ጫድ፡ ኣብ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕን ምፍንጃር ኣጽዋርን ሓያለ ሰባት ሞይቶም

እቲ ደምጺ ናይ ተፈንጀርቲ ዋላ ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ'ዩ ዝስማዕ

ምንጪ ስእሊ, Mahamat Djiddi Hassan

ኣብ ጫድ ኣብ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ሓያለ ሰባት ከምዝሞቱ ላዕለዎት ሚኒስትራት እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እቲ ባርዕ ሓያል ምፍንጃር ኣጽዋር ከምዝፈጠረ’ውን ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካሉማላህ ዓብደራማን እቲ ባርዕ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ጋውዲ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓማት እድሪስ ደቢ፡ እቲ ባርዕ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ቁጽሪ ምውታትን ቁሱላትን ከይገለጸ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓዘን መግለጺ ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ብቢቢሲ ግን ዘይተረጋገጽ ቪድዮታት፡ እቲ ባርዕ ንሰማያት ርእሰ ከተማ ንጀመና ብትኪ ሸፊኑ ብብርሃን ወሊዕዋ የርኢ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ እቲ ባርዕ ዝፈጠሮ ምፍንጃር ኣጽዋር ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ከምዝስማዕ ገሊጾም።

ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ኤኤፍፒ፡ እቲ ዝፍንጀር ዘሎ ኣብቲ መኽዘን ዝነበረ ኣጽዋር ብፋሉል ናብ ሰማይ ገጹ ይትኮስ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፈረንሳዊ ብዓል መዚ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብቲ መኽዘን ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር’ዩ ዝፍንጀር ዘሎ” ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሓደ ውልቀሰብ ሰለስተ ተሃሪሞም ዝወደቁ ሰባት ከምዝርኣየ ክሕብር እንከሎ ካልእ ሰብ ከኣ ጎረቤቱ በቲ ዝተፈንጀር እስኩጆ ከምዝተቐተለ ገሊጹ።

ሙስጣፋ ኣደሙ ዝተብሃል ነባሪ እታ ከተማ “እቲ ብርቱዕ ናይ ምፍንጃር ድምጺ’ዩ ካብ ድቃስና ኣበራቢሩና” ኢሉ።

ሙስጣፋ ብምስዓብ “ልክዕ ከምዚ ናብ ገዛና ዝትኮስ ዘሎ ገዛውትና ተናዊጹ። ወጺእና ምስ ርኣና ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ብርቱዕ ባርዕን ድምጺ ዝትኮስ ኣጽዋርን ክንዕዘብ ክኢልና። ከበድቲ ኣጽዋር ብልዕሌና ይሓልፍ ነይሩ” ክብል ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካሉማላህ ዓብደራማን "ህዝቢ ካብ ገዝኡ ከይወጽአ ሃዲኡ ክጸንሐ" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት መሓማት እድሪስ ደቢ ብወገኑ ኣብ ፌስ ቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ንመንፈስ ግዳያት ሰላም ይሃቦም። ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ይሃብ፤ እቶም ተሃሪሞም ዘለዉ ከኣ ብቅልጡፍ ክሓውዩ ይምነ” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ብምስዓብ ጠንቂ እቲ ባርዕ’ኳ ክሳብ ሕጂ እንተዘይተፈለጠ፡ ክምርመር ምዃኑ ግን ቃል ኣትዩ ኣሎ።