እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንጎልና እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ናይ ምዝካር ዓቕሙ ክውስኽ ዘነቓቕሕ ቴክኖሎጂ
ተመራመርቲ፡ ጉድኣት ብዘየስዕብ መገዲ ንገለ ክፋል ሓንጎል ብኤሌክትሪክ ብምንቕቓሕ፡ እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ሰባት ናይ ምዝካር ዓቕሞም ክዓብይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከምዘማዕበሉ ኣፍሊጦም።
ፈተነ ዝተኻየደሎም ወለንተኛታት ኣብ ናይ ቃላት ምዝካር ጸወታታት ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ከምዘርኣዩ ዝተገለፀ ኮይኑ፡ እዚ ለውጢ ድማ ኣብ ቅጽበታዊ "ናይ ስራሕ" ዝኽሮምን ናይ ነዊሕ ግዜ ዝኽሮምን ከምዝተረኣየ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እቲ ውጽኢት ንመዓልታዊ ህይወት እንታይ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
ሓሳብ እቶም ተመራመርቲ ግን ነቲ ኣረጋውያን ዘጋጥሞም ድኽመት ዝኽሪ ክመሓየሽ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕማማት ምሕካምን ተምሃሮ ንፈተና ኣብ ዝገብርዎ ምድላው ምሕጋዝን ዝበጽሕ እዩ።
ዶክተር ሮበርት ራይንሃርት ካብ ዩኒቨርሲቲ ቦስተን፡ ነቲ ናይ ምንቕቓሕ ሜላ "ንክፋላት ሓንጎል ንምንጻልን ንምዕባይን ዝሕግዝ ፍጹም ዝተፈልየ ኣገባብ" ክብል ይገልፆ።
እዚ ድማ "ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዓውዲ ተኽእሎ ኣማራጺታት ሕክምና" ክህልዉ ከምዘኽእል ሓቢሩ።
ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፉ ወለንተኛታት ብኤሌክትሮድ ዝተመልአ ቆቢዕ ገይሮም ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ስሓ ዝፈጥር ወይ ፀላዕላዕ ዘብል ቁጽጽር ዝግበረሉ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ኣብቲ ዝድለ ክፋል ሓንጎል ማዕበላት ክፈጥር ተገይሩ።
እቶም ወለንተኛታት ንኣርባዕተ ተኸታታሊ መዓልታት መዓልታዊ ን20 ደቓይቕ ምንቕቓሕ ሓንጎል ተገይሩሎም። ኣብቲ መጽናዕቲ ድማ ድሕሪ ሓደ ወርሒ መሊሶም ክዛረብዎ ዝግባእ ዝርዝር ቃላት ክዝክሩ ትፅቢት ይግበር።
ዶክተር ራይንሃርት እቲ ሕክምና "ብውሑዱ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ውሱን ምምሕያሽ ዝኽሪ ከምፅእ ይኽእል'ዩ" ኢሉ’ሎ።
እቲ ኣብ መጽሔት ኔቸር ኒውሮሳይንስ ዝተሓትመ ውጽኢት ከምዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ መጀመርታ ናይቲ ፈተነ ምስቲ ናይ ዝኽሪ ጸወታታት ፀገም ዝረኣዮም ዝነበሩ ወለንተኛታት፡ ፀኒሑ ዝኽሮም ዝያዳ ዝተመሓየሸ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ።
ዝኽሪ ከመይ ይሰርሕ?
