ካብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ድሕሪ 40 መዓልቲ ብህይወት ዝተረኸቡ ህፃናት

ይጓዓዙላ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዱር ኣማዞን ምሕምሻሻ ስዒቡ፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝነበረ ኣርባዕተ ህፃናት ብህይወት ተረኺቦም።

እዞም ን40 መዓልቲ ደሃዮም ተሳኢኑ ዝፀንሐ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ህፃናት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ፣ ኣርባዕተ፣ ትሽዓተን ዓሰርተ ሰለስተን ዝርከቡ እዮም።

እዞም ህፃናት ምስ ወላዲቶም ኣብ ዝጓዓዝሉ፡ ብ01 ጉንበት 2023 እታ ነፋሪት ኣብ ዱር ኣማዞን ተሓምሺሻ።

ወላዲቶምን ፓይለት እታ ነፋሪትን፡ በዚ ሓደጋ ሞይቶም እዮም።

ፕረዝደንት ኮሎምብያ ጉዝታቮ ፔትሮ፡ ምርካብ እቶም ንሰሙናት ደሃዮም ጠፊኡ ዝነበረ ህፃናት ነታ ሃገር ዘሐጉስ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ነዞም ግዳያት፡ ናይ ሰላም ቆልዑ’ዮም ብምባል ዝገለፆም እቲ ፕረዝደንት፡ “ተኣምራዊ መዓልቲ እዩ። ንበይኖም እዮም ነይሮም። ንርእሶም ብህይወት ዘፅንሑ ብናይ ባዕሎም ፃዕሪ እዩ። ታሪኽ ክዝክሮም’ዩ” ኢሉ።

ወተሃደራት እታ ሃገርን ደቂባ’ት ማሕበረሰብን ነቶም ን40 መዓልታት ዝጠፍኡ ህፃናት ንምድሓን እንትረባረቡ ዘርእዩ ስእልታት ተዘርጊሖም እዮም።

ፕረዝደንት ጉዝታቮ ምስ ኣቦሓጎ እቶም ህፃናት ዝተዘራረበ እንትኾን፡ እቶም ህፃናት ድማ ኣብዚ እዋን ኣብ ቦጎታ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

ካብ ግዝኣት ኣማዞን ኣራራኩራ ናብ ሳን ሆሴ ዴል ጉዋቫሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ሴስና ቁፅሪ በረራ 206 ብዘጋጠማ ፀገም ሞተር እያ ተሓምሺሻ።

በዚ ሓደጋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሬሳ ሰለስተ ሰባት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ ከባቢ ተረኺቡ።

ከም ሓበሬታ ሲቪል ኣቪየሽን እታ ሃገር፡ ውፃእ መዓት እዚ ሓደጋ ዝኾኑ እዞም ህፃናት ኣብቲ ዱር ከርተት ክብሉ ድሕሪ ምፅነሖም እዩ፡ ሃለዋቶም ተረኺቡ ዘሎ።

ሃለዋት እዞም ህፃናት ንምርካብ፡ ካብ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ሰፊሕ ኣለሻ ክካየድ ዝፀንሐ እንትኾን፡ ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን ኣብ መገዶም፡ እቶም ቆልዑ ደርብየሞም ዝኸዱ ኣቑሑ ይረኽቡ ነይሮም።

ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ ብዝረኸብዎ ኣናእሽተይ ኣሰራት እግሪ፣ ናይ ማይ ጥርሙዝ፣ መቐስ፣ መትሓዚ ፀጉርን ግዝያዊ መፀለልን ብምኽታል፡ እዞም ህፃናት ብህይወት ከም ዘለዉ ተረዲኦም ኣለሽኦም ቀፂሎም።

እዚ ዱር ከም ጃጓራት፣ ኣትማንን ካልኦት ኣራዊትን ዝርከብሉ እዩ።

እዞም ህፃናት፡ ዓሌት እቶም ሁቱቶ ዝበሃሉ ደቂባ’ት ማሕበረሰብ ከም ዝኾኑን፡ ብዛዕባ ፍረምረ ዘለዎም ፍልጠትን ኣብ ዱር ብኸመይ ህይወትካ ምድሓን ከምዝከኣል ዘለዎም ክእለትን፡ ንኣርብዓ መዓልታት ብህይወት ክፀንሑ ከም ዘኽኣሎም ተገሊፁ።

ደቂባ’ት ሁቱቶ ሃለዋት እዞም ህፃናት ኣብ ዝተኻየደ ኣለሻ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፡ ናይ እነሓጐኦም መልእኽቲ ድምፂ’ውን ብሄሊኮፕተር ይፍነው ነይሩ።

ብቋንቋ ሁቱቶ ኣብቲ ዱር ይፍነው ዝነበረ መልእኽቲ ኣደሓጐኦም፡ ብቐሊሉ ንኽርከቡ ኣብ ሓደ ቦታ ክፀንሑ ዝሕብር እዩ ነይሩ።

ፕረዝደንት ኮሎምቢያ ጉዝታቮ ፔትሮ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሑ ጉንበት እቶም ህፃናት ከም ዝተረኸቡ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ’ኳ ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ብምዝርግሑ ከቢድ ወቐሳ ወሪድዎ።

ቤት-ፅሕፈቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ ዝተረጋፀ ከም ዘይኮነ ብምግላፅ ድማ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣልይዎ።