ሕማም እዋን ጥንሲ መበገሲኡ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ’ኸ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ጥንሲ ትሸዓተ ወርሒ ንደቂ ኣንስትዮ ቀሊል ኣይኰነን።
ብፍላይ ገሊአን ደቂኣንስትዮ፡ ትሽዓተ ወርሒ ምሉእ ብስቓይ እየን ዘሕልፋኦ።
ብተደጋጋሚ ምዕውልዋል፣ ዕግርግር ምባልን ካልእን የጋጥመን።
ተመራመርቲ፡ ነዚ ከምዚ ስምዒታት ነፍሰጾራት ምፍዋስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠንቍ ብግቡእ ክርድእዎ እውን ኣይከኣሉን ጸኒሖም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግን፡ ነዚ ዝቕይር ምዕባለታት ተፈጢሩ ኣሎ።
ተመራመርቲ፡ ገለ ደቂኣንስትዮ ንምንታይ ኣብ እዋን ጥንሲ ብኸቢድ ሕማም ከም ዝሳቐያ ፈሊጦም ኣለዉ።
እዚ ርኽበት፡ ፈውሲ እቲ ሕማም ንምርካብ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ጥንሲ ሃይፐርመሲስ ግራቪዳረም (ኤችጂ) ዝተበሃለ ከቢድ ምዕውልዋልን ስምዒት ዕግርግርን ዘስዕቡ ሆርሞናት የመንጩ።
ስለዝዀነ፡ ቅድሚ ምጥናሰን ነዞም ሕማማት ከስዕብ ንዝኽእል ሆርሞን ጂዲኤፍ 15 ምቅላዕ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብሉ፡ ተመራመርቲ።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ሰር ስቴፈን ኦ ራሂሊ፡ “ነፍሰ ጾር ጓልኣንስተይቲ ነዚ ሆርሞን እንተ ተቓሊዓ ትሓምም’ያ። መበገሲኡ ምፍላጥና ግን፡ እዚ ኣብ እዋን ጥንሲ ከየጋጥም ከመይ ከም ንከላኸሎ ኣፋፍኖት ይህበና” ይብል።
ንብዙሓት ነፍሰ ጾራት ደቂኣንስትዮ ዘሳቒ እዚ ሕማም፡ ካብ 10 ኣብ ሸሞንተ ዘጋጥም እዩ።
እዚ ሕማም ንህይወት እቲ ጥንሲ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ካብ ዘጋጥመን ድርቀት ንምክልኻል ድማ፡ ብሱር ደም ዝወሃብ ግሉኮዝ የድልየን።
ሓደሓደ ኣደታት ኣብ እዋን ጥንሲ ክሳብ 50 ግዜ ይሓማ ከም ዝነበራ ይዛረባ።
በዓልቲ ቤት ኣትለት ዝላ ግሬግ ራዘርፎርድ ዝዀነት ጓል 35 ዓመት ሱዚ ቨርሪል፡ ኣመና ሓሚማ ስለ ዝነበረት ጥንሳ ክትንጽሎ ሓሲባ ከም ዝነበረት ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, SUSIE VERRILL
ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነት ሱዚ፡ ካብ ሰለስተ ናይ ጥንሲ እዋናታ፡ ኣብቶም ክልተ ሕሱም ስቓይን ሕማምን ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
“ኣብ ጥቓ ስድራይ ክኸውን ኣይክእልን ነይረ። ኣብ ክልቲኦም ግዜታት ጥንሲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ መደቀሲ ክፍለይ ክወጽእ ኣይከኣልኩነ ነይረ፤ ዓቕልኻ ይጸበካ። በዓል ቤተይ ግሬግ ሓብሓቢየይ ኰይኑ” ትብል።
“ንዅሉ ክፍሊ ኣካላትካ ስለ ዝትንክፍ ህፃን ቅድሚ ምውላዱ ዘለዉ መዓልታት ብመከራ ካብ ምሕላፍ ወጻኢ ኣማራጺ የለን” ብምባል ተረድእ።
ልእልቲ ዌልስ እውን ኣብ ሰለስቲኡ ጥንስታታ፡ ኤችጂ ብዝበሃል ሕማም ትሰቐ ነይራ።
ብፍላይ ኣብ ፈላማይ ጥንሳ፡ ሕማም በርቲዕዋ ናብ ሆስፒታል ኣትያ።
ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ምርምራት ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም ሕማም ምስ ሆርሞን ጂዲኤፍ ርክብ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዋላ’ኳ እንተአንፈቱ፡ ተመራመርቲ ግን ኣብቲ ግንዛበ ዝጐደለ ነገር ኣሎ ይብሉ ነይሮም።
