ምስጢር'ቲ ንግዳም ሓደር ዝተለገሰ ወርቂ ጫማ

ኣብ ፖርትላንድ ዝርከብ መዕቈቢ ግዳም ሓደር፡ ወፈያ ኣብ ዝእክበሉ ሳንዱቕ ዝረኸቦ ጽምዲ ብርቂ ዝዀነ ስኒከር ጫማ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ‘ኤር ጆርዳን ስኒከርስ’ ብዝብል ዝፍለጣ ወርቂ ጫማ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሰራሕተኛታት እቲ ትካል’ዩ ተረኺቡ።

ኣብ ፖርትላንድ ኦሪገን ዝርከብ 'ፖርትላንድ ረስክዩ ሚሽን' ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ንግዳም ሓደርን ምስ ወልፊ ንዝቃለሱን ከም መግብን መጽለልን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ይህብ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ከም ማልያ፣ ካምቻ፣ ስረ፣ ካልሲ ዝኣመሰሉ ዝተለብሱ ክዳውንቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ይቕበል።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ግን እዚ ጫማ ልክዕ ከም ካልኦት ዝተለብሱ ክዳውንቲ ኣብቲ ናይ ወፈያ ሳንዱቕ ወዲቑ ተረኺቡ።

እቲ ዝገርም ግን እቲ ጫማ ዝተፈለየ ዓይነት እዩ ነይሩ።

"ከም ንቡር ክዳውንቲ፡ ብቕልጡፍ ንዘድልዮም ሰባት እዩ ዝወሃብ" ትብል ዳይረክተር እቲ ትካል ኤሪን ሆልኮምብ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

ይዅን’ምበር፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ እቲ ስኒከር ገለ ጥርጣረ ስለዝሓደሮም ኣጽኒሖምዎ።

“ጉግል ጌርና፡ እንታይ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ንጹር ነይሩ። ግን ክኸውን ኣይኽእልን፤ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ቅዳሕ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም ከምዝሓሰቡ እታ ዳይረክተር ትዛረብ።

እቲ ጫማ ናብ ሓደ ድኳን መሸጢ ስኒከር ተወሲዱ ተመርሚሩ።

ውጽኢቱ ኣይተጸበይዎን - ናይ ብሓቂ’ምበር ቅዳሕ ኣይኰነን። ሓደ ቤት ሓራጅ ድማ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ከምዝሽየጥ ገሚቱ።

"ንኣሽሓት ዓመታት ናይ ብሓቂ ክኸውን’ዩ ኢለ ኣይምገመትኩን" ክትብል ከምዝደንጸዎም ትዝክር።

እቲ ጫማ ብርቂ እዩ፤ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ጥራይ ከምዝተሰርሓ ይንገር።

እዚ ‘ናይክ ኤር ጆርዳን ሬትሮ 3ኤስ’ ዝበሃል ጫማታት ብ24 ካራት ወርቂ ብዝተለበጠ ቆርበት እዩ ዝስራሕ።

እቲ ብወርቂ ዝተቐብኣ ጫማ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሶተቢ ኣብ ዝተኻየደ ብሓራጅ ክባር ዋጋ ተሸይጡ ፡ ካብኡ ዝተረኸበ ኣታዊ ድማ ኣብቲ መዕቈቢ ንዝግልገሉ ሰባት ክዳውንትን መግብን ንምቕራብ ክውዕል እዩ።

ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዳይረክተር ስፓይክ ሊ፡ ኣብ 2019 ንሱን መሳርሕቱን ሽልማት ኦስካር ክዕወቱ እንከለዉ፡ ተመሳሳሊ ናይክ ኤር ጆርዳን ጫማ ገይሩ ስለዝነበረ፡ ምናልባት ንሱ ዝለገሶ ክኸውን ከምዝኽእል ክንገር ጸኒሑ’ዩ።

ሰራሕተኛታት እቲ መዕቈቢ ግን፡ መን ከምዝለገሰ ክሳዕ ሕጂ ከምዘየረጋገጹ ይገልጹ።

እቲ ጉዳይ ድማ ምስጢር ኰይኑ ክቕጽል’ዩ።

እቲ ብርቂ ጫማ ብቲንከር ሃትፊልድ ዝተሰርሐ እዩ፤ ኣብቲ እዋን ድማ ናይክ ኣርባዕተ ጽምዲ ጫማ ብዓቐኑ ናብ ስፓይክ ሊ ሰዲዱ ነይሩ፤ ዓቐን እተን ኣርባዕተ ጽምዲ ጫማታት 9.5 ክኸውን ከሎ እቲ ዝተለገሰ ጫማ ግን 12.5 ዝዓቐኑ እዩ።

ተመሳሳሊ ጫማ ድማ ንህዝቢ ተሸይጡ ኣይፈልጥን።

ስፓይክ ሊ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንሱ እውን፡ ምንጪ እቲ ዝተለገሰ ጫማ ካበይ ምዃኑ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

"እግረይ ክንድዚ ዓቢ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ዋና ቤት ጽሕፈት ናይክ ኣብ ከባቢ ፖርትላንድ ቢቨርተን ኰይኑ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታቱ ድማ ኣብ ኦሪገን ይነብሩ።

ዳይረክተር ኤሪን ሆልኮምብ ኣብቲ መዕቈቢ ን17 ዓመታት ኣብ ዝሰርሓትሉ እዋን፡ ዝተለገሰ ንብረት ሸይጣ ከምዘይትፈልጥ ገሊጻ። ሓቅነት ናይቲ ጫማ ክትፈልጥ ግን ድሌት ነይርዋ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ትካል ሓራጅ ሶተቢስ፡ እቲ ብቲንከር ሃትፊልድ ዲዛይን ዝተገብረ ጫማ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ክሽየጣ’ዩ ገሚቱ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ብ50,800 ዶላር ምስ ተሸጠግን ሰራሕተኛታት እቲ መዕቈቢ ነቢዖም’ዮም።

"ዝያዳ ሰባት ንምግልጋል ክንጥቀመሉ ብምኽኣልና ኣዝየ ሕጕስቲ እየ" ትብል እታ ዳይረክተር።