እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሳኹ እናተመገበ 31 መዓልታት ኣብ ኣማዞን ብህይወት ዝተረፈ ሰብኣይ
ሓደ ቦሊቭያዊ ሰብኣይ ድሕሪ ምጥፋኡ ኣብ ጫካ ኣማዞን ን31 መዓልታት ሓሰኻ እናተመገበ ብህይወት ክጸንሕ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።
ወዲ 30 ዓመት ዮናታን ኣኮስታ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቦሊቭያ ሃድን ኣብ ዝወጸሉ እዋን ካብ ኣርባዕተ ኣዕሩኽቱ ተፈልዩ ጠፊኡ።
ኣብ ጫማኡ ዘዋህለሎ ማይ ዝናብ ይሰቲ ከምዝነበረ፣ ሓሰኻን ጣንጡን ከም ዝበልዐን፡ ካብ ጃጓርን ፔካሪን ዝተባህሉ ተጓዳእቲ እንስሳ ዘገዳም እናተሓብአ ከምዘሕለፎን ይዛረብ።
ሚስተር ኣኮስታ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብ ዝጠፍእ፡ ብደቂ ዓድን ፈተውቱን ብዝቘመ ጕጅለ ኣለሻ ተረኺቡ።
"ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ፡ ሰባት ብኸመይ ንነዊሕ እዋን ምእላሽ ቀጺሎም ክኣምን ኣይከኣልኩን" ክብል እናነብዐ ተዛሪቡ።
"ሓሰኹ በሊዐ፡ ጣንጡ በሊዐ፡ እዚ ዅሉ ግዜ ንኽነብር ዝገበርክዎ እንተትርኢ፡ ኣይምኣመንካን" ክብል ንዩኒቴል ቲቪ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ምስ ፓፓዮ ዝመሳሰል ኣብቲ ከባቢ ጋርጋቴያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍረታት በረኻ ይበልዕ ነይሩ።
"ንኣምላኽ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ፡ ምኽንያቱ ሓድሽ ህይወት ስለ ዝሃበኒ፡" ብምባል ከኣ ፈጣሪ ኣመስጊኑ።
ስድራኡ፡ ሚስተር ኣኮስታ ብኸመይ ከም ዝጠፍአን ብኸመይ ብህይወት ክጸንሕ ከም ዝኸኣለን ዝገልጽ ኵሉ ዝርዝራት ገና ክጥርንፍዎ ከም ዘለዎምን፡ ድሕሪ እቲ ተጓንፎ ገና ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ተሃስዩ ስለ ዝነበረ በብቕሩብ ከም ዝሓቱዎን ገሊጾም።
ሚስተር ኣኮስታ፡ 17 ኪሎ ግራም ካብ ክብደቱ ጐዲሉ፡ ዓንካር-ዓካሪቱ ተሰይሩ ብማይ ጽምኢ ቀራዕ ኢሉ እዩ ተረኺቡ።
እንተዀነ ብመሰረት እቶም ዝረኸብዎ ሰባት፡ ብንእሽቶ ምርኩስ ተደጊፉ ሰለይ ክብል ይኽእል ነይሩ።
"ሓወይ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ዓንካሪቱ ምስ ተጐድአ፡ ንህይወቱ ክፈርሕ ከም ዝጀመረ ነጊሩና" ክብል ሆራስዮ ኣኮስታ ንጋዜጣ ቦሊቭያ ፓጂ ሲኤተ ተዛሪቡ።
"ኣብ ካዝና ጠበንጃኡ፡ ሓንቲ ጥይት ጥራይ ስለ ዝነበረቶ ብእግሩ ክኸይድ ኣይከኣለን፡ ድሕሪ ሕጂ ዝደልዮ ሰብ ክህሉ ከምዘይክእል ድማ ሓሲቡ ነይሩ" ክብል ንእሽቶ ሓው ሆራስዮ ኣኮስታ ወሲኹ ገሊጹ።
ጆናታን ኣኮስታ ኣብ ዝጠፍአሉ እዋን ዝዀነ መከላኸሊ መሳርሒ ወይ ፋኑስ ኣይነበሮን፤ መስተዪ ማይ ድማ ስለዘይሓዘ ጫማኡ ተጠቒሙ ማይ ዝናብ ከዋህልል ተገዲዱ።
ብተወሳኺ ምስ ጃጓር ዝተበሃለ ሓደገኛ መጥበዊ እንስሳ ዝርከቦም ምስ ብዙሓት እንስሳ ዘገዳም ከምዝገጠመ ንኣዝማዱ ሓቢርዎም።
ንእሽቶ ሓዉ፡ ጆናታን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣመሪካ ንዝተረኽቡ ስኩድሮን ፔካሪ ዝበሃሉ ሓሰማ ዝመስሉ መጓሰ እንስሳታት ንምፍርራሕ፡ እታ ናይ መወዳእታ ድምጺ ጥይት ከም ዝተጠቕመ ይዛረብ።
ድሕሪ 31 መዓልታት ግን፡ ኣስታት 300 ሜትሮ ርሒቝ ናይ ዝእልሽ ሰባት ድምጺ ሰሚዑ።
ናታቶም ኣቓልቦ ንምርካብ ኣውያት እናሰምዐ በቲ እሾኽ ዝበዝሖ ቍጥቋጥ ኣቢሉ ናብኦም ገጹ ሰንከልከል ኢሉ።
ሆራስዮ ኣኮስታ፡ ሓዉ ብኣርባዕተ ደቂ ዓዲ ከም ዝተረኽበ ይዛረብ። "ሓደ ሰብኣይ ንሓወይ ከም ዝረኸብዎ ክነግረና እናጐየየ መጺኡ፤ ተኣምር'ዩ ኰይኑኒ።"
ብመሰረት እቲ ንእሽቶ ኣኮስታ፡ ጆናታን ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ መከራ ንሓዋሩ ሃድን ክገድፎ ወሲኑ ኣሎ።
"ንኣምላኽ ንምውዳስ ሙዚቃ ክጻወት'ዩ። ንኣምላኽ ከምኡ ቃል ኣትዩሉ'ዩ፡ መብጽዓኡ ክፍጽም'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል ብዛዕባ'ቲ ጊታር ዝጻወት ሓዉ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፖሊስ፡ ከመይ ገይሩ ካብ መሓዙቱ ከም ዝተፈልየ ንምርዳእ ነቶም ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ከም ዝሓትት ገሊጹ።