እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከቢድ ውግእ ከምዝኸፈተ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ምዕራብ 330 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ነቀምቴ፡ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከቢድ ተዅሲ ከምዝተወልዐ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ሎሚ ንግሆ ናብታ ከተማ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ ሓደ ምእንቲ ድሕነቱ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ነባሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ሎሚ [ሰንበት] ወጋሕታ ዝዀነ ሰብ ምንቅስቓስ ከይጀመረ ናብታ ከተማ ኣትዮም። ኣብ ማእከል ከተማ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ገዛና ኮፍ ኢልና ተዅሲ ንሰምዕ ኣለና” ይብል እቲ ነባሪ።
ብመሰረት’ቶም ምንጭታት ቢቢሲ፡ እቲ ተዅሲ ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር እቲ ኣብታ ከተማ ዝዓስከረ ሰራዊት እዩ ተኸፊቱ ዘሎ።
ካልእ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ምንቅስቓስ ከምዘየሎን፡ እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ ኣትዮም ተዅሲ ከምዝኸፈቱን ሓቢሩ።
ብወገን መንግስቲ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን። ቢቢሲ ንከንቲባን ሓለፍቲ ጸጥታን እታ ከተማ ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።
መሰኻኽር ዓይኒን ግዳያትን ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቢላ ንዝኣተዉ ዕጡቓት ዒላማ ብምግባር፡ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ምስ ተነግረ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ወረዳታት ምዕራብ ወለጋ ከምዝተቘጻጸረ ገሊጹ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት፡ ኦዳ ተርቢ፡ ሰራዊቶም ነዚ ስርሒት ከምዝቕጽለሉን፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዒላማ ከምዝገብርን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ከም በዓል ማንዲ ዝኣመሰላ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝርከባ ዝተቘጻጸርወን ከተማታት፡ ባንክታት ተዘሚተን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ከም ዝዓነዋን ዝግለጽ ኮይኑ፡ እተ ጕጅለ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
"ወተሃደራዊ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈታት ዓስኪሩ ጸኒሑ። ከምኡ'ውን ካቢነታት መንግስቲ ምስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣብኡ ክነብሩ ጸኒሖም እዮም። ሓይልታትና ዕርዶም ክሰብሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ክዓኑ ይኽእል’ዩ፡" ክብል ኦዳ ተርቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሓይልታት ሰራዊት ኦነግ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ሽዋ፡ ምብራቕ ሽዋን ወለጋን ንዝርከቡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ ዒላማ ክገብር፡ ሰላማውያን ሰባት ቈሲሎምን ሞይቶምን ይብሉ ስድራቤታት ግዳያት።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ እቲ ውድብ ድሕሪ ኣስታት 27 ዓመታት ኣብ 2018 ካብ ስደት ናብ ሃገር ምስ ተመልሰ ቅድሚ ምፍንጫሎም ወተሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዩ ነይሩ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈጢሩ ነይሩ፤ እቲ ጕጅለ ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ።
እንተዀነ፡ ብመሰረት ሓድሽ ስምምዕ፡ ህወሓት ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ምድጋፍ ከቋርጹ እዮም።
እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክኸሶ ዝጸንሐ ተግባር እዩ።