ብከላ ኣየር ብኸመይ እዩ ወርሓዊ ጽግያት ኣዋልድ ዝጸሉ ዘሎ?

ምስ ኣደኣ እትኸይድ ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኣዋልድ ኣቐዲሙ ኣብ ንኡስ ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ይርእያ ከምዘለዋ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ንመርዛም ኣየር ምቅላዕ ከኣ ብኸፊል ከም ምኽንያት ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን ዘለዋ ኣዋልድ ምስ ሕሉፍ ወለዶታት ክነጻጸራ እንከለዋ ኣብ ኣዝዩ ዝነኣሰ ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ከምዝጅምራ ዘርኢ ምልክታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተመራመርቲ ንሓያሎ ዓመታት ስክፍታኦም ንኽገልጹ ምኽንያት ኰይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

ኣዋልድ ፈላሚ ወርሓዊ ጽግያት ካብ ዘጋጥመን ክሳብ ምጅማር ዕብየት ጡብ ዘለዉ ለውጥታት፡ ምትእትታው ግዜ ጕርዝውና በብቕሩብ ይጅምር ከምዘሎ ዘመልክቱ እዮም።

ኣብዚ እዋን ዘለዋ ኣዋልድ ኣመሪካ ምስተን ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝነበራ ኣዋልድ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲመን ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝጅምራ ይግመት።

ኣብ መንጐ 1950 ክሳብ 1969 ዝተወልዳ ኣዋልድ ገና ኣብ 12.5 ዓመት ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ክጅምራ እንከለዋ፡ ኣብ መጀመርታ 2000ታት ዝተወልደ ከኣ ብማእከላይ ገምጋም ናብ 11.9 ዓመት ዕድመ ከምዝወረደ ኣብ ግንቦት ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ መላእ ዓለም እውን ተመሳሳሊ ዝንባለ እዩ ተራእዩ። ደቡብ ኮርያውያን ተመራመርቲ ኣብ መንጐ 2008 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ቍጽሪ ናይተን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዕድመአን ምልክታት ቅድመ-ጉርዝውና [ዕብየት ጡብ ወይ ወርሓዊ ጽግያት] ዘርኣያ ኣዋልድ ከምዝወሰኸ ይሕብሩ።

"እዚ ግዜ ጕርዝውና ኣብ ዝነኣሰ ዕድመ ምምጻእ ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ኣብ ዘለዋ ከምኡ'ውን ኣብ ጕጅለ ውሑዳት ብሄራት ዝያዳ ከም ዝረአ ንዕዘብ ኣለና" ትብል ኣብ ኣትላንታ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኤሞሪ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝዀነት ኦድሪ ጋስኪንስ።

"እዚ ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ጥዕና ኣገዳሲ ጽልዋ ኣለዎ" ክትብል እውን ኣመልኪታ።

ከም በዓል ጋስኪንስ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ከኣ ጕርዝውና ኣቐዲምካ ምጅማር ድሒሩ ኣብ ዘሎ ዕድመ ነዊሕ ዝኸይድ ሳዕቤን ዘለዎም ተርእዮታት ከበግስ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

ዝወጽኡ ዘለዉ መረዳእታታት ከም ዝሕብርዎ፡ ብፍላይ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ቀልጢፈን ናብ ጽግያት እንተኣትየን ንመስኮት ፍርያምነት ከጉድሎ ጥራይ ዘይኮነስ ዕድመአን ከሕጽር ይኽእል እዩ።

ብኣጋ ዝረአ ጕርዝውና፡ ከም መንሽሮ ጡብን ማህጸንን ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ሕማማት፡ ከም ልዕሊ ዓቐን ክብደትን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከምኡ’ውን ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ከም ዘስዕብ ይግለጽ።

ተመራመርቲ ንምንታይ ከምዚ ይኸውን ከምዘሎ ንምርዳእ ገና ይጽዕሩ'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክሊ ፕሮፌሰር ህዝባዊ ጥዕና ብሬንዳ ኤስከናዚ ግን፡ ንሓደ ክልሰ-ሓሳብ ብምጥቃስ፡ ዋህዮታት ኣካላትና ንነዊሕ እዋን ከም ኢስትሮጅን ንዝኣመሰሉ ጾታዊ ሆርሞናት እንተተቓሊዖም “ንሓደጋ ዕብየት ጽኪ (ሕበጥ) ክውስኽ ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ እዞም ሆርሞናት ንዕብየት ዋህዮታት የነቓቕሑ እዮም” ክትብል ተረድእ።

"ንነዊሕ እዋን ንሆርሞናት ምቅላዕ፡ ንዓይነታት መንሽሮ ኣካላት ምፍራይ ዝህሉ ተቓላዕነት ከምዝውስኽ ዘመልክቱ ክልስ-ሓሳባት ኣለዉ" ትብል።

ብሽክሌታ ዝዝውራ ኣዋልድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቐዲመን ናብ ዕድመ ንእስነት ዝኣትዋ ኣዋልድ እውን ኣቐዲመን ጾታዊ ርክብ ናይ ምጅማር ተኽእሎአን ዝለዓለ ምዃኑ ኤስከናዚ ትሕብር።

"ኣብ ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ ዝዀነሉን መከላኸሊ ጥንሲ ዘይርከበሉን ኵነታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዘፍርሕ ተርእዮታት ኣሎ። ምውሳኽ ዘይተደልየ ጥንሲ ዘጋጥመን መንእሰያት ከስዕብ እዩ” ትብል።

ንምንታይ እዩ ግን ዕብየት ህጻናት ብኸምዚ ኣገባብ ዝቀላጠፍ ዘሎ?