እቶም ኤሌክትሪካዊ ምልክታት፡ ኣብቲ ዝድለዩ ከባቢታት ንዘሎ ህርመት ንጥፈታት ሓንጎል ወይ ማዕበላት ሓንጎል እዮም ዝቕይርዎ።
ተመራመርቲ፡ እቶም ብኣርባዕተ ዙርያ ዝተኻየዱ ምንቕቓሕ ሓንጎል፡ ነቶም ንድፊታት ከምዘደልደሉን ሓንጎል ንርእሱ እናተኣሳሰረ ብምኻድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምምሕያሻት ከምዘርኣዩን ይገልፁ።
እዚ ድማ ብ ‘ኒውሮፕላስቲሲቲ’ ዝፍለጥ ኮይኑ " ምስቲ ቋንቋ ሓንጎል ዝበሃል ክራኸብ ዝገብር፤ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝዛረብን ብኤሌክትሪካዊ ድርኺት ምስ ገዛእ ርእሱ ዝረዳዳእን ዓይነት ምትእስሳር'ዩ" ይብል ዶክተር ራይንሃርት።
ይኹን እምበር፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝኽሪ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንምቕቓሕ እዩ ዝሓትት፡
- ናይ ስራሕ ክእለት ምዝካር ምስ ‘ኣብዝን ሕጂን’ እዩ ዝተኣሳሰር። ከም ኣብ መምሃሪ ክፍሊ መዘክር ምውሳድ ዝበሉ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኻ ብኸመይ ከም እትዕቅቦ ኣብ ዝብል ዝምሰረት ኮይኑ፡ ኣብ ምፍታሕ ጸገማትን ውሳነ ምሃብን ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
- ንዕኡ ንምዕባይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚት ሓንጎል ዘሎ ሽፋን ‘ኮርተክስ’ ብትሑት ፍሪኩዌንሲ ክነቓቓሕ ምግባር የድልይ ነይሩ
- ናይ ነዊሕ ግዜ ዝኽሪ (ናይ ምዝካር ክእልት) ዝብሃል እቲ ሓበሬታ እንዓቑረሉ መስርሕ ኮይኑ፤ ንሱ ድማ ብኸመይ ነታ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸድናላ መዓልቲ ወይ መዓልቲ መርዓ ክንዝክር ንኽእል ዝብል ይምልከት
- ንዕኡ ንምዕባይ፡ ነቲ ኣብ ድሕሪት ሓንጎል ዝርከብ ‘ፓሪየታል ኮርተክስ’፡ ልዑል ፍሪኩዌንሲ ብምጥቃም ምንቕቓሕ የድሊ ነይሩ።
- ኣብ ጸወታታት ቃላት - ናይ ነዊሕ እዋን ዝኽሪ ንምግምጋም ብዝብል ነቶም ኣብ መጀመርታ ዝተዋህቡ ቃላት ክዝክሩ ተሓቲቶም
ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፉ 150 ወንተኛታት ኩሎም ፀገም ጥዕና ዘይነበሮም፡ ናይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘይብሎም፤ ዕድሚኦም ካብ 65 ክሳብ 88 ዓመት ነይሮም።
ዝያዳ ረሳዒ ምዃን መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ምድፋእ ዕድመ እዩ። እዚ ዓይነት ምንቕቓሕ ሓንጎል ግን ኪኖ ጸወታ ቃላት፡ ነቲ ዝኣረገ ሓንጎል ክሕግዞ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ሕማም ኣልዛይመርስ ሓዊሱ ሕማም ዕላለ (ዕብደት)፡ ብሰንኪ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም ሞት ዋህዮታት ዝመጽእ እዩ - እዚ ድማ ናብ ናይ ምዝካር ክእለት ፀገም የምርሕ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሕማም ኣልዛይመርስ ከምኡ'ውን ኣብ ‘ስኪዞፍረኒያ’ን ውጥረት ዝመልኦ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎምን ሰባት፡ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ዋህዮታት ሓንጎል ንምንቕቓሕ ክውዕል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ኣብ ምምርማር ይርከቡ።
ዳይረክተር ትካል ምርምር ኣልዛይመርስ ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ሱዛን ኮህልሃስ፡ "እቲ ናይ ሓንጎል ምንቕቓሕ ሜላታት ሕማም ረሲዕ (ኣልዛይመርስ) ንዘለዎም ሰባት ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ እንተሃልይዎ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣብዚ መዳይ ግን መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ" ኢላ።