እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ሓድሽ ማዕበላት መጥቃዕቲ ሚሳይል ከፊታ
ትማሊ ቐዳም፡ ሩስያ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ብምፍናው ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ቀቲላ።
ከም ኪቭ፡ ካርኪቭን ኦዴሳን ዝኣመሰላ ሓያሎ ከተማታት እውን፡ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣጋጢሙወን ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ሓያሎ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ከተማታት ዩክረይን ብዘጋጠመ ጽዑቕ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ዩክረይን ኣብ ሓደጋ ህጹጽ እዋን ወዲቓ ትርከብ።
ኣቐድም ኣቢላ ዓባይ ብሪጣንያ ንዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምድራዕ ዝሕግዛ ቻለንጀር - 2 እተሰምያ ታንክታት ከምእትልእኽ ገሊጻ ነይራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ እተን ቻለንጀር - 2 እተሰምያ ታንክታት ዓባይ ብሪጣንያ ንሰራዊት ሩስያ ንድሕሪት ንምድፋእ ከም ዝሕግዛ ገሊጹ።
ሩስያ፡ ንዩክረይን ተወሳኺ ኣጽዋር ምሃብ፡ ንስርሒታት ሩስያ ብዝያዳ ከም ዘሐይልን ሲቪል ህዝቢ ከም ዝጐድእን ገሊጻ።
ብድሕሪኡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይናውያን፡ ሓድሽ ዓመት (ኦርቶዶክስ) ኣብ ዘብዕሉሉ ቀዳም መዓልቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዩክረናውያን መጥቃዕቲ ደው ከተብል እትኽእል ምዕራባውያን መሻርኽቲ ንዩክረይን ዘድሊ ኣጽዋር ምስ ዜበርክቱ ጥራይ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ነዚ መጥቃዕቲ ንምግታእ እንታይ እዩ ዘድሊ?
“እቲ ኣብ መኻዚኖ መሻርኽትና ሃገራት ዘሎ ኣጽዋራት ንሰራዊትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰራዊት ዩክረይን ከኣ ይጽበዩ እዮም ዘለው" ኢሉ ። ኣብቲ ብለይቲ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰራዊት ዩክረይን ካብቲ ዝተተኮሰሎም 30 ሚሳይላት ነቲ 20 ከም ዘምከንዎ ሓቢሩ።
ብነበርቲ እተሓገዙ ጕጅለ ምድሓን ህይወት ኣብቲ ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለን ኣስታት 80 ሰባት ዘቝሰለን ፍርስራስ ህንጻታት መጥቃዕቲ ሚሳይል ደኒፕሮ፡ ሰባት ንምድሓን ዝከኣሎም ይሰርሑ ኣለው።
ብኸቢድ ትክን ደሮናን ኣብ ዝተዓብሎኸ ቦታ ሓያሎ ሰባት ኣብቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ተጸቒጦም፡ ሰባት እናጸውዑ “ኣድሕኑና” ብማለት ክምሕጸኑ ይስምዑ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ እቲ ምድሓን ህይወት ብዓቢ ርብርብ ከምዝቕጽል ብምጥቃስ፡ "ሓንቲ ትንፋስ እውን ንምድሓን ክንቃለስ ኢና" ኢሉ። ክሳዕ ሕጂ ከኣ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝርከብዎም 37 ሰባት ካብቲ ፍርስራስ ህንጻ ከም ዝደሓኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጸም።
እቲ ኣፓርታማ ካብቲ ኣብቲ ካባቢ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ርሑቕ ክነሱ ስለምንታይ ክዓኑ ከምዝተደልየ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።
እቲ ኣብቲ ህንጻ ዝዓለበ ሚሳይል፡ ምናልባት ሩስያ ንመመንጨዊ ጸዓት ዩክረይን ንምጥቃዕ ዝተኮሰቶም ብጸረ ሚሳይል ዩክረይን ተሃሪሙ ኣብቲ ህንጻ ዝዓለበ ወይ ተልእኾኡ ዝሰሓተ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሩስያ ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ዩክረይን ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ዝገለጸ ፕረዚደንት ዘለንስኪ እቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዞባታት ካርኪቭን ኪቭን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ትሕተ ቅርጺ ከቢድ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኩባንያ ኩባንያ ጸዓት ዩክረይን - ኡክረንጐ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዅሉ ዞባታት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝኣክል ውሱን ገደብ ኣገልግሎት ጸዓት ከምእተገብረ ሓቢሩ።
ሰበስልጣን ምዕራብን ዩክረይንን እቲ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ኣብ ልዕሊ ጸዓት ዝግበር ውግእ እንተቐጺሉ ንመንፈስ ዩክሬናውያን ከይሃስዮ ስግኣቶም ገሊጾም።
እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ሞስኮ ብተደጋጋሚ ክትገብሮ እትኽእል ሜላ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመት ምዃኑ ሓቢሮም።