ጊርጃ ኡራጎ፡ ነቶም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጡ እሱራት ንምሓዝ "ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፍተሻ የካይዱ ኣለዉ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ዝተገበሩ ብዝተፈላለዩ ገበናት ፍርዶም ዘሕልፉ ዝነበሩ እሱራት ሕጊ እዮም።

ካብቶም ዘምለጡ፡ ኣባላት እቲ መንግስቲ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሉ ዝምድቦ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እውን ይርከብዎም።

እቲ ምክትል ከንቲባ ንቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ፡ እቶም ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስን ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢን ክሞቱ ከለዉ ካልኦት ክልተ ድማ ቆሲሎም እዮም።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ንሰዓታት ቶኽሲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተገለጹ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምህዳም እቶም እሱራት ዝበሎ ነገር የለን።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ደቡብን ምዕራብን ኦሮምያ 'ፖለቲካዊ እሱራት' ክሃድሙ ገይሮም ነይሮም።

ምክትል ከንቲባ ጊርጃ ኡራጎ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኩሎም እሱራት ከም ዘምለጡ ገሊጹ።

“ኩሎም እዮም ወጺኦም። ክሳብ 480 እሱራት ከም ዝኾኑ ንግምት።"

ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እሱራት ኣምሊጦም ዝብል ዜና ዝተሰምዐ፡ መንግስቲ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ወፍሪ የካይድ ከም ዘሎ ኣብ ዝእውጀሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኣብ ዞባ ምዕራብን ምብራቕን ጉጂን ከምኡ’ውን ኣብ ዞን ቦረና እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝቆጻጸሮም ዝነበሩ ከባቢታት ከምዘምለሰ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንምውጋድ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እቲ ክልል ብዝሒ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ከም ዝኾኑ ጸብጻባት ይገልጹ።