ምስረታ ሓደስቲ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ረብሓኡን ሳዕቤኑን እንታይ እዩ?

ብሄረሰብ ህዝብታት ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝፈረሰ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኢህወደግ፡ ብ1983 ዓ.ም [ግእዝ] ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ኣሃዳዊ ስርዓት ናብ ፌደራላዊ ስርዓት ከም ዝቕየር ገይሩ።

ኵሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ተረሲዖም ወይ ማዕረ ዕድላትን መሰላትን ኣይጸንሖምን ዝበሃሉ ብሄር ብሄረሰባት፡ ተሰማዕነት ንኽህልዎም ብዝብል፡ እዚ ስርዓት ከም ዝተመርጸሉ መሰረታዊ ምኽንያት ምዃኑ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ይምጕቱ ነይሮም።

እቲ ብኢህወደግ ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ፌደራሊዝም፡ ኣቐዲሙ ሓሙሽተ ንዝነበራ ክልላት ናብ ሓደ ብምምጻእ፡ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝተባህለ ሓደ ክልል መስሪቱ።

እዚ ግን ንዅሉ ህዝቢ እቲ ክልል ዘሐጕሰ ኣይነበረን፤ ኣብ ውሽጢ እዚ ክልል ዘለው ዝተፈላለዩ ብሄራት ነናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ክምስርቱ ሕቶታት ከቕርቡ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ካብኣቶም ዞን ሲዳማ፡ ንዓመታት ሕቶ ክልልነት ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብታ ሃገር ክልተ ካብቲ ክልል - ደቡብ - ዝወጽኣ ሓደስቲ ክልላት ተመስሪተን።

ሲዳማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መስዋእቲ ህይወት ሰብን ግጭትን፡ ካብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ተፈልዩ ርእሱ ዝኽኣለ ክልል ኰይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ምዕራብ ኦሞ፡ ቤንች ሸኮ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ብሓባር ብምዃን መበል 11 ክልል መስሪቶም።

ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ ዝጸንሐ ክልል ሕጂ’ውን ሕቶ ይግብኣኒ ዘቕርቡ ህዝብታት ኣለው፤ እቲ ሕቶ’ውን ብቐጻሊ ይልዓል ኣሎ።

ክልል ክንከውን ኣለና ኢሎም ካብ ዝሓቱ ከባቢታት ዞን ወላይታ ሓደ ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ዞን ዕግርግር ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝድግፉን ዝሓሸ እንኮ ኣማራጺ እዩ ኢሎም ዝኣምኑን ምሁራትን ህዝብታትን ኣለው ብኣንጻሩ እታ ሃገር ሕጂ ኣትያቶ ንዘላ ቅልውላዋት ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ኢሎም ዝነቕፉ’ውን ብዙሓት ኣለው።

ንምዃኑ፡ መበገሲ እዞም ሕቶታት እንታይ እዩ? ምስረታ ሓደስቲ ክልላት ሓደጋ’ዩ ዝብሉ ኸ መካትዒኦም እንታይ’ዩ?

ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ስርዓት ፌደራሊዝም እያ ትኽተል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ኢህወደግ ዝተኣታተወ ስርዓት ፌደራሊዝምን ንዕኡ ስዒቡ ዝጸደቐ ሕገ መንግስትን፡ ንብሄር ብሄረሰባት እታ ሃገር መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምግንጻል ዘፍቅድ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይጄሪያን ኢትዮጵያን ብወግዒ ነዚ ስርዓት ንኽተል ኢና ዝብላ ሃገራት ኰይነን፡ ካልኦት ሃገራት’ውን ይኽተልኦ እየን።

ኢትዮጵያ ነዚ ስርዓት ብምኽታል ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ እያ ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ምሁር ሕጊ ዮናታን ተስፋዬ ፍስሃ፡ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ብሓባር ንሓንቲ ሃገር ዘመሓድርሉ ስርዓት ምዃኑ የረድእ።

‘መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምግንጻል’ ዝብል ዓንቀጽ እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ካብ ካልእ ዝተፈልየ ከም ዝገብሮ ብምግላጽ፡ ካልኦት ሃገራት ነዚ ኣማራጺ እንተሃባ’ውን ምግንጻል ዝብል ሓሳብ ከንጸባርቓ ኣይርኣያን’የን ይብል።

