ክልል ሶማሊ ንቢቢሲን ካልኦት 14 ማዕከናት ዜናን ኣጊዱ

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ዞባ ሶማሊ፡ ኣገልግሎት ቢቢሲ ቋንቋ ሶማልን ኣገልግሎት ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማልን ዝርከብዎም 15 ትካላት ዜና ኣጊዶም።

እተን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ብዘይ ኣድላዪ ፍቓድ ይንቀሳቐሳ ከም ዝነበራ እቶም ሰበስልጣን ይኸሱ።

እዚ ስጉምቲ፡ ፌደራላዊ ተቖጻጻሪ ሚድያ እታ ሃገር ዝኾነ በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ናብ ሰብመዚ እቲ ዞባ ዝጸሓፎ ደብዳበ ስዒቡ ዝተወስደ እዩ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ገለ ተወከልቲ ዓለምለኸ ትካላት ሚድያ ብዘይ ኣድላዪ ፍቓድ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ይኹን’ምበር ሓላፊ ማሕበር ጋዜጠኛታት’ቲ ዞባ ዓብዱልራዛቅ ሓሰን፡ ነቲ ካብ ሰበስልጣን ዝቐረበ ክሲ ነጺጉ።

ንሱ፡ እቲ ሓቀኛ ምኽንያታት ጋዜጠኛታት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ብልሽውናን ጽልዋታት ከቢድ ድርቂን ዘቃልዑ ጸብጻባት ብምቕራቦም ምዃኑ ንሓንቲ ማዕከን ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ዓብዱልራዛቅ ወሲኹ፡ እቲ ማሕበር ፍቓድ ንክሕደስ ክሓትት ከም ዝጸንሐን እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ክግበር ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ቢቢሲ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣይሰመረን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ነጻነት ፕረስ ብቕልጡፍ ከም ዘንቆልቆለ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ጸገማት ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ እዩ።

ካብ ሕዳር 2020 ክሳዕ ነሓሰ 2022 ብውሕዱ 63 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ጸብጻብ ኮሚቴ ምክልኻል ጋዜጠኛታት የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብታ ሃገር ምቹእ ሃዋህው መራኸቢ ብዙሓን ከም ዘየለ ብዙሓን ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም እውን ይዝከር።

በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ሰበስልጣን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሚድያን ብፍላይ ድማ መርመርቲ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ምግፋዕ ደው ከብሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለምለኸ ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም ንዘለዎም ሻቕሎት ዝገልጽ መግለጺታት ኣውጺኦም ምንባሮም’ውን ዝዝከር’ዩ።

መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ዝፀረያን፡ ብሰብሞያ ዝመርሓን ክኾና ከም ዝግባእ ዝገልጹ ክኢላታት ሒደት ኣይኮኑን።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነኑን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎምን መራኸቢ ብዙሓን ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ ብብሕቲ (ብውልቀ) ዝውነኑ ሚድያታት፡ ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ዘማእኽሉ ጸብጻባት ምስርሖም ነቲ ዓውዲን ሙያ ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝገበሩ ሰብሞያ ክዛረቡ ጸኒሖም’ዮም።