እዚ ሓድሽ ምርምር፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ስኮትላንድ፡ ኣመሪካን ስሪላንካን ዝተሳተፍሉ’ዩ።
ኣብ መጽሔት ኔቸር ዝተሓተመ እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ ኵነታት እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ማህጸን ብዝፈሪ መጠን ሆርሞን፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረ ተቓላዓይነት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ የረጋግጽ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ካምብሪጅ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣደታት’ዮም ምርምር ኣካይዶም። ብተፈጥሮአን (ጂን) ምኽንያት ንኤችጂ ተቓላዕቲ ዝዀና ኣደታት ኣብ ውሽጢ ሰብነተን ዘሎ ሆርሞን ጂዲኤፍ 15 ውሑድ ከም ዝዀነ፡ እቲ ውጽኢት የረጋግጽ።
እንተኾነ ቤታ ታላስሚያ ዝተበሃለ ፀገም ምዝባዕ ደም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ቅድሚ ጥንሲ’ውን ኣብ ሰብነተን ልዑል መጠን ጂዲኤፍ 15 ንኽህሉ ይገብር፤ መጠን ዘጋጥመን ዕግርግርን ዕውልውልን'ውን ዝተሓተ’ዩ።
ፕሮፌሰር ስተፈን፡ “እዚ ሆርሞን፡ ኣብ ኣእምሮ እታ ኣደ ናብ ዘሎ ፍሉይ ተቐባሊ ንከይበጽሕ ምኽልካል፡ ውጽኢታውን ውሑስን መንገዲ’ዩ” ይብል።

ኣብ ቤድፎርድ እትነብር ኣደ ክልተ ቈልዑ ቪቪን ኩመር፡ ጥንስቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ሓደ ሰዓት፡ 10 ግዜ ትሓምም ከም ዝነበረት ትዝክር። ስምዒት ተምላስ ዘይስምዓ እዋን እንተነይሩ፡ ክትድቅስ እንከላ ጥራይ ምንባሩ ትዝክር።
“በዚ ሕማም እንተ ሓሊፍክን፡ ምሕዋይ ከቢድ’ዩ። ወትሩ ምሳኽን ዝነብር ስምዒት’ዩ። ምስ ዓለም ከም ዝተባተኽኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፤ መወዳእታኡ ኣይተረድኣንን። ካብ ገዛ ንምውጻእ’ውን በዳሂ ነይሩ” ብምባል ተረድእ።
“ሓገዝ በዓል ቤተይን ወላዲተይን ብምርካበይ ዕድለኛ ነይረ። ብዘይ ናታቶም ደገፍ፡ ጥንስቲ ኰይነ ንኽቕጽል ሓይሊ ኣይምረከብኩን” ትብል።
ንሳልሳይ እዋን ኣብ ዝጠነሰትሉ እዋን ከቢድ ሕማም ጥንሲ ስለ ዘጋጠማ ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ ተገዲዳ። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓትሉ ሸሞንተ መዓልታት ድማ እቲ ጥንሲ ከይድዋ።
“ዝተፈላለዩ መድሃኒታት እወስድ ነይረ። ኵሎም ክፍውሱኒ ኣይከኣሉን። ብዘሕዝን ኵነታት እቲ ድቂ ነዚ ክጻወር ስለ ዘይከኣለ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን” ትብል።
ኣብ እዋን ጥንሲ ብከቢድ ሕማም ንዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዝድግፍ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣካያዲት ስራሕ ሻርሎት ሃውደን፡ እዚ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ዕሽሽ ከም ዝተበሃለ ትዛረብ።
“እቶም ተመራመርቲ ንዘርኣይዎ ተበግሶ አመስግን። ምኽንያቱ ልእልቲ ዌልስ በዚ ሕማም ምስቓያ ክሳብ ዝተፈለጠሉ እዋን፡ ዜና’ኳ ክኸውን ኣይከኣለን ነይሩ። ሰባት ዝሰሓብሉ ዓውዲ ምርምር ኣይኰነን ነይሩ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ጥንሲ’ዩ፤ እንታይ የሻቕለና? ዝብል ግንዛበ ጸኒሑ እዩ” ብምባል ተረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







