እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክሳዕ ክንደይ ሃሳዪ ከምዝኾነ ትፈልጡ ዶ?
ኣብ ዝኾነ ኩነታት ነቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ምጽባይ ንጥዕናኹም ጎዳኢ እዩ። ብኸመይ ኢና ነዚ መራዚ ኣተሓሳስባ ክነወግድ እንኽእል?
ንሓደ እትሓልምዎ ስራሕ ኣመልኪትኩም ኣለኹም ተመሚኹም ንኻልኣይ ዙርያ ቃለ መጠይቕ ተጸዊዕኩም ኣለኹም ንበል።
ነቲ በጺሕኩምዎ ዘለኹም ደረጃ ጸምቢልኩም ናብቲ ዝቕጽል ብድሆ ምድላው ዶ ትጅምሩ? ወላስ ብቐጥታ‘ይነጽጉኒ’ዶይዀኑ’ ዝብል ጥርጣረ ወሪሱኩም፣ ንነብስኹም “ነዚ እንተዘይሓሊፈ፡ ጥፉሽ’የ ማለት እዩ” ትብልዋ?
ወይ ክኣ፡ ካብ መሓዛኺ መልሲ ትጽበዪ ኣለኺ ንበል።
ቀልጢፉ መልሲ እንተዘይልኢኹልኪ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ካልእ ስራሕ ተጸሚዱ ይኸውን ዝብል፡ ከቐይሞ ገይሮም’ዮም ብዛዕባ እትብልዮም መገዲታት ምሕሳብ ትጅምሪ ትዀኒ።
ንበል ክኣ፡ ጂኦፖለቲካዊ ፍጻመታት ዘገድሰኩም ሰባት ኢኹም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ወትሩ ኣብዛ ዓለም ኲናት ኒኩሌር’ዶ፣ ካልእ ቀታሊ ቫይረስ ወይ ቁጠባዊ ዝሕታለ ክኽሰት ይኽእል እዩ ብዝብል ጭንቂ ንሰዓታት፣ መዓልትን ለይትን ከተውግዑ ተሕልፉዎ።
እዚኦም፡ ንርእስኹምን ኣብ ልዕሊ እትፈትዉዎም ሰባትን ከብጽሑዎ ዝኽእሉ ዕንወት ብምሕሳብ ትውጠሩ።
ነብስኹም፡ ከምዚ ዓይነት ነገራት ኣብ ዝመላለሶም ሰባት ከም እትስራዕ እንተፈሊጥኩም፡ ኣዕናዊ ሓሳብ [catastrophising] ዘጋድድ ኣእምሮኣዊ ልምዲ ኣለኩም ማለት እዩ።
እዚ፡ ሕማቕ ነገር ክኽሰት ተኽእሎ ኣሎ ብምባል፡ ናይ ዝዀነ ነገር ተኽእሎ ኩሉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ እዩ።
“እዚ ዝንቡዕ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ንደረጃ ብርትዐ ክትቆጻጸሮም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ስምዒታት ከበርዀም ይኽእል፤ እዚ ክኣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ይብል ኣብ ካናዳ ክኢላ ስነ ልቦና ፓትሪክ ኪላን።
ስግኣታት ኣዕናዊ ሓሳብ፡ ንስምዒታት ጭንቂ ብምጉላሕ ንጥዕና ኣእምሮ ስግኣት ዝኸውን ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ገለ መጽናዕታት ይሕብሩ።
እዚ ስምዒት ኣብ ህይወትና ኣብ ዝዀነ እዋን ከጋጥም ዝኽእል እዩ።
ግን ክኣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጥረ ፍርሒ፣ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ ንርእዮም ዘለና ምዕባለታት ነዚ ከጋድዱዎ ይኽእሉ።
ከምዚኦም ዝበሉ ሓደገኛ ስምዒታት ንምስባር ግን፡ ዓቕሚ ተጻዋርነት ምዕባይ የድሊ።
ካብ ኣተሓሳስባታት ፍሮይድ ናጻ ምውጻእ
ኣብ መጀመርታ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ሲግመንድ ፍሮይድ ዘመንጨዎም ትንታነታት ስነ ልቦና፡ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ንምቅላስ ኣብ ተግባር ይውዕሉ ነይሮም።
ስነ ልቦናዊ ጎንጺ ዝፈጥሩ፡ ዝተዓፈኑ ፍርሕን ድልየታትን - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ቁልዕነት ዘጋጠሙ ከምኡ’ውን ብተፈጥሮ ዝወረስናዮም- ስለ ዝዀኑ፡ ሙሁራት ነዚኦም ንምውጋድ ብዝብል ስነ ልቦናዊ ማዕዳታት ፍሮይድ ይጥቀሙ ነይሮም።
