ኣብ ስርዓት ኮምፒዩተር ብዘጋጠመ ምብልሻው ኣገልግሎት መገዲታት ኣየር፣ ሚዲያን ባንክታትን ተቛሪጹ

መብዛሕትኦም በረራታት ኣመሪካ ተቛረጾም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ባንክታት፣ ሚዲያታትን መገዲታት ኣየርን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ትካላት ምብልሻው ስርዓት ኮምፒዩተር ከም ዘጋጠሞን ዝህቡዎም ኣገልግሎታት ከም ዝተቛረጸን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር፡ በረራታት ጠጠው ከብሉ እንከለው፡ ካልኦት ድማ ምድንጓይ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።

ክፍለ ግዝኣት ኣላስካ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ትካላት በቲ ዘጋጠመ ጸገም ስርዓት ኮምፒዩተር ከም ዝተጸልው ክትገልጽ እንከላ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ሱፐርማርኬታት ተሰናኺሎም ኣለው።

ማዕከናት ዜና ብዙሓት ሃገራት’ውን በዚ ጸገም ክህሰያ እንከለዋ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከብ ማዕከን ሓበሬታ ስካይ ኒውስ ንግዝኡ ሓበሬታታት ምቅላሕ ጠጠው ኣቢሉ ይርከብ።

መንቀሊ እዚ ጸገም ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። መብዛሕትኦም በዚ ኵነታት ዝተጸለው ግን እቲ ጸገም ምስ ስርዓት ኮምፒዩተር ማይክሮሶፍት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጹ ኣለው።

በዓል መዚ ማይክሮሶፍት 365፡ “ተጠቀምቲ፡ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ማይክሮሶፍት 365 ከምኡ’ውን ካልኦት ኣገልግሎታት ንምርካብ ክጽገሙ ዝገብር ዘሎ ጕዳይ ነጻርዮ ኣለና” ክብል ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ወሃቢ ቃል ማይክሮሰፍት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “መብዛሕትኡ ኣገልግሎት” ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ናብ ንቡር ተመሊሱ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር ኣውስትራሊያ ሓደ ካብቶም በዚ ጸገም ብኸቢድ ዝተሃሰዩ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ኣብ ትካል ድሕነት ሳይበር ምስ ዘጋጠመ ጸገም ዝተሓሓዝ ምዃኑ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ትካል ድሕነት ሳይበር እታ ሃገር ግን፡ ዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ ምህላው ዘመላኽት ሓበሬታ የለን ኢሉ።

“ክሳብ ሕጂ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ፕሮግራም ሶፍትዌር ሳልሳይ ወገን በቲ ጸገም ዝተጠቕዑ ኵባኒያታት ብዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገማት ዝስዓበ ምዃኑ’ዩ ዘመላኽት” ክብል እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ሰብ መዚ ግዝኣት ኣላስካ፡ ብርክት ዝበሉ ማእከላት 911 ከምኡ’ውን ምስ ህጹጽ ኣገልግሎት ምትእስሳር ዘይብሎም ማእከላት ጻውዒት ስልኪ፡ ብግቡእ ይሰርሑ ከም ዘለው ገሊጾም።

ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ብወገኖም፡ ማእከላት ጻውዒት ስልኪ 000 - ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ህጹጽ ሓገዝ ዝሕተተሉ - በቲ ኵነታት ከም ዘይተሃሰዩ ሓቢሮም።

ኣብ ብሪጣኒያን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ ኣብ ካፌታትን ባንክታትን ኣገልግሎት ንምርካብ ከም ዝተጸገሙ ይገልጹ ኣለው።

እቲ ጸገም፡ ኣብ ኣገልግሎታት መገዲታት ኣየር፡ ታክስን ባቡርን ጽልዋ ብምሕዳሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ገያሾ ናይ ጕዕዞ መደባቶም ከም ዝተሰናኸለ ይግለጽ።

መገዲታት ኣየር ኣመሪካ ዝዀኑ፡ መገዲ ኣየር ዴልታን ኣመሪካን ኤየርላይንስን፡ ኣብ ኵሎም በረራታት “ዓለምለኻዊ ምስራዝ በረራ” ክገብሩ እንከለው፡ መገዲ ኣየር ኣውስትራልያ ቨርጂንን ጄትስታርን ድማ፡ በረራታቶም ከም ዝዶናጐ ወይ ከም ዝስረዝ ገይሮም።

ካልኦት ኣብ በርሊን፡ ቶክዮን ደልሂን ዝርከቡ ጕዕዞታት’ውን ተጸልዮም ይርከቡ።

ኣብ ብሪጣኒያ፡ መደብር ባቡር ጎቪያ ታሜስሊንክ ተጕዓዝቲ ገለ ምስንኻል ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከእትው ክሕብር እንከከሎ፡ ኣውስትራልያ ስርዓት መደብር ባቡራ ከም ዝተጸለወ ኣፍሊጣ።

ባንክታትን ሚዲያታትን ዘጥቅዐ ምብልሻው ስርዓት ኮምፒዩተር

ምንጪ ስእሊ, ABC News

እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

  • እዚ መንቀሊኡ ዘይተፈልጠ ጸገም ስርዓት ኮምፒዩተር፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ጥዕና፡ ንግድን ካልኦት ዓውዲታትን ክቋረጽ ገይሩ ኣሎ
  • ትካል ድሕነት ሳይበር ዝዀነ ክራውድስትራይክ፡ እቲ ጸገም ‘ንዊንዶውስ’ ንምሕዳስ ኣብ ዝነበረ መስርሕ ዘጋጠመ ጸገም ገሊጹ
  • ብሰንኪ እዚ ጸገም ኣብ ኣመሪካ ዘለዎ ብርኪ ብ20 ሚኢታዊት ዋጋ ከም ዝጐደለን እዚ ክኣ ክሳብ 16 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝትመን ሓቢሩ
  • ኣብ ዓለም ልዕሊ 1000 በረራታት ተሰሪዞም፤ መገዲ ኣየር ኣመሪካ ግን ዳግማይ ስሩዕ በረራ ጀሚሩ