ነቲ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ስርዓት ዘይድግፉ ኣካላት፡ ‘እቲ ስርዓት እታ ሃገር ሕጂ ንዘላቶ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምኽንያት ኰይኑ እዩ’ ክብሉ ይነቕፉ።

ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ንኽትቅጽል ዘኽእል ስርዓት እዩ ኢሎም ዝምጕቱ ሰባት፡ ‘ፌደራሊዝም ብዙሓት ብሄራት ንዘለውዋ ሃገር ዝጠቅም እዩ’ ዝብል ምጕት ኣሎዎም።

እቲ ምሁር ሕጊ’ውን ነዞም ክልተ ሓሳባት የልዕል።

“እቲ ሕገ መንግስቲ ምሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ስለ ዘይኰነ፡ ፖለቲካዊ ናጽነት ኣሎ’ዩ እኳ እንተዘይበልና፡ እቲ ፌደራሊዝም ግን ብሄር ብሄረሰባት ናይ ባዕልና ንዝብልኦ ሰብ ድምጺ ክህባ ኣኽኢሉ እዩ። ብሄራት ናይ ባዕለን ዕድል ንኽውስና፣ መራሕተን ንኽመርጻን ብቋንቋአን ንኽመሓደራን ኣኽኢሉ’ዩ” ይብል።

ኣቶ ዮናታን ከም ዝብሎ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ብዙሓት ቋንቋታት ኣብ ስራሕ ክውዕሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕሉ ዕድል ሂቡ እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ነዚ ስርዓት ዝነቕፉ ኣካላት ኣወዳድባ ብሄራት ነቲ ስርዓት ከም ዝፈጠረ ይዛረቡ።

“ኣብ ብብሄር ዝተሞርኰሰ ክልል ወይ ዞባ ክፍጠር እንከሎ፡ ‘ደቀባትን ሰፋሮን’ ዝብል ስምዒት ይፈጥር እዩ። እዚ ኣብ ሕገ መንግስቲ ገለ ክልላት ብግልጺ ሰፊሩ’ዩ። እዚ ክልል ናተይ’ዩ፣ ንስኹም ሰፈርቲ ስለ ዝዀንኩም መሰል ክህልወኩም ኣይግባእን፣ እንተዀይኑ’ውን ብፍቓድና’ዩ ክኸውን ዝግባኦ ዝብል ስምዒት ኣማዕቢሉ’ዩ” ክብል የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 1983 ዓ.ም ናይ ብሄር ምክፍፋል ነይሩ’ዩ፤ እንተዀነ እቲ ስርዓት ዝያዳ ክሰፍሕ ከም ዝገበሮ እቲ ምሁር ይዛረብ።

ፌዴራሊዝም ዝቃወሙ ሰባት እንታይ ይብሉ?

እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ብፍቓዶም ዝመስረቱዋ ሃገር ስለ ዝዀነት፡ እቶም ህዝብታት ድማ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ሓሊፉ ክሳብ ምግንጻል መሰል ኣለዎም ይብል።

ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ነዚ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝነቕፉ ውዳበታት ሓደ ኰይኑ፡ ዳይሬክተር ኣድቮኬሲ እቲ ማሕበር ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ፡ ክልል ህዝብታት ደቡብ ቅድሚ እቲ ሕጂ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ምክፍፋል፡ ምስተን ካልኦት ክልላት ዝወዳደር ፖለቲካዊ ዓቕሚ ከም ዝነበሮ ይዛረብ።

“ዓቕሚ ዘይብለን ክልላት እናተፈጥራ ክመጽኣ እንከለዋ ግን ጸገም ክፍጠር’ዩ” ክብል ስግኣቱ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“እታ ሃገር፡ ኣብ መጻኢ ኣብ መንጐ ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝርአ ዓቢይ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክገጥማ እዩ፤ ካልኦት ድማ ሓንቲ ምስታ ካልእ ልፍንቲ [ኣልያንስ] ምፍጣር ክጅምራ እየን” ይብል።

ብኻልእ ወገን ይብል ኣቶ ሆነ፡ እተን ሕጂ ከም ብሓድሽ ዝውደባ ዘለዋ ክልላት “ኣብ ውሽጠን ንዝነብሩ ንኣሽቱ ብሄራት [ተወለድቲ ካልኦት ክልላት] ኣፍልጦ እንተዘይሂበን ንዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣድልዎን ከቃልዕ ይኽእል’ዩ።”

