ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ 2023 ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ነገራት

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ኲናት፡ ኣብ 2023 ይጋደድ'ዶ ወላስ መዕለቢ ይርከበሉ ይኸውን? ኤዲተር ቢቢሲ ቋንቋ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግን ዓለምለኻዊ ኤዲተር ጀረሚ ቦወንን ርእይቶኦም ምስ ራድዮ ቢቢሲ ቱደይ ኣካፊሎም ኣለው።

ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣህላኺ ኲናትን ብኽልቲኡ ወገናት ዝተርኣየ ዕንወትን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን በቲ ኩነታት ይዳኸም ከምዘሎ ዘርኢ ምልክታት ይህሉ'ዶ ይኸውን?

ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ “የለን፡ ከምኡ ዘመልክት ምልክት የለን። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዘሕለፎ ናይ ሓድሽ ዓመት መልእኽቲ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ፡ እንታይ ይሓስብን፡ ኣብ 2023 ሩስያ ኣበይ ክትበጽሕ ከምዝደልያን ኣነጺሩዎ እዩ።

“ነቲ ቃላቱ ንጎድኒ እንተሓደግና’ውን እቲ ሃዋህው ገላጺ እዩ ኔሩ። ብድሕሪኡ ደው ዝበሉ ዝተጸወጉ፡ ወተሃደራዊ ኣልባሳት ዝለበሱ ሰብኡትን ኣንስትን እዮም ኔሮም። እዚ ዘሕልፎ መልእኽቲ ከኣ ‘ደጊም ሃገርኩም እዚኣ እያ። ሩስያ 2023 እዚኣ እያ - ኣብ ኲናት እትርከብ ሃገር፡’ ዝብል እዩ።

ወላ’ኳ ንሱ ሕጂ’ውን ኲናት ኢሉ እንተዘይጸውዖ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣብ ልዕሊ ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራብን ወተሃደራዊ ዓወት ንምርካብ ብኹሉ ዝተዋደደት ሃገር እያ። ኩሉ ከኣ ነዞም ዕላማታት ክድግፍን ነቲ ዝኸበረ መስዋእቲ ንምኽፋል ክዳሎን ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን ኣብ ዙርያ ባንዴራኹም ኣብ ዙርያ መራሒኹም ኣብ ዙርያይ ዕሰሉ።

እዚ እቲ ዝርአ እዩ፡ ነቲ ዝበሎ እንተርኢና ከኣ - ንሰላም ዘአንፍት፡ ናይ ሕድገታት ምልክታት ኣይሃበን፡ ‘ነዚ ጸገም መፍትሒ ንድለየሉ’ እውን ኣይበለን።

ድልየት እቲ ፕረዚደንት፡ እንተስ ብሓቂ ክዕወት ምዃኑ ኣሚኑ እንተስ ካብዚ ንንየው ንድሕሪት ክምለስ ከምዘይኽእልን እቲ እንኮ ኣማራጺ ነገራት ንረብሓኡ ክቕየሩ ብምትስፋው ንቕድሚት ምድፋእ ምዃኑ ብምሕሳብ፡ ዓወት ምውሓስ እዩ።”

ዩክሬናውያን ከ? ክቕጽሉ ድዮም?

ጀረሚ ቦወን፡ “ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብዛዕባ ምምላስ እታ ኣብ 2014 ዝተወሰደት ግዝኣት ክረምያ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።

ሎሚ ዘለንስኪ ብቑዕ መራሒ ኲናት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ እንተኾነ ግና ብወተሃደራዊ መዳይ ክጎናጸፍዎ ዝኽእሉ ግና ኣብ ሓገዝ ናይ ኔቶን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣሜሪካ ዝረኽብዎ ከም ሚሳይል ሂማርስ ዝኣመሰለ ምዕቡል ኣጽዋር ዝምርኮስ እዩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዩክረይን ክትስዓር ክፍቀድ ከምዘይብሉን ምእንቲ ክትዕወት ክትሕገዘ ከምዝግባእን እነተኾነ ግና፡ ኑክለራዊ ስግኣታት ባይታ ከይረክብ ንሩስያ ዘይምድፋእ ዝብል ኣስሚሩሉ እዩ።

ሕጂ ዩክሬናውያን መሬቶም ንምምላስ ዝሓየለ ናይ ምጥቃዕ ሓይሊ ከምዘድልዮም ተገንዚቦም ኣለው። ዩክሬናውያን ኣዘዝቲ ዘመናውያን ታንክታት፡ ነፈርትን ከምዘድልዮም ነጊሮምኒ ኔሮም እዮም፤ እዚታት ግና ይረኽቡ የለውን።”

ንዩክረይን ዝወሃብ ሐገዝ ንወጻኢ ይጎድል'ዶ ይኸውን?