ኣብ መፋርቕ እቲ ክፍለ ዘመን ግን፡ ከም ኤልቤርት ኤሊስን ኣሮን ቤክን ዝበሉ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና፡ ሰባት ዘጋጥሞም ጭንቀት ንምፍታሕ ኣማራጺ እዮም ዝበሉዎም መገዲታት ኣተኣታትዮም።
ነዚ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዝተቐበሩ ወይ ዝተዓፈኑ ስነ ልቦናዊ ግርጭታት ምፍታሽ፡ ናብ ጭንቀት ከምርሑ ዝኽእሉ ግጉያት ኣተሓሳስባታት ወይ “ዝንቡዕ ግንዛበ” ትኹረት ብምግባር ኣብ ኣተሓሳስባ ንቕሓተ ሕሊና ሰባት ትኹረት ገይሮም።
በዚ ኣገባብ፡ ኣዕናዊ ሓሳብ (ካታስትሮፋይዚንግ) ፍርሒ ኣብ ምምዕባል ተራ ከም ዝህልዎ ብምግላጽ፡ እዚ ናይ ግንዛበ ምዝባዕ ዝፈጥሮ ጸገም ምዃኑ ተገሊጹ።
ንኣብነት፡ ሓደ ናይ በረራ ፍርሒ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ንዘጋጥም ንእሽቶ ምንቅጥቃጥ ከም ዓብዪ ምልክት ቴክኒካዊ ጸገም ገይሩ ክትርጉሞ ይኽእል።
ክንድኡ ዘየጋንን ዓይነት ሰብ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ሰራሕተኛታት እቲ በረራ ምስንባድ ዘይምህላው ክርኢ ምኽኣለ።
ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ግን እቶም ሰራሕተኛታት’ውን ነቲ ኩነታት ኣቓልቦ ኣይገበርሉን ኢሉ እዩ ዝሓስብ።
ስለዚ፡ እቲ ዘይሃድአ ድምጺ ክቕጽል እንከሎ ክመውት እየ ዝብል ነገር ምሕሳብ ይጅምር።
እዚ፡ ካልእ ናይ ጭንቀት ምዝባዕ ንክፍጠር ዓብዪ ተራ ከም ዝጻወት መጽናዕታት ይሕብሩ።
ንኣብነት ኣብ ስራሕ፡ ነገራት ኣግዚፉ ብኣሉታ ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ዘለዎ እሞ ኩሉ ነገር ጥንቅቕ ኣቢሉ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ፡ ብንኣሽቱ ጌጋታት’ዩ ዝጉሂ።
“ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ‘ካብ ስራሐይ ክስጐግ እየ’፣ ‘ካብ ስራሕ እንተተባሪረ፡ ክጻወሮ ኣይክእልን’ ናብ ዝብል ሓሳባት እዩ ዝኣቱ” ይብል ኪላን።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ዘለዎ ፍርሒ እቲ ሰብ ስርሑ ብኣግባቡ ክሰርሓሉ ናብ ዘይኽእል ደረጃ ክብጽሖ ይኽእል እዩ።
ናይ ጥዕና ጭንቀት ንዘለዎ ሰብ ድማ፡ ኣብ ሰብነቱ ዘላ ንኡሽቶ ለውጢ ናይ መንሽሮ ምልክት ገይሩ ክርእያ ይገብር።
ካልእ ኣብነት ክንህበኩም።
ኣብ ቅድሚ ሰብ ደው ኢሉ ምዝራብ ዝርዕድ ሰብ፡ ልቡ ምህራማ ምልክት ከጋጥመኒ ዝኽእል ወቕዒ ልቢ እዩ ኢሉ ይወስዶ።
ናይዚ ኣዕናዊ ሓሳብ ውጽኢት ናብ ሙሉእ ሓደጋ ስንባደ ከምርሕ ይኽእል እዩ።
“ኣብ ሰብነትካ ንዘጋጥም ለውጥታት ኣዕናዊ ወይ ግጉይ ትርጓመ ምሃብ ፍርሕን ጭንቀትን ክውስኽ እዩ ዝገብር” ይብል ኣብ ጀርመን ሓኪም ስነ ልቦና ባርናባስ ኦስት።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ኣዕናዊ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ካብ ዝፈጥሮ ጽልዋ ብዝሰገረ ስምዒታት ኣካላዊ ቃንዛ’ውን ከጋድድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
ንኣብነት፡ ሓያል ሕማም ርእሲ ክሕዘኩም እንከሎ ምናልባት መንሽሮ ሓንጐል ኣለኒ ኢልኩም ትሓስቡ።
ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሓንጐል ዘሎ ቃንዛ ክውስኽ ብምግባር እቲ ሕማም ርእሲ ንክጋደድን ነዊሕ ንክጸንሕን ከም ዝገብሮ መጽናዕታት የመልክቱ።
ስለምንታይ ኢና ኣዕናዊ ሓሳብ ንሓስብ?