ወሲኹ፡ “እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ዘሎ ኵነታት እዚ እዩ፤ ሓደስቲ ክልላት ብሕታዊ ዋናታት ናይቲ ከባቢ [exclusive homeland] እናዀና’የን ዝመጽኣ። እዚ ድማ ንኣሽቱ ብሄራት ክግለሉን ንሓደጋ ክቃልዑን’ዩ ዝገብር። ንኣብነት፡ ኣብ ወላይታ፡ ሲዳማን ካልኦት ክልላትን ዘለው ኣምሓሩ፡ መሰሎም ተሓልዩ ከም ዜጋታት ናይ ምርኣይ ዕድሎም እናነከየ’ዩ ዝመጽእ። እዚ ኸኣ ግጭት ንክለዓል ምኽንያት ይኸውን፡” ኢሉ።

እቲ ዳይሬክተር፡ እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ’ኳ እንተዀኑ፡ ብመሰረቱ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ “መንፈስ ህንጸት ሃገር የብሉን” ብምባል ይካታዕ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ኣወዳድባ ክፍለ ሃገር፡ ክልላት ናይ ምምሕዳር ወሰን ዘይኰነ ብዘየሻሙ ኣገላልጻ ‘ኔሽን’ [ብሄር] እየን ምባል ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ይሕብር።

“እታ ሃገር ግን ሓንቲ’ያ ኢልና ንሓስብ እንተዄንና፣ ክልላት ድማ ምምሕዳራዊ ወሰን እየን ንብል እንተዄንና፡ ብመንጽር ፍትሓዊ ዝርግሐ ምጣነ ሃብቲ እንታይ ዓይነት ምኽላል እንተተጠቐምና ይሓይሽ? ዝብልን ካልእን ብምርኣይ እቶም ሕቶታት ክምለሱ ይኽእሉ’ዮም፡” ኢሉ።

ክልላት ዝተረሓሓቐ ብዝሒ ህዝብን መልክዓ-ምድርን [ጂኦግራፊ] ከይህልወን ብምግባር’ውን ነቶም ሕቶታት ምምላስ ከም ዝክኣል ይዛረብ። “እዚ ንምግባር ግን ሓንቲ ሃገር እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ኣለዎ፡” ይብል።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ክልል ምዃን ንምንታይ ይጠቅም?

ዞባ ወላይታ፡ ሕቶ ክልልነት ብተደጋጋሚ ካብ ዘልዕሉ ብሄራት ሓደ እዩ። እቲ ዞን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነዚ ሕቶ ከቕርብ እንከሎ፡ ነዚ ዝድግፉ ሰባት ናብ ኣደባባይ እንተወጽኡ’ውን ምላሽ ኣይረኸበን።

ተወላዲ እቲ ክልል ዝዀነን ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተን ምሁር፡ እዚ ሕቶ ሸቶኡ ንኽሃርም ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ዝመስረቱ ሰባት እቲ ሓደ እዩ።

“እዚ ፍትሓዊ’ዩ” ዝብል እቲ ምሁር “ወላይታ ብታሪኽ ርእሱ ዘመሓድረሉ ዝነበረ ስርወ-መንግስቲ [ዳይናስቲ] ምስ ወደቐ፡ ንብዙሓት ዘመናት ከም ውሑድ ብሄር ተቘጺሩ ማዕርነትን ሓበራዊ ዋንነትን ተመንዚዑ ጸኒሑ’ዩ፡” ይብል።

ወላይታ፡ ምስ ኣስታት 56 ብሄራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልል ምሕቛፉ፡ ብምኽንያት መሬትን ካልኦት ሃብቲ ተፈጥሮን ከምኡ’ውን ዝንቡዓት ትርኽትን ኣብ መንጐ ህዝብታት ጽልኣትን ዘይምትእምማንን ብምፍጣሮም፡ ጐንጺታት ክፍጠሩ ጸኒሖም’ዮም ኢሉ።