ሮዘንበርግ፡ “እዚ ኣካል ናይ ፑቲን ገምጋም እዩ፡ ካብ 24 ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንደሓር ኩነታት ኣንጻሩ እኳ እንተቐንዐ፡ እቲ ዋና መጣልዒ ካርድታት ኣብ ኢዱ ከምዘሎን፡ ሃገራት ምዕራብ በቲ ኲናት ተዳኺመን ሓገዘን ከጉድላ እየን ኢሉ ዝኣምን ይመስለኒ።

ኣብ ሩስያ ሓድሽ ማዕበል ወፍሪ ክህሉ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ጽንጽንታታትን ሰራዊት ሩስያ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክጅምር ከምዝኽእልን ይንገር እዩ።

ቦወን፡ “ኣብ ሕዳር፡ ኣሜሪካዊ ጀነራል ማርክ ሚሊ፡ ንክረሚያ ዳግማይ ምቁጽጻር ከቢድ ከምዝኸውን ተዛሪቡ ኔሩ፡ ምናልባት እዚ ተመራጺ ከምዘይኮነ ከመላኽት’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና ነቲ ርእይቶ ክጎስዮ እዩ ፈቲኑ።”

ኣብ ሩስያ ዘሎ ድጋፍ ከ እንታይ ይመስል?

ሮዘንበርግ፡ “ኣብዚ እዋን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ካብ ክረምሊን (ቤተመንግስቲ ሩስያ) ዝወሃብ መግለጺታትን ዝሳነ ኣይኮነን።

በቲ ሓደ ሸነኽ ፑቲን ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት መልእኽቱ ነታ ሃገር ክጉስጉስ፡ ክዕወት ምዃኑ ክገልጽ እዩ ተሰሚዑ። ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ግና ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ማኪቭካ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ስለዚ ዳርጋ ዓመት ምሉእ እቲ ዝበሃልን ዝርአን ዝራኸብ ኣይኮነን።

ክረምሊን፡ ሩስያ ግዳይ ከምዝኾነትን ዩክረይንን ምዕራብን ወረርትን ጀመርትን እቲ ኲናት ምዃኖምን ዝጸዊ ካልእ ሓቂ ሃኒጹ ካብ ንጉሆ ክሳዕ ምሸት ኣብ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን የጋውሕ።”

ናብ ስምምዕ ናይ ምምጻእ ድልየታት ከ ኣሎ ዶ?

ቦወን፡ “ገለ ክሰማምዑሉ ዝኽእሉ ባይታ ኣሎ ዶ ኣብዚ እዋን? ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ፑቲን ወይ ክዕወት ከምዝኽእል ወይከኣ ዝኾነ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘለዎ እዩ ዝኣምን።

ዩክሬናውያን ከኣ ክዕወቱ ከምዝኽእሉን እዚ ኹሉ ደም ድሕሪ ምፍሳስን ድሕሪ እዚ ኹሉ ዕንወትን ዘይደልይዎ ሕድገታት ክገብሩ ከምዘይደልዩን ይኣምኑ።

መርገጺ ዘለንስኪ ካብ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ተቐዪሩ እዩ። እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ሩስያውያን ዝኣተወት ምስ መሰለት ፕረዚደንት ዘለንስኪ “ካብ መሬት ህይወት ዝያዳ የገድስ” ዝብል ዘረባታት የስምዕ ኔሩ እዩ።

ሕጂ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድሪ ክምለሰሎም ከምዝደልዩን፡ ሩስያውያን ክዛተዩ እንተኾይኖም ካብ መሬቶም ክወጹ ከምዘለዎምን እዮም ዝገልጹ።