ሰባት፡ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባታት ክመላለሶም ዝገብሩ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው።
ስምዒታቶም ብቕልጡፍ ክለዋወጥ ዝገብር ስነ ልቦናዊ ስግኣት (ኒዩሮቲስዝም) - ብኸፊል ጀነቲካዊ’ዩ - ዘለዎም ሰባት ግዳያት እዚ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ክዀኑ ይኽእሉ።
ወትሩ ወለድኻ ናይ ዝዀነ ክስተት ሕማቕ ሳዕቤን ክሻቐሉ እንተርኢኻዮም፡ ንስኻውን ንኣጸጋሚ ኩነታት ብተመሳሳሊ መገዲ ናይ ምርኣይ ተኽእሎኻ ልዑል እዩ።
ሕጂ ዘለናሉ ኩነታት’ውን ናይ ባዕሉ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ።
ልዑል ናይ ጭንቀት ስምዒታትን ምትእምማን ምስኣንን፡ ንኣሽቱ ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ነገራት ናብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክወስዱና ከም ዝኽእሉ መርኣያ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወይ ክልተ ዓመታት ኣተሓሳስባኹም ንባይታ ክወርድ እንተተዓዚብኩምዎ፡ ኣጋጣሚ ኣይኰነን፤ ዜናታት ክስታት ዓለም ነቲ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባና ከም ዘጋደዱዎ መረጋገጺ’ዩ።
ሓደ ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ክስተታት ኣዕናዊ ሓሳብ ክትሓስቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንኣብነት ኲናት ዩክሬይን፣ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ወይ ቁጠባዊ ውድቀት።
ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ኣብ ሞንግኦም ዝዀነ ዓይነት ርክብ ከም ዘየሎ መሲሉ ክርኣየኩም ይኽእል።
እቲ ናይ ዜናታት ዑደት ደረጃ ጭንቀትካ ስለ ዝውስዀ፡ ዚያዳ ብዛዕባ ውልቃዊ ጸገማትኩም ናብ ምሕሳብ ክትኣትው ትኽእሉ።
ኩሉ ግዳይ ኣዕናዊ ሓሳባት ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ፤ ነዚ ኽኣ ኣብ ዓለም ዝዝርግሑ ዜናታት ከጋድዱዎ ይኽእሉ።
ኣዕናዊ ሓሳባት ምንጩ ብዘየገድስ ክስበር ዝኽእል ማሕለኻ እዩ።
ግንዛበ እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ኰይኑ፡ ካብኡ ክትወጽኣሉ ኣብ እትኽል መገዲ ትኹረት ምግባር ይምከር።
ንኣብነት፡ ንናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ኣብ እትኸድሉ እዋን ብቐጥታ ናብ ርእስኹም ዝመጽእ ‘ክወድቕ’የ’ ዝብል እንተዀይኑ፡ ክወድቕ እየ ዘበለካ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
ብጭቡጥ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ጭብጢ ሒዝኩምከ ነቲ ኩነታት ብኸመይ ኢኹም ትትርጉምዎ?
እዚ እንተጌርኩም፡ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ዝሓሸ ውጽኢት ንምምጻእ ዘኽእለኩም ነገር ንምግባር ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም።
ቀቀዲምካ ናብ ግጉይ ድምዳመ ካብ ምኻድ ምቑጣብ ክኣ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።