ነዚ፡ እቲ ብ2011 ዓ.ም ኣብ መንጐ ወላይታን ሲዳማን ዝተፈጥረ ጐንጺ ብኣብነት የልዕል። ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ወላይታ ኣብ ውሽጢ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኣብ ዝተመሓደረሉ ዘመን ዘጋጠሞ ጸገም፡ ሕቶ ክልልነት ንኸልዕል ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ይምጕት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ማዕረ ተሳታፍነት የብሉን፡ ዝብል እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባይቶ እንተሃለዎ’ውን፡ ኣብ ባይቶ እቲ ክልል ዘለዎ ድምጺ ግን ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ይዛረብ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ዘለዎ ድምጺ’ውን መሰሉ ንምሕላው እኹል ኣይኰነን ይብል።

እቲ ቀንዲ ሕቶ “ከም ብሄር፡ ኣብ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ዝተሞርኰሰ ተጠቃምነት ትሕተ ቕርጺ፣ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ቍጠባዊ ተጠቃምነትን ብምስኣኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ብምጥላብ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ፌደራል ቀጥታዊ ተሳትፎ ክረክብ ኣለዎ፤ ነዚ ድማ ክልል ክንከውን ኣለና” ኢሉ።

ክልል ህዝብታት ደቡብ ናበይ ገጹ’ዩ?

ደያሞ ዳሌ ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ዓለምለኻዊ ርክባትን እዩ። ንሱ፡ ክኢላ ርክባት ህዝቢ እቲ ክልል ኰይኑ ኣገልገሉ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ይሰርሕ ኣሎ።

ኣቶ ደያሞ፡ ንኣመሰራርታ ሓደ ክልል ከብርህ እንከሎ፡ መጀመርታ ኣብያተ ምኽሪ ዞባ ዘሕለፍዎ ውሳነ ናብ ክልላዊ ባይቶ ከም ዝልኣኽ ይዛረብ።

እቲ ክልላዊ ባይቶ ድማ፡ ነቲ ውሳነ መርሚሩ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ምስ ኣሕለፎ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ኣጽደቘ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ንኽካየድ ናብ ቦርድ ምርጫ ይልኣኽ።

ሲዳማ፡ ክልል ምስ ኰነ ካልኦት ዞናት ክልል ደቡብ’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ንኽወሃበን ክሓታ ምጽንሐን ዝጠቅስ ኣቶ ደያሞ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንሕቶ እዘን ዞናት “ብክላስተር ተወደባ” ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበን ይዛረብ።

“በዚ መሰረት ሒደት ዞናት ተሰማሚዐን ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብዝብል ክልል መስሪተን። ካልኦት ከኣ ነዚ ሓሳብ ተቓዊመንኦ።”

ገሊኦም ብብሄሮም ክልል ንክዀኑ ሕቶ ዘቕረቡ ኰይኖም፡ ዝተወሰና ዞናት ድማ ኣብ ውሽጠን ዝተፈላለዩ ብሄራት ሓቚፈን ክልል ንክዀና እየን ሓቲተን።

“ሕጂ ጉራጌን ደራሼን እየን ተሪፈን። ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ጉራጌ ግን ኣይተሰማምዑን፤ እቶም ዘይተሰማምዑ ካብቲ ሰልፊ ክወጽኡ’ዮም ኢለ እግምት። ሹመኛታት ግን እምብለና ክብሉ’ዮም ኢለ ኣይኣምንን፡” ይብል ኣቶ ደያሞ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ከተማ እቲ ዝምስረት ክልል ኣየናይ ይዅን ኣብ ዝብል ጉዳይ ስምምዕ የለን።

“ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ይዅኑ ዝብል ሓሳብ ሰሚዐ ኣለኹ። ክልል ደቡብ ምዕራብ ንርእሱ ኣብዚ ጉዳይ ኣይተሰማምዐን ዘሎ። ንግዜኡ ኣብ ቦንጋ’ዩ ዘሎ፤ ብኡ ንቐጽል ዝብልን ዝቃወምን ግን ኣሎ።”

ኣቶ ደያሞ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክዀኑ ምግባር፡ ነገራት ካብ ምትሕልላኽ ወጻኢ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ዝብል እምነት ኣለዎ።

እተን ዝተረፋ ዞናት ኣብ ስምምዕ በጺሐን ርእሰን ዝኽኣላ ክልላት እንተዀይነን፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ክልል ደቡብ ክፈርስ እዩ። እቲ ምሁር ግን ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብቲ ክልል ዘለው ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣክንዲ’ቲ ዓቢይ ክልል ደቡብ ናብ ንኣሽቱ ክልላት ዝተወደቡ’ዮም ይብል።

