ወተሃደራዊ መራሒ ጫድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ

ጀነራል ማሓማት ደብዒ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወተሃደራዊ መራሒ ጫድ (ቻድ) ማሓማት ደብዒ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ምርጫ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ።

ጀነራል መሓማት 61.3 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ንመወዳድርቱ ከምዝሰዓሮም ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሳክሰስ ማስራ ብወገኑ 18.5 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

ኣቐዲሙ "ዓቢ ዓወት" ከምዝተጓናጸፈ ገሊጹ ዝነበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መግለጺ ኮሚሽን ምርጫ ንዓወቱ ካብ ህዝቢ ምስራቕ'ዩ ክብል ዘለዎ ተቓውሞ ኣቕሪቡ'ሎ።

ወዲ 40 ዓመት ጀነራል መሓማት ደብዒ፡ ንነዊሕ እዋን ነታ ሃገር ዝመርሓ ወላዲኡ እድሪስ ደብዒ ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣብ ዓውደ-ውግእ ብዕጡቓት ተወጊኡ ድሕሪ ምማቱ'ዩ፡ ስልጣን ተረኪቡ ነታ ሃገር ክመርሓ ጸኒሑ።

ኣብዚ መረጻ ምዕዋቱ ድማ፡ ነቲ ስድራቤቱ ን34 ዓመታት ዝበሓቶ ስልጣን ከምዝቕጽል ዝገብር'ዩ።

ወግዓዊ ውጽኢት ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዓወት ናይቲ ጀነራል ዝተሓጎሱ ደገፍቲ ናይቲ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ ናብ ጎደናታት ርእሰከተማ ንጃመይና ብምውሓዝ ክጽንብሉ ተራእዮም።

ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንኩሎም "ድምጾም ዝሃቡዎ ይኹን ነቶም ካልኦት ምርጫታት ዝነበሮም" ዜጋታት እታ ሃገር ብማዕረ ከገልግሎም ምዃኑ እቲ ጀነራል ቃል ኣትዩ'ሎ።

"ነቶም ኣብቲ ውድድር ዕድል ዘይገበሩ ሕጹያት ተወዳደርቲ ድማ ፍሉይ ኣኽብሮት ኣለኒ" ክብል ናእድኡ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን ኣብቲ ውድድር ዘይተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ማስራ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ ደገፍቱን ሓይልታት ጸጥታን ብዓል ጀነራል ደብዒ "ናይ ህዝቢ ዓወት ክሰርቁ" ከፍቅድሎም ከምዘይብሎም ተማሕጺኑ።

"ውሑዳት ሰባት፡ እቲ ንጫድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝገዝኣ ስርዓት ኣብቲ ምርጫ ከምዝተዓወተ ንህዝቢ ከእምኑ ከምዝኽእሉ'ዮም ዝሓስቡ ዘለዉ"።

"ንኹሎም ንለውጢ ዘድመጹ፡ ንዓይ ድምጾም ዝሃቡ፡ ተወደቡ እብሎም። [ግና] ሃዲእኩም ግበርዎ፡ ብናይ ሰላም መንፈስ" ክብል ጸዊዑ።

ውጽኢት ናይቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክልተ ሰሙን ኣቐዲሙ'ዩ ብወግዒ ተገሊጹ ዘሎ።

ጫድ፡ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ስልጣን ዝጨበጠለን ሃገራት ምርጫ ብምግባር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝተመለሰት ፈላሚት ሃገር ኮይና'ላ።

እንተኾነ ተሓለቕቲ፡ እቲ ምርጫ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ዝብል ትጽቢት የብሎምን።

ኣብ 2022 ድሕሪ ዝተኻየደ ተቓውሞታት፡ ብዙሓት ነቐፍቲ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ናብ ስደት ከምርሑ ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ጫድ ኣስታት 18 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ 1960 ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጽነታ ዝረኸበት'ያ።

ኣብ 2021 ዝሞተ እድሪስ ደብዒ፡ ኣብ 1990 ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሑሴን ሃብረ ብምዕላው፡ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑዋ።

ጀነራል ማሓማት ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ስልጣን ምስ ተረከበ፡ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ከም ግዝያዊ መራሒ ከም ዘገልግልን ንፕረዚደንትነት ከምዘይወዳደርን'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቡኡ ቅድሚ ምማቱ፡ ሓላፊ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ ፕረዚደንት ከምኡ'ውን ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ምንባሩ ይዝከር።