ካብ ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ክሳብ ብከላ ኣየር

ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ኤሞሪ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኦድሪ ጋስኪንስ ከም እትብሎ፡ ቅድሚ 10 ክሳብ 20 ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ግዜ ቍልዕነት ዝረአ ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ እቲ እንኮ ጠንቂ ቅድመ-ጕርዝውና ምዃኑ ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ከኣ ብከላ ኣየር ካልእ ዝያዳ ዘገርም ጠንቂ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

መብዛሕትኡ እዚ መጽናዕቲ ብተመራመርቲ ደቡብ ኮርያ ዝተገብረ ኰይኑ፡ ሴኡል፡ ቡሳንን ኢንቸዮንን ዝበሃላ ከተማታታ ካብ መንጐ እተን ብዝለዓለ መጠን ዝተበከላ 100 ከተማታት ዓለም ተሰሪዐን ኣለዋ። ኣብ ቀረባ እዋን ብዩኒቨርሲቲ ኤውሃ ሴኡል ዝተሓትመ ገምጋም፡ ኣብ መንጐ ንዝተፈላለዩ ብከላታት ምቅላዕን ኣቐዲሙ ዝመጽእ ወርሓዊ ጽግያትን ተደጋጋሚ ዝምድና ከምዝተረኣየ የመልክት።

ገለ ካብቶም ዓበይቲ መንቀሊታት ከኣ ከም ሳልፈር ዳይኦክሳይድ፣ ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ፣ ካርቦን ሞኖክሳይድን ኦዞንን ዝኣመሰሉ መርዛማት ጋዛት ኮይኖም፡ ካብ ተሽከርከርቲ ወይ ድማ ካብ ፋብሪካታት ናብ ኣየር ዝፍነዉ በከልቲ ጋዛት እዮም።

ኣብታ ብሰንኪ ከሰል (ኮል) ዘቃጽላ ፋብሪካታት ዝፍንዋኦ በካሊ ጋዝ እትፍለጥ ሃገር ፖላንድ ኣብ 2022 ዝተገብረ መጽናዕቲ ካብ 1257 ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኽበ መረዳእታ መርሚሩ ነይሩ። ኣብ መንጐ ናብ ጋዝ ናይትሮጅንን ብዝያዳ ምቅላዕን ቅድሚ 11 ዕድመ ዘጋጥም ምጅማር ወርሓዊ ጽግያትን ምትእስሳር ከምዘሎ ከኣ ኣረጋጊጹ።

መናእሰይ ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምናልባት ካልእ ዝዓበየ ስክፍታ’ውን እቲ ናብ ኣየር ዝፍኖ ብዓይኒ ዘይረአ ደቀቕቲ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ንምርኣይ ዘጸግሙ ኣዝዮም ደቐቕቲ ነገራት ድማ ካብ ኣብ ህንጸት ዘለዉ ህንጻታት ክሳብ ባርዕ ጫካ፡ ካብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክሳብ ሞተር ተሽከርከርትን ደሮናታትን ናብ ኣየር ዝለቐቝ እዮም። እዚኦም ከኣ ምስ ብኣጋ ዝጅምር ወርሓዊ ጽግያት ምትእስሳር ከምዘለዎም ይግለጽ።

"እቶም ደቀቕቲ ነገራት ብቐሊሉ ናብ ሰራውር ደም ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። ናብ ሳምቡእ ምስ ኣተዉ ድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክበጽሑ ይኽእሉ። ዝተወሰኑ ደቐቕቲ ኣብ መዳሕንቲ፣ መትኒታት ጽግያትን ማህደረ እንቋቑሖን ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም" ትብል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኦድሪ ጋስኪንስ።

ካብ ዕድመ ኣቐዲሙ ንዝመጽእ ጕርዝውና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ክህልዉ ተኽእሎ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ኦድሪ ጋስኪንስ፡ እቲ ምስ ደቐቕቲ ነገራትን ካልኦት ብከላታትን ብዝተኣሳሰር ዝቕልቀል ዘሎ መርትዖታት፡ እቶም ጐዳእቲ ዝዀኑ ከባብያዊ ኬሚካላት ናብ ኣካላትና ብምእታው ርሑቕ ዝኸይድ ለውጢ ሆርሞናት ከበግሱ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት ሓደ ኣብነት ከምዝዀነ ትሕብር።

ብሓፈሻ፡ እቲ ኣብ ትቀያየር ዘላ ዓለምና ዝረአ ምልውዋጥ ንዕብየት ህጻናት ብኸመይ ይጸልዎ ብዛዕባ ምህላዉ ዘርኢ ምትእስሳር ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገር ኣሎ ትብል።

"ገና ኣብ መበገሲ ኢና ዘለና ይመስለኒ። ውዑይ ኵነታት ኣየር ንዑደት ወርሓዊ ጽግያት ብኸመይ ይጸልዎ ወይ'ውን ኣዋልድ ቀልጢፈን ንክዓብያ ክሳብ ክንደይ ጸቕጢ ይገብር ከምዘሎ ኣይንፈልጥን። እዚ ተርእዮታት ምህላዉ ግን ርጉጽ'ዩ። ውህደት ከባቢያዊ ኬሚካላት፡ ልዕሊ ዓቐን ርጕድን ጸገማት ስነኣእምሮኣዊ ጥዕናን ወርሓዊ ጽግያት ቀልጢፉ ንኽመጽእ ድምር ምኽንያታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ኣረዲኣ።