“ከም ሲዳማ ዝበሉ ክልላት ተመሳሳሊ ቋንቋ ስለ ዝዛረቡ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ካልኦት ዞናት ግን ብሓደ ክውደቡ’ዩ ተገይሩ። ኣነ ከም ዝመስለኒ እዚ ለውጢ ኣየምጽእን። እቲ ዝነበረ ዘይምቅዳው ናብ ንኣሽቱ ዘይምቅዳዋት ጥራይ’ዩ ዝቕይሮ።”

ብቐንዱ ግን፡ እተን ከም ብሓድሽ ዝምስረታ ዘለዋ ክልላት፡ ህዝቢ ተጠቃሚ ክኸውንን ምዕሩይ ምሕደራ ክሰፍንን ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣቶ ደያሞ ይሕብር።

ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ይጠቅም’ዩ ዝብሃል ስርዓት ኣየናይ’ዩ?

ፖለቲከኛታትን ምሁራት ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን፡ እቲ ስርዓት ፌደራሊዝም እንተዀነ’ውን ብሄር ተኰር ክኸውን የብሉን፡ ይብሉ።

ምሁር ሕጊ ዮናታን ተስፋዬ በዚ ሓሳብ ካብ ዝሰማምዑ ሓደ ኰይኑ፡ “ስርዓት ፌደራሊዝም ንኢትዮጵያ ኣማራጺ ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ግልጺ’ዩ። እቲ ሕቶ እንታይ ዓይነት ፌደራሊዝም ይዅን ዝብል’ዩ” ኢሉ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ክትዕ እቲ ስርዓት ብሄር ተኰር’ዶ መልክዓ ምድራዊ [ጂኦግራፊያዊ] ይዅን ዝብል እዩ። ጂኦግራፊያዊ ማለት ሓደ ከባቢ ንምሕደራ ዝመችእ ገይርካ ምውዳብ ማለት እዩ ክብል የረድእ።

“ዝዀነ ይዅን ሕቶ ብሄራት ዝምልስ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ ኢለ’የ ዝሓስብ። ነዚ ሕቶ ዘይምልስ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ቅቡልነት የብሉን። እዚ ኸኣ፡ እቲ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈለየ መልክዑ ብምውዳብ ክምለስ ይኽእል’ዩ፤ ነዚ እቲ ሕጂ እንኽተሎ ስርዓት ኣብ ቦታኡ እንከሎ ኣብ መንነት ብሄር ጥራይ ትዅረት ዝገበረ ክኸውን የብሉን።”

ፖለቲከኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ግን፡ ‘እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንህላወ እታ ሃገር ዘስግእ’ዩ’ ኢሎም ይምጕቱ።

ዮናታን፡ “ከምኡ ኢልካ ንምድምዳም መጀመርታ እቲ ሕገ መንግስቲ ብልክዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዋላ’ውን ብፌደራላዊ ሕገ መንግስቲ እንተተመራሕና፡ እቲ ስርዓት ብዝግባእ እንተርኢናዮ ከምቲ ኣሃዳዊ ስርዓት’ዩ ዝንቀሳቐስ። ክልላት መሰለን ተሓልዩ ናይ ባዕለን ዕድል ኣብ ዝውንናሉ ኵነታት ኣይኰናን ዘለዋ፡” እዩ ዝብል።

እቲ ስርዓት፡ ብልክዕ ተግባራዊ ከይኰነ እንከሎ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ንህላወ እታ ሃገር ሓደገኛ እዩ ምባል፡ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ኣይኰነን ብምባል ሓሳቡ የጠቓልል።

“ስግኣታት ኣለው’ዮም። ናይ ብሄር ፖለቲካ ምህላው ኣብ መንጐ እቲ ሕብረተሰብ ወጥሪ ፈጢሩ’ዩ። ዜጋታት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ዘይምኽኣሎም፣ መሰሎም ምስ መንነት ብሄር ዝተተሓሓዘ ምዃኑን ካልእን ዝፈጠሮ ስግኣት ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስርዓት ህዝብታት ብሰላም ንኸይነብሩ ስግኣት ኰይኑ’ዩ ምባል ይከኣል።”